2019.09.11 Udienza Generale- Seminaristi sloveni 2019.09.11 Udienza Generale- Seminaristi sloveni 

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጸዋዕታ፡ ፍሱህን ፍርያምን ንምዃን ብሉጽ ምንዳይ

ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፡ ናይ ጸሎትን መጽናዕትን ሱታፌን ቤት እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዕርገ ክህነት ዝተቀበልሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ዘብዓልሉ ዕለት፡ ናይ ኤሚሊያ ሮማኛ ዞባ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ተቐቢሎም ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ እውነተይና ተምክሮ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ እትገብረሉን

ኣብ ህይወትካ እቲ ዝበለጸ ምውፋይ፡ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተመርሔ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሔራዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጸዋዕታ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዕለት 5 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝዛዘም ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤን መንፈሳዊ መደብን ሎሚ ዕለት 4 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ከምዘበገሰን፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ ንተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ናይ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ሕንጸት ሓለፍትን ናይ ኢጣሊያ ሰበኻታት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ሰብ ሙያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዘሳተፈ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸዋዕታን ሓሴትን ዝብሉ ቃላት ክሌኣዊ ትርጉም ምርዳእ የድሊ፡ ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ሕጉስ ሕይወት ክሕሰብ እንከሎ ሓሴት ዝተመልኦ ኣልቦ ጸገማት ዝዀነ ምንባር ኢኻ ኣባኻ ትስእል፡ ጸዋዕታ ንገዛእ ርእሱ በዚ መምዘኒ ዓይነት ምንባር ክሰኣል እንከሎ ወንጌል ነቲ ዝኣትዎ ቃል ስቓይን ምግርጫዋትን ድኻምን ዘይብሉ ገርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ዓይነት ጌጋ ርድኢት ከመይ ገርካ ክተወግድ ከምእኽእል ዘብርህ እዩ።

ጸዋዕታ፥ ሓሴትን ጻዕርን

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣስተምህሮ ዘቕርቡ ዝኽተልዎ መስመራዊ ሓሳብ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ምስ መንእሰያት ክራኸቡ እንከለዉ፡ ንጐይታ ድለዩ ቃሉ ዓቅቡን፡ ብሕይወትኩም ምእዙዛት ንቓሉን ኣብ ጥበብ ምዕባይን እንክብሉ ደጋግሚሞ ዘቕርብዎ ምዕዳን ከምዝዀነ ታማሮ ሓቢረን።

ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጸዋዕታ ሓላፊ ኣባ ሚከለ ጃኖላ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡

ጸሎትን መጽናዕትን ሱታፌን

ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፡ ናይ ጸሎትን መጽናዕትን ሱታፌን ቤት እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዕርገ ክህነት ዝተቀበልሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ዘብዓልሉ ዕለት፡ ናይ ኤሚሊያ ሮማኛ ዞባ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ተቐቢሎም ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ እውነተይና ተምክሮ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ እትገብረሉን ምጥርጣራትካን መንፈሳዊ ሕውነት ምንባርን እንታይ ማለት ምዃኑ እውን ተመክሮ እትገብረሉ እዩ፡ ናይ ግልን ማሕበራዊ ጸሎትን እተማዕብለሉን ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ እትገብረሉን ምስ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምንባር ዝነቐለ ማሕበራዊ ናብራ እተማዕብለሉን ቤት እዩ። ከይዲ ሕይወት እትፍጽመሉ።

ሕንጸት ንልልያ

ብዙሕ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ህይወት ምርጫ ንክህነታዊ ጸዋዕታ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ውሳኔታት ህይወት ልልያ መሰረታዊ ምዃኑ የመላኽቱ፡ ስለዚህ ልልያ ምስ ዝብል ቃል መንፈሳዊ ኣቦ ዓቢይ ምትእስሳር ይህልዎ፡ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናይ ህይወት ወቕቲ ልልያ ወሳኒ እዩ፡ ኣብ ጸሎትን ርክብ ምስ ጐይታን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ግቡእ ስፍራ ነኸተንብርን ብሓቂ እቲ እትደልዮ ንኸተለልልይን መታን፡ ኵለንተናኻ ናብቲ እተለልዮ ንኸተመስርቕ።

እውነተይና ሓጐስ ኢየሱስ እዩ

ድሕሪ እዚ ዅሉ ጉዕዞ ህይወት እቲ ብወንጌል ቃል ዝተኣተወ ህይወት ጥራሕ እውነተይን ሓሴት ምዃኑ ተለልይ፡ እዚ ህይወት እዚ ኸኣ ፍርያም ይኸውን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ዕለት 19 ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቶር ቨርጋታ ንዝተረኽቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ሓሴት ክትሓልሙን ከተማዕድዉን ሃሳስ ክትብሉ እንከለዅም ብጭቡጥ ንኢየሱስ ኢኹም እተደልዩ ሓሴት ኣብ ህይወቱ ዘናድይ ንኢየሱስ እዩ ዘናድይ፡ ንሱ ንህይወትኩም ዓባይን ንሓደ በሪኽ ዕላማ እትጓዓዝን በቲ ላንጋላንጋ ንኽትኵለስ ዘይትፈቕዱ ዝገብር፡ ብትሕትናን ብጽንዓንት ገዛእ ርእስኹምን ሕብረተሰብን ዝበለጸን ሰብኣውነትን ሕውነትን ዝዓሰሎ መታን ክኸውን ጻዕራማት ንኽትኰኑ ዘተባብዕ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጸዋዕታ፡ ፍሱህን ፍርያምን ንምዃን ብሉጽ ምንዳይ
04 January 2020, 16:48