ሰንበት ዘብርሃን ታሕሣሥ 19 2012 ዓ፣ም፣ (12/29/2019)።
ንባባት፡ ሮሜ 13፡11-ፍ፥ 1ዮሓ 1፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 26፡12-23፥ ዮሓ 1፡1-19። ስብከት፡ ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ እማንቱ ይምረሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ። “ኦ ጎይታ ናብ ደብረ ምቕደስካን አባይትኻን ክመርሓኒ ብርሃንካን ጽድቅኻን ልአኸለይ”።
ካልእይ ሰንበት ዘምጽአት ዘብርሃን ይብሃል። ክርስቶስ ብርሃን ዓለም እዩ። አብ ዮሓ 8፡12 “አነ ብርሃን ዓለም እየ” ይብለና። ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ከአ ናይ ክርስቶስ እንታይነትን አብ ሕይወትና ዘምጽኦ በረኸትን ይግልጸልና።
ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ አባና ዘሎ ግብረ ጽለመት ኩሉ ደርቢና ዋልታ ጽድቂ ንትአንገብ (ንልበስ)፥ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም መጺኡ እዩ’ሞ ንዑ ብብርሃኑ ንመላለስ” ይብል። ምስ ክርስቶስ ምዃን ናብኡ ምቕራብ አብ ብርሃን ምንባር ምዃኑ ይገልጽ።
አብ ሕይወትና ብርሃን እንታይ ከም ዝጠቅም ምሕባር ዘድልዮ አይመስለን ንብርሃን ብዝያዳ ዘስተማቕሩ ዳርጋ ክርእይዎ ዝተዓደሉ ዘይኮኑስ ዘይተዓደሉ እዮም እንተበልና ምግናን አይኮነነ። ዕዉራት ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም ክርእዩ ይሓትዎ ከም ዝነበሩ ወንጌል ይነግረና። (ዮሓ 9 )። ብርሃን ዓይኒ ዘይተዓደለ ክንደይ ከም ዝጽገም ንርኢ እቲ ዝዓበየ ዑረት ግን ዑረት ልቢ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ጊዜ አብ ብርሃን ክንአቱ ንልብና አዕዊርዎ ዘሎ ክንቅንጥጥ እሞ አብ ሓቀኛ ብርሃን ክንአቱ ዝሕግዘነ እዩ።
ሎሚ ተሳተፍቲ ብርሃን ክርስቶስ ክንከውን ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ ነዚ እና ኸአ ብዝያዳ ክንብገሰሉ ዝግብአና።
፩ - ክርስትያናዊ እምነትናን አብኡ ዘሎና ተሳትፎ ክነሓድስ። ምሕዳስ እምነት አድላዪ እዩ። እምነት ብወገን አማናይ ይአርግ፥ ክደክም፥ ክድስክል፥ ክዝሕል፥ ክጠፍእ እውን ይኽእል። ሕይወትናን ሕይወት ከማና ዝአመሰሉ እንተ ረአና ዝአረገ እምነት ሒዝና እንጉዓዝ ብዙሓት ኢና። እምብአር ሎሚ ክንሕድሶ እዋን እዩ። ብእምነት ንዘእርጉና ነገራት ክንረባረቦም። ሰይጣን፥ ዓለም፥ ሥጋ፥ ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና ካብ አምላኽና ዝምንዝዑና ዛሕሊ መንፈስን እምነትን ዘእትዉልና እዮም እሞ ንበራበር ዓይንና ከምዝርኢ ንግበሮ። ሰባት እውን መልእኽቲ ሰይጣን ሒዞም ክመጽኡን ከጋግዩናን ዘይናትና ክገብሩን ይኽእሉ እዮም ስለዚ ንኹሉ ርኢና ክንክእል ይግባእ። ክርስቶስ ባዕሉ አብዚሎ አብቲሎ እንተ በልኹም አይትእመኑ ጽንዑ እናበለ ንዝጓነፈና ፈተና ብቐሊል ከይንቕበሎ ነጊሩና እዩ።
፪ - ሓደ ካብቲ ደቂ ብርሃን ዝገብረና ዘራእቲ ፍቕሪ ክንከውን ከሎና እዩ። አብዚ እዋን መለለይና እንታይ እዩ፥ ብምንታይ ንፍለጥ ብዝያዳ አብ ስድራና አብ ጎረባብትና፥ አብ መሳርሕትና፥ አብ ቁምስና አብ ደቂ ዓድና . . . . ። ሰብ ሎሚ አቦ ጸልማት ዝኾነ ሰይጣን ዝተዓወተሉ እዩ ዝመስል። ንጽልኢ ንቅርሕንቲ ንምፍልላይ ንምሕማይ ንኻልእ ምጉዳእ ናተይ ኢሉ ዝተተሓሓዞ እዩ ዝመስል ነዚ መንሽሮ እዚ ሕክምና እንረኽበሉ ንርእሲ ብርሃን ክርስቶስ አብ ልብና ክአቱ ክነፍቅደሉ እንከሎና እዩ።
አብ መአዲ ፍቕሪ ክንሳተፍ መጀመርታ እንሓድግ ክንከውን አሎና። ንአምላኽ ፍቕሪ እዩ እንብሎ ሓዳግ ስለ ዝኾነ እዩ ጽልኢ አብኡ የለን። አምላኽ ክጸልእ አይክእልን እዩ። አርድእተይ እንተ ኾንኩም ተፋቐሩ ይብለና። ፍቕሪ አበይ ንርኽባ አበይ እዩ ዓዳ፥ ክንረኽባ እንታይ ንግበር ኢልና ምስ ሕልናና አምላኽን ንሕተት። አምላኽ ደቂ ብርሃን ስለ ዝኾንኩም አብ ብርሃን ተመላለሱ ሽዑ ብርሃንኩም ክበርህን እቲ እትምነይዎ ፍቕርን ክትዓትሩ ኢኹም ይብለና። ሎሚ አጸጊሙ ዘሎ ኩልና ተዓጊበ እምበር ዓጊበ ዝብል የለን ግን ሓቂ እንተ አሎና መጀመርያ ንርእስና ንሕልናና ንርአ ሽዑ ናይ ከማና ዝበለ ሰብ ክንርኢ ንኽእል። ጸገምና ንሓቂ ንፈርሕን ዘይትርጉማ እናሃብና አነ ዝብል ናይ ሰይጣን መንፈስ አሸኒፍና አሎ። ክንስዕሮ ክንቅይር መስትያት ሕልናና ክንርኢ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንወጽእ ይግብአና። ንፍቕሪ ክንረኽባ ነዘን ዝስዕባ ሓሳባት ነተግብረን።
ሀ. ብበደልካ ምእማን የድሊ። ንርእስኻ ርኢኻ አብ ውሽጢ ሕልናኻ አቲኻ ንአእምሮኻ ተዛረቦ ተዋሳእ ፍረዶ ሽዑ ናብ ሓውኻን ሓፍትኻ ጠምት እሞ ብርሃን ፍቕሪ ክትርኢ ኢኻ። ተበዲለ ተዓጊበ ጥራሕ ትብል እንተ ኾንካ ብርሃን ከም ዘድልየካ ፍለጥ። ብጸሎት ዝተሰነየ አስተንትኖ ካብቲ ቀንዲ ሓጋዚ እዩ ነዚ ክንስዕሮ። አብ ርእስና ጥራሕ ተሓጺርና ንፍቕሪ ሓውናን ሓፍትናን ክንርኢ እንተ ዘይከአልና አብ ዑረት ኢና እንነብር ዘመነ ምጽአት ነዚ ክንወጽኦ ዝህግዝ ምቹእ እዋን እዩ።
ለ. ንሓወይ ሓፍተይ ብዓይኒ ክርስቶስ ርእየ ክኽእል አሎኒ። ንሕና አባልት ሰውነት ክርስቶስ ኢና ብአኡ ዝደሓና ህንጻ ቤቱ ንክርስቶስ ኢና። አብኡ ገጽና አብ ጉዕዞ አሎና ስለዚ ንጉዕዞና ንበይንና ከይንገብሮ ክንጥንቐቕ አሎና ገለ ምሳና አለዉ እናበልናዮም ዝተርፉ ከይህልዉና። ክርስትናና ንኹልና አብ መአዲ ሕውነት ክርከብ ከሎ እዩ መቐረት ዝህልዎ። ሰይጣን ንዝተዓወተሉ ሓውና/ሓፍትና አብ ብርሃን ክርስቶስ ክአቱ ንምርሓዮ። አብ ገለ እዋን ነዚ ክንገብር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ስለዚ አብ ጸጋ አምላኽ አሚና ንሓቂ ብግሁድ ክነተግብራ እምበር ክንፍቶ ወይ ላንጋ ላንጋ ዝኾነ መገዲ ክንሕዝ የብልናን። ንክፍአት ሓውና ብዓይኒ ፍቕሪ ርኢና ናብ ክርስቶስ ከም ዝቐርብ ንግበሮ። ደፋራት አብ ፍቕሪ ክንከውን ይግባእ።
፫ - ሕይወትና ብጸሎት ዝተመርሔ ክኸውን ይግባእ። ጸሎት ብኽልተ መልክዕ ክርኤ ይክአል፥ (1) ጸሎት ምድጋም እዚ ዝኾነ ዝኽእሎ እዩ ሰይጣን ከይተረፈ ጸሎት ክደግም ይኽእል እዩ። አፍና ምስ አምላኽ ልብናን ቀልብና ግን አብ ካልእ እንከሎ ጸሎት ምድጋም። እትብሎን እትሓስቦን በበይኑ ክኸውን እንከሎ። እዚ አምሰሉ እዩ ስለዚ ኸአ ፍረ የብሉን፥ መብዝሕትና ነዚ አገባብ ዳርጋ ኢና እንኽተል። (2) ልባዊ ጸሎት ኩሉ ኩነታትካ ንአምላኽ ሂብካ ምኽአል። ጎ.ኢ.ክ ነዚ እዩ ይገብር ነሩ ምስ ሰማይዊ አብኡ ክራኸብ እንከሎ። አብ ሓቀኛ ጸሎት ዝተጸምደ ሰብ ሕጉስ እዩ ምኽንያቱ አብኡ ንአምላኽ ስለ ዝረክብ። ምስ መን ከምዘሎ ፈሊጡ ኩልንትናኡ ብአምላኽ ይውረስ። ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ጸልዩ ይብለና እና ክጥዕመካ አይኮነን ዝብለና። ጸሎት ንጽሕና የድልዮ ካልእ መንፈስ ዘልኦ ልቢ ክጽሊ አይክእልን እዩ ክትጽሊ ብአምላኽ ክትብሓት አሎካ።
ቤተክርስትያን ምእንቲ ክንጥቀም ከይንዝንግዕ ኢላ ጊዜ ጸሎት ሰሪዓትልና ሰንበትን ብዓላትን ብግድን ጸልዩ ትብለና እቲ ዝዓበየ ጽሎት ቅዳሴ እዩ ምኽንያቱ አብኡ መስዋዕቲ ክርስቶስ ስለ ዝድገመልና። እዚ ዘሎናዮ ዘመነ ምጽአት መለልይኡ ጸሎት እዩ፥ ጉዕዞና ትጽቢትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ምእንቲ ክንከውን ዕለት ዕለት ክንጽሊ ይግብአና።
ምእንትመን ክንጽሊ ይግብአና። ፩ያ ምእንቲ ርእስና፥ ንርእስና አብ አምላኽ ከይመለስና ምእንቲ ኻልእ ክንልምን ትርጉም የብሉን። ክንምለስ ክንምሓር ክንጽሊ አሎና። ግላዊ ጸሎት ርእስና ስንቂ መንፈሳዊ ሕይወትና እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ርእዩ ይኽእል ስለዚ ንጋሆን ምሸትን ክንጽሊ ክንምለስ ክንምሓር ክንጽሊ አሎና። ግላዊ ጸሎት ርእስና ስንቂ መንፈሳዊ ሕይወትና እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ርእዩ ይኽእል ስለዚ ንጋሆን ምሸትን ክንጽሊ ክንምለስ ክንምሓር ክንጽሊ አሎና። ግላዊ ጸሎት ርእስና ስንቂ መንፈሳዊ ሕይወትና እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ርእዩ ይኽእል ስለዚ ንጋሆን ምሸትን ክንጽሊ ይግብአና። ብዙሓት አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝጽለ ዝመስሎም አለዉ እንተ ኾነ ብግልና ውዳሴ ማርያም፥ ጸሎተ መቝጸርያ፥ ንባብ ቅ. መጽሓፍን ፍኖተ መስቀልን ካልእ መንፈሳዊ ንባባትን ንግላዊ ርክብና ምስ አምላኽ አደልዲሉ አብ ብርሃን ክምእንመላለስ ይገብረና። ፪ይ ምእንቲ ካልኦት ምእንቲ አብ ሥልጣን ዘለዉ፥ ምእንቲ መላእ ዓለም፥ ምእንቲ ሕሙማትን ብዝተፈላለየ ዝተጸገሙ፥ ምእንቲ ዝሞቱ. . . ክንጽሊ ይግባእ። እዚ ኹሉ እንጽልዮ ፍቕሪ ከብዝሓልና፥ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ተኻፍል ብርሃን ክርስቶስ ክገብረልና ጽቡቕን ክፉእን ፈሊና ምእንቲ ክንክእል እሞ አብ አምላኽ ክንምለስ እዩ።
፬ - አብ ብርሃን ክነብር ክርስትያናዊ ሓልፍነት ክስምዓና ይግባእ። ሓልፍነት ዝስምዖ ክርስትያን ንትምህርቲ ወንጌል አብ ካልእ ከምሓላልፍ አይጽግሞን እዩ። ብፍላይ ወለዲ ኩሉ ጸቡቕ ዘበለ አብ ደቅና አብ ነአሽቱ ክነመሓላልፍ መዝነት አሎና። ሓውና/ሓፍትና ካብ ማሕበር ክርስቶስ ከይርሕቁ ክንጓሲ ሓላፍነት አሎና። ቤተ ክርስትያን ወይ ቍምስና ከም ስድራ ክትጉዓዝ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክትአቱ ናይ ነፍሲወከፍ አማናይ ተሳትፎ የድሊ። አብ ግራት አምላኽ ክንዓዩ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ ልኢኹና። ብዙሕ ጊዜ ካልኦት ክገብሩ ክህቡ ክምህሩ ኢና እንጽበ እንተ ኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዓቕሙ ንዕቤት ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ከዕቢ ሓላፍነት አለዎ። እቲ ግራት ገፍሕ እዩ ዝዓዩ ግን ውሕዳት እዮም። ግራት አምላኽ ዝሓርሶ ስኢኑ ከይቃድር ኩልና ክንወፍር ክንልአኽ ክንህብ ሓላፍነት አሎና።
ሰንበት ዘብርሃን እምብአር አብቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ብርሃን መድሓኒ ክንሳተፍ ኩሉ ንብርሃን ዝጻረር አርሒቕና አብ ጎደና ሓቅን ሰላምን ክንምርሽ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ብርሃን ክነመሓላልፍ ብርሃን ንዝሰአኑ ተኻፈልቲ ብርሃን ክንገብሮም። ከምቲ ምስማክ ናይ ሎሚ ዝብሎ ኦጎይታ ብርሃንካን ጽድቕኻን ስደደልና አብ ቤትካ ክንነብር ምሳኽ ኮና ሓጎስ ፍቕሪ ሰላም ክነስተማቕር እናበልና ብልብና ንለምኖ።
አደ ብርሃን ዝኾነት ወላዲተ አምላኽ አብ ማሕጸና ንምንጪ ብርሃን ወዳ ብዝይዳ ዘስተማቐርት ሎሚ እውን ንአና አብዚ ጸበባ፥ ስእነት ሰላም፥ ስደት፥ ውግእ፥ ቅርሕንቲ ዝዓብለሎ ዓለምና ብልመናአ ክትቅይረልና ንለምና። አብ ማሕጸና ጸራ ንኤልሳቤጥን ዘካርያስን ምልአት ሓጎስ ዘካፈለት ማርያም ሎሚ እውን ንወዳ አብ መንጎና አሕዲራ ኩሉ ድለታትና ትፈጽመልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
ይግብአና። ብዙሓት አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝጽለ ዝመስሎም አለዉ እንተ ኾነ ብግልና ውዳሴ ማርያም፥ ጸሎተ መቝጸርያ፥ ንባብ ቅ. መጽሓፍን ፍኖተ መስቀልን ካልእ መንፈሳዊ ንባባትን ንግላዊ ርክብና ምስ አምላኽ አደልዲሉ አብ ብርሃን ክምእንመላለስ ይገብረና። ፪ይ ምእንቲ ካልኦት ምእንቲ አብ ሥልጣን ዘለዉ፥ ምእንቲ መላእ ዓለም፥ ምእንቲ ሕሙማትን ብዝተፈላለየ ዝተጸገሙ፥ ምእንቲ ዝሞቱ. . . ክንጽሊ ይግባእ። እዚ ኹሉ እንጽልዮ ፍቕሪ ከብዝሓልና፥ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ተኻፍል ብርሃን ክርስቶስ ክገብረልና ጽቡቕን ክፉእን ፈሊና ምእንቲ ክንክእል እሞ አብ አምላኽ ክንምለስ እዩ። ይግብአና። ብዙሓት አብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝጽለ ዝመስሎም አለዉ እንተ ኾነ ብግልና ውዳሴ ማርያም፥ ጸሎተ መቝጸርያ፥ ንባብ ቅ. መጽሓፍን ፍኖተ መስቀልን ካልእ መንፈሳዊ ንባባትን ንግላዊ ርክብና ምስ አምላኽ አደልዲሉ አብ ብርሃን ክምእንመላለስ ይገብረና። ፪ይ ምእንቲ ካልኦት ምእንቲ አብ ሥልጣን ዘለዉ፥ ምእንቲ መላእ ዓለም፥ ምእንቲ ሕሙማትን ብዝተፈላለየ ዝተጸገሙ፥ ምእንቲ ዝሞቱ. . . ክንጽሊ ይግባእ። እዚ ኹሉ እንጽልዮ ፍቕሪ ከብዝሓልና፥ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ተኻፍል ብርሃን ክርስቶስ ክገብረልና ጽቡቕን ክፉእን ፈሊና ምእንቲ ክንክእል እሞ አብ አምላኽ ክንምለስ እዩ።
፬ - አብ ብርሃን ክነብር ክርስትያናዊ ሓልፍነት ክስምዓና ይግባእ። ሓልፍነት ዝስምዖ ክርስትያን ንትምህርቲ ወንጌል አብ ካልእ ከምሓላልፍ አይጽግሞን እዩ። ብፍላይ ወለዲ ኩሉ ጸቡቕ ዘበለ አብ ደቅና አብ ነአሽቱ ክነመሓላልፍ መዝነት አሎና። ሓውና/ሓፍትና ካብ ማሕበር ክርስቶስ ከይርሕቁ ክንጓሲ ሓላፍነት አሎና። ቤተ ክርስትያን ወይ ቍምስና ከም ስድራ ክትጉዓዝ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክትአቱ ናይ ነፍሲወከፍ አማናይ ተሳትፎ የድሊ። አብ ግራት አምላኽ ክንዓዩ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ ልኢኹና። ብዙሕ ጊዜ ካልኦት ክገብሩ ክህቡ ክምህሩ ኢና እንጽበ እንተ ኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዓቕሙ ንዕቤት ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ከዕቢ ሓላፍነት አለዎ። እቲ ግራት ገፍሕ እዩ ዝዓዩ ግን ውሕዳት እዮም። ግራት አምላኽ ዝሓርሶ ስኢኑ ከይቃድር ኩልና ክንወፍር ክንልአኽ ክንህብ ሓላፍነት አሎና።
ሰንበት ዘብርሃን እምብአር አብቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ብርሃን መድሓኒ ክንሳተፍ ኩሉ ንብርሃን ዝጻረር አርሒቕና አብ ጎደና ሓቅን ሰላምን ክንምርሽ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ብርሃን ክነመሓላልፍ ብርሃን ንዝሰአኑ ተኻፈልቲ ብርሃን ክንገብሮም። ከምቲ ምስማክ ናይ ሎሚ ዝብሎ ኦጎይታ ብርሃንካን ጽድቕኻን ስደደልና አብ ቤትካ ክንነብር ምሳኽ ኮና ሓጎስ ፍቕሪ ሰላም ክነስተማቕር እናበልና ብልብና ንለምኖ።
አደ ብርሃን ዝኾነት ወላዲተ አምላኽ አብ ማሕጸና ንምንጪ ብርሃን ወዳ ብዝይዳ ዘስተማቐርት ሎሚ እውን ንአና አብዚ ጸበባ፥ ስእነት ሰላም፥ ስደት፥ ውግእ፥ ቅርሕንቲ ዝዓብለሎ ዓለምና ብልመናአ ክትቅይረልና ንለምና። አብ ማሕጸና ጸራ ንኤልሳቤጥን ዘካርያስን ምልአት ሓጎስ ዘካፈለት ማርያም ሎሚ እውን ንወዳ አብ መንጎና አሕዲራ ኩሉ ድለታትና ትፈጽመልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ