ኣብ ቱርኪ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ኣብ ቱርኪ ዝተኸስተ ርእደ መሬት 

ኣብ ቱርኪ ዝተኸስተ ርእደ መሬት

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብቲ ብርእደ መሬት ዝተጐድአ ከባቢ ቀረባ ብምዃን ንሕዝቢ ሰብኣዊ ድጋፍ ተቕርብ ኣላ

ዕለት 24 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ኣብ ቱርኪ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ ኣዚዩ ከቢድ ከምዝዀነ ክንገር እንከሎ ነቲ ዝተጐድእ ሕዝቢ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ትካላት ድጋፍ ይቐርብ እውን ምህላዉ ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብርን ኣብ ቱርኪ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቢዘቲ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ምብራቓዊ ቱርኪ ዞባ ኤላዚግ ዝተኸስተ ርእደ መሬት 6.8 ርእደት ዘዓቀነ ከምዝነበረን 41 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን 48 ከቢድ ማህሰይቲ ዝወረዶም ብጠቕላላ ልዕሊ 1607 ዜጋታት ከምዝሃሰየን ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡን፡ እቲ ርእደ መሬት ካብቲ ማእከል ዝገበሮ ዞባ ወጻኢ እውን ኣብ ከተማ ዲያርባኪርን ኣዲያማንንባትማንን ካህራማማራስን ሳንሊኡርፋን ከምእተሰምዔን እውን ይንገር።

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብቲ ብርእደ መሬት ዝተጐድአ ከባቢ ቀረባ ብምዃን ንሕዝቢ ሰብኣዊ ድጋፍ ተቕርብ ኣላ እንክብሉ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ቢዘቲ፡ ካብ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ካሪታስ አሰረታዊ ድጋፍ ከምእተላእከን ካልኦት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ምዕራብ ይዅን ናይ ምስራቕ ብምትሕብባር ንዝተጐድአ ህዝቢ መንፈሳዊ ቅርበተን ይገልጻን ኣድላይ ድጋፍ እውን የቕርባ ኣለዋ ቢሎም፡ ኣተሓሒዞም እውን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሶሪያውያን ከይርስዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘካየድዎ ቃል መሕትት ዛዚሞም።  

ኣብ ቱርኪ ዝተኸስተ ርእደ መሬት
28 January 2020, 17:18