ድለ

ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን 

ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን

“ቆዝሞስ ናይቲ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ጽባቔ ፍድፋድ እዩ፡ ጽባቔ ናይ ምዃንን ምህላውን ካብ ዝዀኑ ረቛሒታት ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገዛእ ርእሱን ንገዛእ ራሱን ግን ፍጻሜ ኣይኰነን፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ወይ ዝድምደም ኣይኮነን፡ ብቲዮሎጊያዊ ርእየት ወይ መንጽር መልእኽቲ ሰገርነትን ካልእነትን እዩ፡ ኣብ ጽባቄ ሰገርነትን ነቢርን ዘመሳቕል እዩ

ዕለት 27 ጥሪ ተበጊሱን ዕለት 28 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘመ መንፈስ ጥበበይና መለኮት ኣብ ዕዮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ዝተዳለው ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ስነ ጥበብ፥ ቲዮሎጊያን እምነትን ብዕምቆት ንምምልካትን ኣብ ስነ ጥበብ ዝቃላሕ ቲዮሎጊያን እምነትን ንምንባብ ዝብል ፍሉይ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዝቐረበሉን ናይ ሓሳብን ርእይቶን ምልውዋጥ ዝተኻየደሉ ዓውደ መጽናዕቲ እውን ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማሪና ቶማሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ፥ Via pulchritudinis-ጐደና ጽባቔ (ናይ ጽባቔ ጐደና) ስነ ጥበብ ሰባኬ ጐደና ጽባቔ እዩ፡ ክርስቶስ ስለዘበስር፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ጽባቔ ጐደና እዩ፡ ንኽርስቶስ ዘበስር ስለ ዝዀነ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ምዕዳኖም የዘኻኽሩና፡ እዚ ማለት ከኣ ንኣኡ ምእማንን ኣብኡ እምነት ምንባርን ምስዓብን ቅኑዕን ግብእን ጥራሕ ዘይኰነስ  ጽቡቕን፡ ንሕይወት ብሓድሽ ግርማን ብጥልቂ ሓሴትን ኣብ ዝዀነ ይዅን ፈተናታትን ኵሉ ሽሹይ ዝገብርን እውን እዩ።

ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን
ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን

ምንጽጻር ኣብ መንጐ ስነ ጥበብን እምነት

እዚ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይቲ መንበረ ጥበብ ክፍሊ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ኣሰናዳእነት ዝተኻየደ ዓስራ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ፥ መንፈስ ጥበበይና መለኮት ኣብ ዕዮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኰይኑ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ዝምስረቕን ዝሕበርን ቲዮሎጊያን እምነትን ንምዕሟቅ ዝድግፍ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ዓስራይ ስንዳኤ ናይ ጽሑፍ መጽናዕቲ ዘቕረቡ ኣብ መንበረ ጥበብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ ክፍሊ መጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኢግናዚዮ ሳና፥ “ስነ ጥበብን ጽባቔን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድሌት እዩ፡ ስለዚህ እዚ ኵላውነት ድሌት’ዚ ንዅሉ ዘዋህድን፡ ንሰብኣዊ ፍጥረት ንሓድ ሕዱን ምስ እግዚኣብሔርን እውን ዘዋህድ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ታማሮ ኣስዒበን፥

ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን
ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን

ጐደና ውበትም ውህበትን ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን መለኰትን

ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ዝኸፈቱ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራኮ ራቫዚ፥ “ቆዝሞስ ናይቲ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ጽባቔ ፍድፋድ እዩ፡ ጽባቔ ናይ ምዃንን ምህላውን ካብ ዝዀኑ ረቛሒታት ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገዛእ ርእሱን ንገዛእ ራሱን ግን ፍጻሜ ኣይኰነን፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝዕጸው ወይ ዝድምደም ኣይኮነን፡ ብቲዮሎጊያዊ ርእየት ወይ መንጽር መልእኽቲ ሰገርነትን ካልእነትን እዩ፡ ኣብ ጽባቄ ሰገርነትን ነቢርን ዘመሳቕል እዩ፡ ስለዚህ ብሓንሳብ ሰብኣውን መለኰታውን እዩ፡ ስነ ጽባቔን ስነ ምግባርን እዩ። ብመሰረተ ኣስተንትኖ ክንበር እዩ ዘለዎ፡ ዓይነ ልቢ ብዘፍጥረት ኣቢሉ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሔር ጽባቔ  ይዛረብ” ዝብል ሓሳብ ዘማከለ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፥ ኣስዒቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ኪየቲን ቫስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ፥ “እቲ ልዑልን ዘስደምም ናይ እግዚኣብሔር ተግባር፡ እቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ በቲ ፍቕሪ ዝዀነ እግዚኣብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ንኸነፍቅ ዘብቅዓና ትንሱእ ወልድ እዩ፡ ተሰግወ ሞተ ተንስኣ ምእንታና፡ ንሱ እዩ ናይቲ ዝተጸዋዕናሉ ፍቕሪ ኣርኣያን ዔማት (ፈልፋል/መበቆል)” ዝብል ሓሳብ ዘማእለ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ስነ ጥበበይና፡ መትረብ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ጽባቔን

ሰብ ሙያ ጥበብ/ስነ ጥበበይና ምእመን እቲ ንእግዚኣብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ንኽገልጽ ዝሕግዞ መተሓላለፊ መገዲ ይኸውን፡ ብስነ ጥበብ ኣቢልካ ናብቲ ፍጹም ጽባቔ ንኽትብል፡ ንድፍን ቅብእን ስእልን ስነ ንድፈ ሕንጻን ስነ ሙዚቃን እውን ንገዛእ ርእሱ ብውሽጡ ናይ ዝደርሶ ጽባቔ መሰረት እምነት እዩ፡ ክንየው እቲ ጭቡጥ መልክዕ፡ እግዚኣብሔር ቀረባናን ንእግዚኣብሔር ዝረኸቡን ኰይንና ንኽስምዓና ዝድግፍ፡ ጐደና ጽባቔ ሓደ መዓልቲ ናብቲ ኢታእላው ሰናይነት ዝዀነ እቲ ብዘለዎ ናይ ፍቕሪ ቃል ኪዳን ኣቢሉ ናብኡ ዝማርኸና ንኸነስተንትን ከብቅዓና እዩ” እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ሳና ኣብ ዘቕረብዎ ናይመጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘብርሁ ታማሮ ገሊጸን።

ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን

Photogallery

ስነ ጥበብ ሰባኬ መለኮታዊ ውህበትን ውበትን
28 January 2020, 17:22