ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ንሰላምን ዕርቅን ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ንሰላምን ዕርቅን 

ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ንሰላምን ዕርቅን

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኵሉ ብሓባር ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ጐናይነትን ዓሌታውነትን ኣድልዎን ዘይምክብባርን ዘይምቅብባልን ብዝዋጋእ ጭቡጥ ተግባር ንናይ ሓባር ረብሓ ተጊሁ ክዓዪ

ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕብራውን መዳያት ብጥልቂ ዳህሲሱ፡ ዝተፈላለዩ ተጻባእቲ ዕጡቓት ሓይሊ እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሰላምን ዕርቅን ናይ ስምምዕ ውሳኔ ከኽብሩን፡ ማሕበረ ክርስቲያን ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ውሕስነት፡ ዓሌታውነትን ምግባረ ብልሽውናን ኣብ ምውጋእ ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 6 ጥሪ ክሳብ ዕለት 12 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ኣብታ ሃገር ዝኽሪ በመል 125 ዓመት ስብከተ ወንጌል መቓን ገይሩ ዓመታዊ ምሉእ ሓፍሻዊ ዓውደ ኣኼባኡ ዘካየደ ናይ ረፓሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብይብጻሕ ናብ ሰብ ሙያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ማሕበረ ክርስቲያንን መንእሰያትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ተጻባእቲ ዕጡቓት ሓይልታትን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዚዩ ዘሰክፍ ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላውን ካልኦት ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ መንጐ እምነትን ዕለታዊ ተግባርን ዘሎ ጋግ ምንባር እምነት፡ ምስፋሕ መስዳዕያን ጉጅለ ሃይማኖታትን ምስጢራውያን ማሕበራትን ዝኣመሰሉ ጸገማት ዘርዚሮም፡ መንግስቲ ናይ ሃገር ላዕለዎት ኣባይቲ ፍርድን ናይ ፍትሕን ሓቅን ዕርቅን ድርገትን ብግቡእ ኣገልግሎቶም ከሳልጡ ኣብ ምግባር ክድግፍን ናይ ትምህርትን ናይ ሕክምናን ብጠቕላላ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማት ዘቕርብኦ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ንምቕራብ ክኽእላ መታን ዝከኣሎ ኵሉ ክገብርን ጻውዒት የቕርቡ።

ጸረ ዘይምርግጋእን ኣልቦ ውሕስነትን ፍርሕን ምቛም

ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘሎ ቅልውላውን ዓመጽን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝሃቡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ሕጂ እውን ኣብ ዘይምርግጋእን ውሕስነት ጸጥታን ደሕነትን ስንኩፍ ኣብ ዝዀነሉ ኩነት ንርከብ ኣሎና፡ ምርጋፍ ኣጽዋር ዘየተባብዕ ምንቅስቓሳትን ዝውውር ነኣሽቱን ዓበይትን ኣጽዋር ውግእ ይረአይ ከምዘሎን ገሊጾም፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኵሉ ብሓባር ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ጐናይነትን ዓሌታውነትን ኣድልዎን ዘይምክብባርን ዘይምቅብባልን ብዝዋጋእ ጭቡጥ ተግባር ንናይ ሓባር ረብሓ ተጊሁ ክዓዪ ንላበው። ናይ ፖለቲካ ኣካላት ካብ ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ካብ መላኽነትን ክላቐቑን መንእሰያት ሃገር ንናይ ሃገር ታሪኽ መሰረታዊ ግደ ዘልዎም ምዃኖም ጥልቂ ምስትውዓል ገይሮም በቲ ዘሎ ዘይምርግጋእን ብግብረ ሳጥናኤላውያንን ዓመጽን ጽልእን በዋፈርቲ ዓመጽን ዕንወትን ተስፋ ከይቆረጹ ብጥልቂ ተግባራቱ ዘስተዕል ሕልና ንኽህልዎም ይምዕዱ።

ምርጋፍ ተጻብኦነት

ብፁዓን ጳጳሳት ንናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘለዎም ሓላፍነት ንናይ ሃገሮም ዝተውሃቦም ተልእዀ ከምዝዀነ ተኣሚኖም ኣብ ምኽባር ቅዋም ሃገርን ናጻ ምርጫን ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይሊ ዓውዲ ዘተ ከተባብዑን ሰላማውን ብዅሉ ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ሰላማዊ መፍትሒ ንኸናድዩን ስደተይናታትን ተመዛበልንት ናብ ንቡር መነባብሮኦም ክምለሱን ብፍቕሪ ሃገር ንዝምራሕ ኣነብብራን ኣተዓይያን ኣብነት ኰይኖም ክርከቡ ይምሕጸኑ።

ኵሎም ዕጡቓት ሓይሊ ናይ ስላምን ዕርቅን ፖለቲካዊ ስምምዕ ከኽብሩን ምርጋፍ ተጻብኦነትን ኣብ ልዕሊ ናይ ሃገር ጸጋታት ዝፍጸም ምዝመዛን ዓመጽን ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብዘይ ወጋንነትን ኣልቦ ዘውግን ብዝዀነ ኣገባብ ኣብታ ሃገር ንኽካየድ ዝተሓቀነ ሕዝባዊ ምርጫ ስሩዕን ፍትሓውን ቅኑዕን ግልጽን ንኽኸውን ሰላማዊ ኪደት ክህልዎን ዘኽእል ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክተግሁን ጻውዒት ነቕርብ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ንሰላምን ዕርቅን
16 January 2020, 17:35