2019.11.29 መጀመርያ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት  - ዘስብከት 2019.11.29 መጀመርያ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት - ዘስብከት 

ሰንበት ዘስብከት (12 ታሕሣሥ 2012 ዓ.ም. (12/23/2019)

መዝሙር፡ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሸያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ ምድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ዕብ፡1፡1-ፍ፤ 2ጴጥ. 3፡1-10፤ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፤ ዮሓ 1፡44-ፍ ።  ስብከት፡ “ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ።”

ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 26 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓደ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንምድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።

ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወልድና ደቂ ሰብ ዘንጋዕቲ ጠለምቲ ናይ ምዃን ባሕርይ ስለ ዘጥረና ዘዘኻኽረና ንደሊ አብቲ ምንጪ ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ ክንምለስ። ነብያት ንቅድሚ ክርስቶስ ዝነመበሩ ሰቢኾሞም ተመለሱ ተንስሑ አብ አምላኽ ጥራሕ እንተ ተጸጋዕኩም ኢኹም ሰላም ዓወት ምዕባሌ ልዕሊ ኹሉ ፍቕርን ተስፋን እትረኽቡ እናበሉ ሰቢኾም ብፍላይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ አብ ዋዜማ ልደት መድኃኒ ተነስሑ ጎቦ ዘበለ ሰጥ ይበለ ጉድጓድ ዘበለ ይምላእ ጥውይዋይ ዘበል ትኽ ይበል እናበለ ንልደት መድኃኒ ዘብዕል ክገብሮ ዘለዎ አብሪሁ ነጊሩና። ስብከት ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ዘቕርብ ስለ ዝኾነ አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ቀጺሉ። ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ሥጋና ምስ ለበሰ ኩሉ ሕይወቱ አብ ስብከት አሕሊፍዎ ነቲ ንሱ ዝሰበኾ ተኸተልቱ ክቕጽልዎ ተላቢይዎም። ናብ ኩሉ ክድኩም ስበኹ ኢልዎም።

ክርስቶስ ሥጋና ካብ ማርያም ለቢሱ ድሕነት ምስ አምጽአልና እውን እቲ ናይ ምዝንጋዕ ባህሪና ስለ ዘይሓደገና ዘዘኻኽረና የድልየና። ነዚ ሓልፍነት ንቤተክርስትያኑ ሂቡልና። አብ ክርስቶስ ክንምለስ ተዘኻኽረና ከምኡ ነቲ ዘድሊ መገዲ ትሕብረና። እዋኑ እምብአር ንክርስቶስ ክንቅበል አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ክንቅበሎ እንስበኸሉ እዋን እዩ። ኩልና ብጥምቀት አብ ክርስቶስ ዝአመና ክንሰብኽ ትሑዛት ኢና።

ናይ ክርስቶስ ምጽአት ክልተ ምጽአት ዝሓዘ እዩ። ቀዳማይ ምጽአት ብነብያት ዝተሰብከ ናይ ምድኃኒና ልደት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋና ለቢሱ አብ መንጎና ምስ ሓደረ ተፈጺሙ። ካልአይ ምጽአቱ ጌና እንጽበዮ ዘሎና አብ መወዳእታ ዓለም ዝኸውን ምጽአት እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽአት ኢና ብዝያዳ እንዝክር ዘሎና ምስ ልደት ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ ብዙሕ አይነድህበሉን ኢና መዛሙርና እንተ ረአናዮም ንዳግማይ ምጽአት እዮም ዘሰናድዉና። ንሎሚ አብቲ ንዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ዘሰናድወና ኢና ክነስተንትን። ቅድሚ ናብ ዳግማይ ምጽአት ምሕላፍና ልደት ክርስቶስ ነቲ ካልአይ ምጽአት ከብርሃልና ምእንቲ ምስኡ አተሓሒዝና ክንርእዮ።

አብ ዘመነ ምጽአት አብ ልደት ክርስቶስ መድኃኒና አብ እንዝክረሉ ዕለት ገጽና ንኸይድ ስሎ ዘሎና ንአምላኽ አብ ምቕባል ክንሰናዶ አብ መንጎና ቦታ ክንህቦ ከም ሰብ አብ መንጎና ንዝሓደረ ክንቅበሎ ናይ ሓቂ ምስንዳው የድልየና። ዓቢ ጋሻ ይመጽአና አሎ ኩልና ክንቅበሎ አሞ ጋሻና ክንገብሮ ዕዱማት ኢና። ንዝመጽእ ጋሻና ካብ ምቅባል ዘንጊዕና እንተሎና ጸልማት ተኸዲና አሎና ማለት እዩ ስለዚ ኩነትና ክቕየር ንጸሊ። ነዚ ክቡር ምጽአት ምድሓኒና ብግቡእ ምእንቲ ክንቅረብ ክሕግዘና ክንሓቶ ዝግብአና ነገራት አሎ ስለምንታይ እዚ ኮይኑ? ከመይሉኸ ሕጂ ሎሚ ንሕይወተይ ክትንክፎ ይኽእል። ልደት አብ ግላዊ ሕይወተይ እንታይ ለውጢ የምጽአለይ? እዝን ካልእ ሕቶታትን ንልደት ብፍሉይ ክነብዕል ዝሕግዘና እዩ።

አብዚ ውሽጢ ሰለስተ ሰናብቲ እምብአር ነቲ ሥጋና ዝለበሰ አምላኽ አብ መንጎና ክነሕድሮ ክንቅበሎ ልብና ክንከፍተሉ ክንሰናዶ ግቡእ እዩ። ኢሳያስን ካልኦት ነብያትን ንምጽአቱ ክንሰናዶ ዝአክል የምህሩና በዚ እዩ ብዙሕ ካብ ነብያት አብ ሉጥርግያ ጸሎታትናን ከምኡ አብ ኩሉ ጸሎታትና ተጠቒሱ እንረኽቦ።

ንብዓል ልደት ክንዝክር ከሎና ንስለ ዝኽሪ ቅድሚ 2000 ዓመት ንዝኾነ ልደት መድኃኒና ጥራሕ አይኮናና እንዝክሮ። ምኽንያት ዝኽሪ ብዓልና ብምልኡ አብቲ ቀንዲ ምኽንያት ልደት ክርስቶስ ማለት ስለምንታይን ምእንቲ ምንታይ ሥጋና ከም ዝለበስ ክንሓስብ ምእንቲ እዩ። ስለዚ ገለ ሕቶታት ክነልዕል ንኽእል አብ ሕይወትና አበይ ገጽና ንጉዓዝ አሎን? መጨረሽታና እንታይ እዩ? እዚ ክንሓትት ከሎና ንድሕሪት ክንጥምት ዘይኮነ ንቕድሚት ክንጥምት ይነግረና። እቲ ሕቶ ከመይ ኢልካ ከምእትሰናዶ እዩ።

ካልእ ክንሰናደወሉ ዝግብአና ምጽአት አሎ። ወንጌል ማቴዎስ 24፡37~44 እንተ ረኤና ንኻልእ ምጽአት ክንሰናዶ ይነግረና። ብዙሕ መጠንቀቕታ እናሃበ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአትን ክንሰናደወሉ ዘሎና ነገራት ይነግረና። ዳግማይ ምጽአት ኢየሱስ ንሱ ንጉሥን ጎይታን ኮይኑ ብግርማ ነቶም ብእምነት ንመጸዋዕታ ናብ መንግሱቱ ዝሰምዑ ክጽውዕ ክመጽእ እዩ ይብለና። ዘመነ ምጽአት እምብአር ነዚ ዳግማይ ምጽአት ጎይታና ክንሰናደወሉ አብ ዝኾነ እዋን ኢየሱስ እንተመጽአ ክንቅበሎ የዘኻኽረና።

አብ ትንቢት ኢሳያስ 2፡1-5 ዘሎ እንተ አንበብና አብሪሁ ይነግረና። እምባ ጽዮን ከተማ ኢየሩሳሌም ተደኲናቶ ዘላ፥ ከም ቅዱስ እምባ ተራእየ፥ ማእከልን ናይ ምድርን ኩሉ ዓለም አብኡ ዘተኩሩሉ ኮይኑ ተራየ። እናበለ አብ መጨረሽታ ኩሉ አብ አምላኽ ከም ዝውዳእ ኩሉ ዓለም ተወዲኡ አምላኽ ማእከል ናይ ኩሉ ምዃኑ ይገልጽ። አብዚ እቲ ቀንዲ ሓሳብ ኢስራኤል ብርሃን ነገስታት እያ። እስራኤላውያን ንኻልኦት ክሰብኩ ወይ ክነግሩ አይኮነን ዝድለ ዘሎ እንታይድአ ብአምልኾኦም አብ ጽዮን ንኻልኦት ክማርኹ ክስሕቡ። ከምዚ ርድኢት ዝሓዙ ኩሉ ዓለም አብ ኢየሩሳሌም ክመጽኡ ክእከቡ እሞ አብኡ ዝለዓለ አምልኾ አምላኽ ክርእዩ። ኩሎም አህዛብ ንእምባ ጽዮን ገጾም ክውሕዙ እዮም ማእለያ ዘይብሎም ናብአ ክውሕዙ እዮም ከምዚ ኸአ ክብሃሃሉ እዮም “ ንዑናይ ናብ እምባ እግዚአብሔር ናብ ቤት አምላኽ እስራኤል ንደይብ። ንሱ ፍቓዱ ኽምህረና እዩ፥ ንሕና ኸአ ኸም ፍቓዱ ኽንገብር ኢና” ክብሉ እዮም። በዚ ርድኢት አግዚአብሔር አብ ዝርያኡ ዝእከቡ ንሱ ኸአ ከም ፈራዳይ ኮይኑ ይግለጽ። መሳርያታ ውግእ ኩሉ ክዓኑ እሞ አብ ናይ ሰላም መጋበሪ  አብ ናይ ሕርሻ ናውቲ ክውዕልዎ እዮም። ሽዑ መወዳእታ ናይ ውግእን ምቅርራብ ንውግእን አብ መንጎ መንግስታት ክኸውን እዩ።

ነዚ ናይ ኢሳያስ ትንቢት ከም ክርስትያን ክንነንብቦ ከሎና ዓሚቕ ርድኢት ይህበና። እቲ ሓዲስ ቤተ መቕደስ አምላኽ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ኢየሱስ ሰውነት ማለት ካልአይ አካል ስላሴ ሥጋ ዝለበሰሉ እሞ አብ መንጎና ዝሓደረሉ የመልክት። አብ ቤተልሔም አብ ዓባይ ከተማ ዘይኮነት ክርስቶስ አብአ ተወሊዱ። እቲ ሕፃን አብ በዓቲ ተወሊዱ ኩሎም ዝበጽሕዎ አብ ሕቕፊ አዲኡ እንከሎ ረኸብዎ። እቶም ጓሶት ናብዚ ቤተመቕደስ በዓቲ እዮም ክበጽሕዎን ክሰግዱሉን ዝተዓደሙ። ካብዚ ቤተምቕደስ በዓቲ ኢና ብመገዲ አምላኽ ክንጉዓዝን ክንከይድን እንመሃሮ። ንሱ ኸአ ንጉሥ ሰላም እዩ።

ወንጌል ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአቱ ብዙሕ መጠንቀቕታት ካብቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ይነግረና። ናይ ኖኅን ማይ አይኅን ይጠቅስ። ሰባት ይበልዑ ይሰተዩ ይምርዓዉን የመርዕዉን ነሮም ብዘይተሓስበ ብሃንደበት ኩሎም ካብ ገጽ ምድሪ ጠፊኦም። ኖኅን ስድርኡን እንስሳታትን ምስኦም ዝወሰድዎም ጥራሕ ተሪፎም። ምጽአት ወድሰብ ከምኡ ክኸውን እዩ ይብል ኢየሱስ።

መጨረሽታ ዓለም ክንብል ከሎና መጨረሽታ ፍርዲ አይኮናን እንብል ዘሎና። መጨረሽታ ፍርዲ መዓልቲ ኩሎም ዝእከቡላ አይኮነትን እንታይ ድአ ነፍሲ ወከፍና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ እንቖመላ እያ። ብዛዕባ ክልተ ሰባት አብ ግራት ዘለዉ ንሓደ ወሲዶም ንቲ ሓደ ክወስዱ እዮም ክልተ አንስቲ አብ ሓደ መጥሓን ክጥሕና ከለዋ ነታ ሓንቲ ወሲዶም ነታ ሓንቲ ክሓድጉ እዮም ከምኡ ዘአመሰለ አብ ሕይወትና ዝረአናዮ ይህሉ ይኸውን አብ ከተማ ኒዮርክ አብ 9/11 ዝተራእየ ብዙሓት አብተን ክልተ ህንጻታት ተዓጽዮም መይቶም፥ ብዙሓት ካልኦት ከአ ክሃድሙ ክኢሎም ነዚ ዝተዓዘቡ ብዙሓት ብዙሕ ክሓስቡ ክኢሎም እዚ ስለምንታይ ንአኦም ገጢምዎም ስለምንታይ ንአይ ዘይገጠመኒ እናበሉ አብ ዓሚቝ አስተንትኖ ክአትዉ ሓጊዝዎም።

ኩሉ ጊዜ ተሰናዲኹም ጽንሑ ይብለና ኢየሱስ። ምኽንያቱ ጎይታኹም ዝመጸላ ዕለት አይትፈልጡን ኢኹም። እዚ ንኹሎም አብ 9/11 ዝነበሩ ከምኡ ንኹሎም ዘይተሓስበ ሓደጋ ዘጋጠሞም ናይ ልቢ ሕማም ከምኡ ካልእ ሃንደባታዊ ሕማማት ዘጥቅዖም ክዕዘብዎ ይክአል። ካብዚ መጠንቀቕታ እዚ ከምልጥ ዝኽእል የለን።

ቅዱኣ ጳውሎስ አብ ሮሜ 13፡11-14 ተመሳሳላይ መጠንቀቕታ ይህበና። ነቶም ክርስትያን ካብቲ ንስኹም ንላዕሊ እትግምትዎ መዓልቲ ድሕነት ቀሪባ አላ እሞ ንቕሑ ይብል። “ለይቲ ኃሊፋ መዓልቲ ቐሪባ እያ። ስለዚ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና አፅዋር ብርሃን ንልበስ”። እዚ መጠንቀቕታ ንኹልና ዝርኢ እዩ። ነፍስወከፍና አብ ውሽጥና ይንአስ ይዕበ እንሓብኦ ድኽመት/ሓጢአት እንተ አብ ዝሓለፈ ወይ አብዚ ዘሎናዮ እዋን አሎና። እምብአር ሎሚ እዋኑ እዩ አብ ብርሃን ወጺእና ብሓጢአትና ተአሚና ንአምላኽ ሓንቲ ከይሓባእና ክንቀርቦ። ንሱ እውን ሕጂ እዋኑ እዩ ንኹሉ ሞራላዊ ውድቀት ዝገጠመና ሓዲግና አብኡ ክንቀርብ ይነግረና። (ጓይላ ስኽራን ምንዝርና ዕብዳን ባእሲ ቅንኢ) ክንሓድግ ይደልየና።

ከምዚ ካብ ኮነ ነቲ ቀዳማይ ምምጻእ ክነኽብር ነቲ ካልአይ ምምጻእ ክንሰናዶ እንተኾና ዕለታዊ ሕይወትና ከም ንምጽአት ጎይታ ገርና ክነብሮ ይግብአና። ንመጻኢ ዝመጸእ ነገራት አይኮናን እንሰናዶ ከምኡ ብፍርሒ ነገራት እንሓድግ ወይ ከአ ንፍርዲ እግዚአብሔር ፈሪሕና ዘይኮነስ ዕለት ዕለት ከም ምጽአት ጎይታ ገርና ርኢና ክንሰናዶ አሎና። እቲ ዝበለጸ ምስንዳው እምብአር ንመዓልታዊ ሕይወትና አብ ቅድሚ አምላኽ እንተ ነበርናዮ እዩ፥ ንአምላኽ አብ ኩሉ ሕይወትና ህልዊ እንተገበርናዮ እሞ ኩሉ ብመገዱ እንተኸደ። ገለ ጸሓፍቲ ነዚ እንታይ ይብልዎ ምልክት አምላኽ ማለት ነፊሲ ወከፍ ናይ ሕይወትና ነገር፥ ዝኾነ ተግባርና፥ ዝኾነ ሰብ፥ ተግባር ዝኾነ ቃል እኮታስ ኩሉ ነገርና ምልክት ህላዌ አምላኽ አብ መንጎና ክኸውን አለዎ። ሕይወትና ብምልኡ አብትሕቲኡ እንተ አንበርናዮ አብኩሉ ተግባራትና ኢድ እግኢአብሔር አንተ አልኦ ወላ አብታ መጨረሽታ መጸዋዕታና አይክንፈርሕን ኢና። ዘንጊዕና አይክንጸንሕን ኢና። አብ ዝገጠሙ ዓበይቲ ሃንደበታዊ ጸገማት ክንርኢ ከሎና ምናልባት ናይ እቲ ጸገም ግዳያት መዓልቶም ምስ አምላኽ ከለዉ ገጢምዎም ክኸውን ይክአል እዩ አብ ምሉእ ውህደት ምስ አምላኽ ከለዉ አጋጢምዎም ክኸውን ይክአል እዩ፥ ሓንቲ አይንፈልጥን ኢና። ስለዚ ተሰናዲና ክንጽንሕ እዩ እቲ መጸዋዕታ።

ብዝኾነ ብዙሕ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና አሎ እዚ ግን ፍርሒ ክሓድርና ምእንቲ አይኮነን። ክንብርትዕ ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ክንጸንሕ ከበራትዓና ምእንቲ እዩ። አብ መግዲ እቲ እነፍቅሮ አምላኽ ክነብር ምእንቲ እዩ።

ሎሚ እምብአር አብ ልብና እንምለሰሉ ንአምላኽ አብ መንጎና ክሓድር እንዕጠቐሉ ንኹሉ ሰናይ ክንገብር ቁርጺ ፍቓድና እንሓድሰሉ እዋን ምሕረት እዋን ጸሎት እዋን ንስሓን ተጋድሎን እዩ። ኢየሱስ ጎይታና ብናይ ዓለም ነገራት ወይ ባዕልና ብዝፈጠርናዮ ሕማም እና ተሳቐና ክንቅበሎ እይደልን እዩ። ንሱ መብራህቲ ወሊዕና እጸበየካ እሎኹ ንዓ ምጻእ እናበልና ከሎና እዩ ክመጽእ ዝደሊ። “ድልዋኒክሙ ንበሩ” ኩሉ ጊዜ ተሰናዲኩም ጽንሑ እዩ እቲ ዝተዋህበና ለበዋ፥ እሞ ኸድአ ከመሎና ሎሚ መጺኡ ተበገስ እንተ ዝብለና ስንድዋት ዘሎና እስከ አብ ውሽጥና አቲና ኩነታትና ንገምግም። ንውሃቢ ብርሃን ክርስቶስ ኢድካ ስደደልና እሞ ክነጽሕ ኢና እናበልና ንኹሉ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክንገብሮ ጸግኡ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 December 2019, 17:56