ቅድስቲ መሬት ቅድስቲ መሬት 

ናይ ቅድስቲ መሬት ብፁዓን ጳጳሳት ውህደት፡ ንዅሉ ወገን ዘኽብር ፖለቲካዊ ውሳኔ መፍትሒ እዩ

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ውህደት፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብቲ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ሰላም ንኽረጋገጽን ፍትሒ ንምንቕቓሕን ዓቕሚ ዘይብሉ ኰይኑ ምርኻቡ ነቒፎም

ናይ ቅድስቲ መሬት ብፁዓን ጳጳሳት ውህደት ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 16 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ እስራኤል ቅዱሳት ስፍራ ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት ዛዚሞም ንናይ ጋዛን ራማላሕን ኢየሩሳሌምን ማሕበረ ክርስቲያን ድጋፎምን ምትሕብባርን ብምርግጋጽ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ምስረቓ መሰረት ገይሮም ወግዓዊ ኣፍልጦ ንሃገረ ፍልስጥኤምን ደሕንነት እስራኤልን ናይ ኵሉ ናይ ምንባር መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውንን ብቆራጽነት ዝዀነ ይኹን ዓመጽን ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝፍጸም ዓመጽ ንቃወም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ሓባር መግለጺ ወግዓዊ ከምዝገበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ህልው ኩነታት ሰላማዊ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ፖለቲካ ኣብ ምቛም ግደኦም ከበርክቱ ዝሓተቱ ናይ ቅድስቲ መሬት ብፁዓን ጳጳሳት ውህደት፥ ኣብቲ ንናይ ጋዛን ራማላሕን ምብራቕ ኤሩሳሌምን ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ድጋፍን ምታሕብባርን ንምምስካር ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት ዛዚሚም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ከባቢ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ውሑስ ክኸው ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ከባቢ ሰላም ውሑስ ክኸውን ሃገረ ፍልስጥኤም ወግዓዊ ተፈላጥነት ክረክብን ናይ እስራኤል ህላዌን ናይ ኵሎም ናይቲ ከባቢ ሕዝብታት ህላዌን ውሑስ ክኽውን ብናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ኣመለኻኽታ መሰረት ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ካምፒዚ ኣስዒበን፥

ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ክኽበር     

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ውህደት፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብቲ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ሰላም ንኽረጋገጽን ፍትሒ ንምንቕቓሕን ዓቕሚ ዘይብሉ ኰይኑ ምርኻቡ ነቒፎም፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስታትን ኣብ ገለ ገለ እዋን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዘሎ ዓመጽን ዘይምርጋእን ተሓባበርቲ ኰይኖም ዝርከቡ፡ ካብዚ ዓይነት ተግባራት ተላቒቖም ሰብኣዊ ክብሪ ክከናኸኑን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ክኽበር መታን ግደኦም ከበርክቱ ንምሕጸን ቢሎም፡ ኣብቲ ከባቢ ነባሪ መፍትሒ ዝብል ተስፋ ዘቕህም፡ ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ንሰላም ዝብል ነባሪ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ሓሳብ ዘርሕቕ፡ ኣብ ከባቢ ፍልስጥኤም እስራኤል እተቑሞም ዞባታት መንበር እስራኤላውያንን ዝሕነጹ ፈላላይ ቀጽርታትን ኰኒኖም ኣብ ቅድስቲ መሬት ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ከባቢ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተነፍገን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ብዘረጋግጽዎም ውሳኔታት መሰረት ጋዛ ትሕቲ ሰማይ ቤት ማእሰርቲ ከተማ ንኽትከውን ከምዝገበራን፡ እዚ እውን ኣብቲ ከባቢ ቅልውላው ናይ ሰብኣዊ መሰረታዊ ኣድላይነት ክኽሰት ከምዝገበረን፡ ብዘይ መውሃቢ ኣገልግሎት ከምዘትረፋን ጠቒሶም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርክቡ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ዓለማውያን ምእነናን ተጋድሎኦም ንኢዶም፡ ምስ ሕዝብን ንሕዝብን ኰይኖም ዘራኽብ ድልድል ኣብ ምሕናጽን ሰብኣዊ መሰረታዊ ኣድላይነት ኣብ ምቅራብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ነቶም ጸረ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ዝተግሁ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ቅርበቶም የረጋግጹ

ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ውህደተ፡ ኵሉም ምእመናን ንናይ ቅድስቲ መሬት መሰረታዊ ጸዋዕታን ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ መንፈሳዊ ንግደት ከተባባዕን መንፍሳውያን በጻሕቲ ክህልዉን ኣበርቲዖም ስለ ናይ ቅድስቲ መሬት ተልእዀን ጸዋዕታን ክጽልዩ ተላብዮም፡ ኣብ ምወዳእታ፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንኽረጋገጽ ከይተሓለሉ ኣብ ጸረ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ምንቅስቓስን ምእንቲ ምርግጋጽ ፍትሕን ሰላምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተጊሆም ዝዓዩ ኣስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ድጋፉ ከቕርብ ብዘቕረብዎ ጻውዒት ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ካምፒዚ ሓቢረን።

ናይ ቅድስቲ መሬት ብፁዓን ጳጳሳት ውህደት፡ ንዅሉ ወገን ዘኽብር ፖለቲካዊ ውሳኔ መፍትሒ እዩ
17 January 2020, 17:46