ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት 

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት

ቅዱስ ኤጂዲዮ እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ምስ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፡ 2,700 ስደተይናታት ብመደብ ሕጋዊ መተሓላልፎ ሰብኣዊ ኣብ ኢጣሊያን ፈረንሳን በልጂምን እንገዳ ክረኽቡ ከምዝገበረን

እቲ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 25 ጥሪ ዝዛዘም ዕለት 18 ጥሪ ዝተበገሰ ናይ ለምብዘበል 2020 ዓ.ም. ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ጳውሎስ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 28 ፍቕዲ 2 “እቶም ደቂ ዓዲ ኣዚዮም ለውሁልና .. ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ቅድም ክብል ክምእተሓበረን፡ እዚ መርሕ ቃል’ዚ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ንኽስስትንተን ዝዕድምን ኣብ ምእንጋዶምን ምድጋፎም ንኽንርከብ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ሮማ ኣብ እትርከብ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ማርኰ ፎርነሮነ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ካብ ርሑቕ ዝመጽእን፡ ካብ ውግእን ጥምየትን ስእነት ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ፍትሒ ተደሪዅ ዝስደድ፡ ንኸነእንግድን ኢድና ንኽንዝርግሕ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን መርሕ ቃል የዘኻኽረና፡ ጳውሎስ ካብ ህዝቢ ማልታ ዝቐረበሉ ሓልዮትን ድጋፍን እንክገልጽ፡ ኣዝዮም ለዉሁልና ይብል፡ እዚ ለውሃትን ሓልዮትን ናይ ኵሉ ክርስቲያን ግደ ዝብል ሓላፍነት እዩ ኢሎም።

ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ቅዱስ ኤጂዲዮ እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ምስ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፡ 2,700 ስደተይናታት ብመደብ ሕጋዊ መተሓላልፎ ሰብኣዊ ኣብ ኢጣሊያን ፈረንሳን በልጂምን እንገዳ ክረኽቡ ከምዝገበረን፡

ንኸነእንግድ ዝተጸዋዕና

ክርስቲያን ዘይነጽግን ዘአንግድን እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ክርቶስ ቤተ ክርስቲያን እየ እትብል ቤተ ክርስቲያን ነቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘቕረበልና እንገዳ እትምስክር እያ፡ ስለዚህ እንገዳ ናይ ኵሉ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ፡ ዘየአንግድ ሰዓቢ ክርስቶስ እየ ዝብል እንተሎ ሓሳዊ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ንሓውና ብዘሎና ፍቕሪ ኢና እንገልጾ፡ ሓው ናይቲ ንዘይርአይ እግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ መምዘኒ እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብዚ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕርቅን ብርሃንን ተስፋን እምነትን ሓይልን እንገዳን ምልዋጥን ለጋስነትን  ኣብ ዝብል ቃል ይስትንተን ከምዘሎን፡ እዚ እውን ክርስቲያ እሙንን ዘእምንን ምስክርነት ዘቕርብ ክኸውን ዘነቃቕሕን ንሓድ ሕዶም ይቕረ ክበሃሃሉን ክተሓባበሩን፡ ካብቲ ኣብ መንጐኦም ዝንበር ይቕረታን ምትሕብባርን ተበጊሶም ናብቶም ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ንምባል ዘተባብዕ እውን እዩ።

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ቫልዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት
21 January 2020, 17:19