በዓለ ጥምቀት ኣብ ስደት በደብረ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዘዲበ ርእሰ ሃገር ካርቱም

ተፈሳሕነ ወተሃሰይነ ምስለ ኲሎሙ ህጻናቲነ ብሩካን በብዓለ ጥምቀተ ዘእግዚእነ ወመድሃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ በደብረ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዘዲበ ርእሰ ሃገር ካርቱም
ብድምጺ ንምክትታል!

ካቶሊካውያን ስደተኛታት ተቐማጦ ካርቱም፡ ሱዳን፡ ከም ኩሉ ሕዝብና፡ ሰኑይ ዕለት 20 ጥሪ 2020፡ ክብረ በዓለ ጥምቀት ኣብዓልና። መደብና፡ ከም ወትሩ ኣበዓዕላ በዓላት ዝዝውተር፡ ወጋሕታ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ብዝመጹ መንእሰያት ብስባሔ ዘሌሊት ያሬዳውያን ጀመረ። ውሽጥን ደገን ቤ/ያንና፡ ንቊጽሪ ምእመናና፡ ወቕቱ፡ እቲ ቀደም ‘ጥሪ ዕብዲ’ ዝበሃል ዝነበረ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሓጎስ ተኽሊል ደቆም ክሳተፉ፡ ካብ ሃገርና ዝገስገሱ፡ ኣማኢት ሽማግለታትን፡ ሰብ ማእከላይ ዕድመን፡ ተወሲኹዎ፡ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ውዓለ። ንገያሾ’ውን፡ ኣብ ሃገር ስደት ከምዝን ክንድዝን ድምቀትን ብዝሕን ምእመናን ከብሎም ኣጽብሔ።

 ሰዓት 9 ቅ. ቀ. ኮይኑ 6 ለባስያን ካህናት (ሰለተ ናትና ጓሶት፡ 4 ከኣ ንሞንስኞር ኣንተ፡ ወዳኢ ጉዳያት ኤምባሲ ቫቲካን ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ክበጽሑ ካብ ሃገሮም ዝመጹ ጸዓዱ) ምስ 10 ዲያቆናትን ኣናጒስጢስን፡ ብዓቢይ ማዕጾ ናብ ቅዳሴ ምእንቲ ክኣትዉ፡ ብማጸጋማይ ወገን ማዕጾ ቤ/ያን፡ ተሰሪዖም ወጹ። ኣብ ደገ ከኣ፡ ኣብዚ ዕለት’ዚ መጀመርያ ቅዱስ ቊርባን ዝገብሩ 52 ሕጻናት፡ ኲሎም ጻዕዳ ዝተኽድኑ፡ ብቅድሚት መስቀልን ዓበይቲ መዘምራን፡ ብየማነ-ጸጋም ከኣ እናተበራረየ ደው ዘይብል ዕልታትኤን ንኣምላኽ ኣምልኾን ውዳሴን ከስምዓ፡ ዝተዳለዋ፡ ሓደ ዓይነት ክዳን ዝተኸድና፡ ኣደታት ተሰኒና፡ ብቕድሚት ዓቢይ ማዕጾ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኣተና። ነዚ ኩሉ ዘይፈለጠ፡ ውሽጢ ዝጸንሔ ምእመን፡ እንታይ ኣተወና ኢሉ ግልጽ እንተበ፡ ብፍላይ እቲ ካብ ዓዲ ዝመጸ፡ ከምዘሎዎ ነገረ ሰማያት ዝርእዩ ዘሎዉ ኮይኑ ተሰምዖም። ኲሉ ከኣ፡ ንጻዕዳ ክዳን ሕጻናትና፡ ጻዕዳ ዝቖርበቶም ብዙሓት ካህናት ምስ ካህናትና ርእዮም ከኣ፡ ንመልዕ ብዙሕነት ‘እንተላእለ ኩሉ ቤ/ያንና ኣመስገነ። ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ሰራዒ ካህን ዕለቱ፡ ናብ መንበረ ታቦት ወጺኦም፡ ንዋየ ቅዳሴ ከፋፊቶም ክሳብ ኣስተናጽሖ ዝገብሩ፡ ያሬዳውያን ብጣዒሚ ዜማኦም፡ መዘምራን ብመዝሙሮም፡ ኣቦታት ብውዝዋዜ ጣቓዒት ኣእዳዎም፡ ኣደታት ብዕልታኤን፡ ሕጻናት ብፈገግታ ክምስታ ሓጎሶም፡ ኲሉ ተሳታፋይ፡ ነቲ ቅዱስ ዳዊት “ኲሉኹም ኣሕዛብ እናኣጥእቓዕኩም፡ ብብኽያት ሓጎስ ብኸዩ (መዝ 47፡1) ዝበሎ መሲሉ ተሰምዑ። ኩሉ ትንፋስ ፍስሓን ሓጎስን ኣተንፈሰን፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን።

 

ሰራዒ ካህን፡ ቅድሚ ቅዳሴ ‘ብስም ኣብ’ ኢሎም ምጅማሮም፡ ነቶም ሎሚ ምስኦም ሓቢሮም ዝቕድሱ ዘሎዉ፡ ንምእመናን ድሕሪ ኣላልዮም፡ ንዓታቶም’ውን ምሳና መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምምጽኦም ኣመስገንዎም። ሓደ ካብቶም ጽዓዱ፡ ኣባ ቺሪል ሎቭሪክ፡ ዝበሃሉ፡ ፍራንቸስካዊ፡ ንሞንስኞር ጸጋ ጥምቀት ዘጠመቑ ኢዮም። ቀጺሉ እቲ ልሙድ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዓረገ።

ቃለ ወንጌል ናይ ዕለቱ፡ ብጣልያንኛ ቀሪቡ ብኣባ ክፍለኢየሱስ ዝተተርጎመ፡ ብሞንሲኞር ኣንተ ቀረበ። ሰባኺ ‘’ዝፈትዎ ወደይ እዚ ኢዩ ንዓኡ ስምዕዎ’ ዝብል ሓረግ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል መሪሕ ሓሳብ ገይሮም፡ ስብከቶም ኣስምዑ። ቅድሚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ሃገርኩም ከይዱ፡ ምስ ብዙሓት ተማህርቲ ዘርኣ ክህነት፡ ተራኺበ። ኣብዚ ሰቡ ዘይብሉ ከምዘየሎ ከኣ ስለዘዕለሉኒ፡ ሰላምታኦም የሕልፈልኩም ኣሎኹ። ድሕሪ 10 ከኣ ናብ ኤርትራ ክገይሽ ኢይ፡ እዚ ሎሚ ዝተዓዘብኩዎ ሓጎስን ሰላምንታ ከእ ሒዘሎም ክኸይድ ኢዩ። በዚ ከኣ፡ እቲ ሓቀኛ ስርሔይ ‘መቀባበሉ መልእኽቲ ሰላም’’ ምኻነይ ፍለጡኒ ክብሉ ንኹሉ ኣስሓቑዎ። ቀጺሎም’ውን መጀመሩያ ቅ. ቊርባን ዝቕበሉ ሕጻናት’ውን ሓጎሶምን ጽቡቕ ትምንቲቶም ድሕሪ ገሊጾም፡ ናብ መቐመጢኦም ወሪዶም፡ ንነፍስወከፎም፡ ስእሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዓደልዎም። በዚ ሕጽናት ብዙሕ ተሓጎሱ። ነዞም ሕጻናት እዚኦም፡ ኣብ ዝጠዓመ መዓልቲ፡ ናብቲ ብኣታኽልትን ዕንባባን ዝወቀበ መንበሪ ገዝኦም ከዛውርዎም’ውም፡ ንኣባ ክፍለኢየሱስ ኣብ በይኖም ተላበውዎም።

ድሕሪ ስብከት፡ እቶም ምስኦም ዝመጹ 3 ደቂ ዓዶም ክሮኣሺያ፡ ክብልዎ ዝደልዩ ንሕዝቢ ክብሉ ዕድል ተዋህቦም። ሰለስቲኦም ከኣ፡ ‘ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ኤውሮጳ ብሓንቲ ሸምጊላ፡ ወዛን መልክዓን ዘህሰሰት ሰበይቲ’ ኢዩ ዝምሰል። ኣባኻትኩም፡ ኣፍሪቃ ግን፡ ካቶሊካዊ እምነት፡
ድሕሪ ስብከት፡ እቶም ምስኦም ዝመጹ 3 ደቂ ዓዶም ክሮኣሺያ፡ ክብልዎ ዝደልዩ ንሕዝቢ ክብሉ ዕድል ተዋህቦም። ሰለስቲኦም ከኣ፡ ‘ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ኤውሮጳ ብሓንቲ ሸምጊላ፡ ወዛን መልክዓን ዘህሰሰት ሰበይቲ’ ኢዩ ዝምሰል። ኣባኻትኩም፡ ኣፍሪቃ ግን፡ ካቶሊካዊ እምነት፡

ድሕሪ ስብከት፡ እቶም ምስኦም ዝመጹ 3 ደቂ ዓዶም ክሮኣሺያ፡ ክብልዎ ዝደልዩ ንሕዝቢ ክብሉ ዕድል ተዋህቦም። ሰለስቲኦም ከኣ፡ ‘ካቶሊካዊ እምነት ኣብ ኤውሮጳ ብሓንቲ ሸምጊላ፡ ወዛን መልክዓን ዘህሰሰት ሰበይቲ’ ኢዩ ዝምሰል። ኣባኻትኩም፡ ኣፍሪቃ ግን፡ ካቶሊካዊ እምነት፡ ከምቲ ኢሳያስ ነቢይ፡ ነመርዓዊኣ ክትቅበል ተሸሊማ ዘላ መርዓት ዝብላ ኢያ ዘላ። ዕድለኛታት ኢኹም ከኣ በሉና። ብፍላይ ሓደ፡ እናተደፋነቑ፡ ኣቡነይ እንተ ደኣ ኣፍቂዶምለይ፡ ንኸማኹም ዝበለ ሕይወት ክርስትና ዘሎዎ ሕዝቢ ከገልግል፡ ምርጭኦም ምኻኑ ገለጹ። በዚ ዝተሰምዓና ሓጎስ፡ ንውሓት ቅዳሴ ሃገርኩም ፈጺሙ ኣይተፈለጠናን’ውን በሉ። ቀጺሎም ከኣ ብዝሕኹም፡ ስምረት ዜማኹምን ስምዒት ኣዘማምራ መንእሰያትኩምን፡ ኣብ ልብና ሓደ ክንገልጾ ዘይንኽእል ሓጎስ ኣሰራሲሩልና፡ ክብሉ ሓጎሶምን ምስጋናኦምን ገለጹ። ምእመናን ኣባ ቺሪል፡ ወዲ ማሕበር ቅዱስ ፍራንቸስኮን ምስ ጸሊም ክዳኖን ብምንባሮም፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ነቲ ንሶም ተቐኒቶምዎ ዝነበሩ፡ ገመድ ስዒሞም፡ ጽባቔ ዓለምለኻውነት ፍራንቸስካዊ ማሕበር ንሕዝቢ ገሊጾም፡ ንዓኦም’ውን ምስ ተርጎምሎም፡ ኣብ መንበረ ታቦት ክልቲኦም፡ ብሓጎስ ተሓናኒቖም ተሰዓዓሙ። በዚ ከኣ ኲሉ ምእመን ተደፋነቐ ፍራንቸስካዊ ሓጎስ ኣስተማቐረን።

8 ዓደልቲ ቅዱስ ቊርባን ዝተሳተፍዎ ብዝሒ ቆራብያን ን25 ደቒቕ ኣቢሉ ወሲዱ፡ ቅዳሴ ምስ ተወድኤ፡ ሰራዒ ካህን፡ ኩሉ ሕዝቢ በብዝተሓበሮ፡ ንግዳም፡ ማየ ጥምቀት ተሰናድይሉ ናብ ዝነበረ ክወጽእ ኣመልከቱ። ኩሉ ምእመን፡ ብዜማን መዝሙርን እናተሰነየ ከኣ ንግዳም ወጸ። ስርዓተ ቅዳሴ ምብራኽ ማይ ተፈጺሙ ከኣ፡ ኲሎም ካህናት፡ ጻዓዱ ከይተረፉ፡ ንሕዝቢ ከጥምቑ ጥማር ቆጽሊ ተዓደሎም። ጽዓዱ ዘይፈልጥዎን፡ ንሰብ ከይጠልቅዩ ካብ ዝብል ስክፍታ፡ ዝበዝሔ ማይ ናብ ልዕሌኦም እናተኻሕወ ንርእሶም ጀብጀቡ። ድሕሪኡ ናብቲ ንሕጻናትን፡ ያሬዳውያንን ካህናትን፡ ብወለዲ ሕጻናት ዝተሰናደወ ጽላል ኣምራሕና’ሞ፡ መደብ ቡን ቁርሲ ተኸተለ። ኣብ መጨረሽታ ጸዓዱ ኣጋይሽ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ቁምስና፡ ኣብ ጂረፍ፡ ኣብ መደብ ምስራሕ ጽላል መምሃሪ ትምህርቲ ክርስቶስ (ደለሳ)፡ ዝሕተት ዝነበረ፡ ሓገዝ ዝኸውን፡ ፈጺምና ዘይተጸበናዮ ሓገዝ ክገብሩልና ቃል ኣስምዑ። ወፈያኦም ከኣ ንጽባሕ ዓርቢ፡ ንካልኣይ ምሳና ቅዳሴ ክቕድሱ’ሞ፡ ሽዑ ክህቡና ምኻኖም ኣረጋገጹልና። ባ ክፍለኢየሱስ፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ነቲ ናይ ዕለቱ መደብ ዘጸበቑ ምእመናን ኣመስገኑ። ድሕሪኡ ከኣ ፍሉይ ምስጋናኦም ንሞንስኞር ኣንተ ኣቕረቡ፡፡ በዚ ከኣ ፍጻሜ ዕለቱ ኮነ።

ይሰባህ እግዚኣብሔር በክሂሎቱ።

20 January 2020, 13:45