ብፁዕ ሓው ጀምስ ሚለር፡ ሰማዕት ስነ ሕንጸት ብፁዕ ሓው ጀምስ ሚለር፡ ሰማዕት ስነ ሕንጸት 

ብፁዕ ሓው ጀምስ ሚለር፡ ሰማዕት ስነ ሕንጸት

ዕለት 13 ለካቲት 1982 ዓ.ም. ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን እነሆ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዝሃብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት

ዕለት 7 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ጓተማላ ከተማ ሁኤሁኤተናንጐ ሰማዕት ኣባል ማሕበር ኣሃው ዘላሳል ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሓው ጀምስ ሚለር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ስነ ሕንጸት ሰማዕት ቢላ ብፅዕና ከምዝኣወጀትሉን፡ ብጠቕላላ ማሕበር ኣሃው ዘላሳል 160 ብፁዕና ዝተኣወጀሎም ኣባላት ሰማእታት ከምዘለውዎን፡ ንቕዱስ ኣቦና ወኪሎም ነቲ ናይ ብፅዕና እዋጅ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾሴ ልዊስ ላኩንዛ ከምዝዀኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሮበርታ ባርቢ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓው ጀምስ ሚለር ኣብ 1982 ዓ.ም. ኣብ ጓተማላ ዝተቐትሉን፡ ምኽንያት ሕልፈቶም ድማ ንድኻታትን ነቶም ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰሎምን ክብሮም ዝተሓረሞም ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ ይገብሩ ስለ ዝነበሩን ብፍላይ ነቲ ዝነበሮም ጸገም ግምት ብምሃብ ነቶም ብቐሊሉ ክርድኦም ዘይክእሉ ንዝነበሩ ዓቕሞም ክሳብ ዘፍቕደሉ ደኺመ ከይበለ ካብ ናይ ትምህርቲ ሰዓት ወጻኢ እውን ግዜኡ ይስውእ ከምዝነበረን፡ ናይ መምሃራን ብጠቕላላ ኣብ መዳይ ሕንጸት ተዋፊሮም ንዘገልግሉ ኣብነት እውን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ላኩንዛ ንምእዋጅ ብፅዕና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስክበት ሓቢሮም፡ ካቶሊካዊ ሓናጺ እቲ ዘዘርኦ ፍረ ጻማኡ ልክዕ ከምቲ ተቐቢሩ ማኣለያ ዘይብሉ ፍረ ዝህብ ዘርኢ እዩ ከምዝበሉ ባርቢ ገሊጸን።

ኣብ 1955 ዓ.ም. ምስ ማሕበር ኣሃው ዘላሳል ተላልዮምን ኣብ ቤት ትምህርቲ ፒዮስ መበል 12 ዘላሳል ኣትዮምን ኣብ 1962 ዓ.ም. ተመካሪ ንምዃን በቒዖም፡ ኣብ 1969 ዓ.ም. ከም ኣባል ማሕበር ኣሃው ዘላሳል መምህር ኰይኖም ከገልግሉ ከምዝጀመሩን መምህር እየ ከይበሉ ኣባይቲ ትምህርቲ ምጽራይን ምውልዋልን ከይተረፈ ዝፍጽሙ ከምዝነበሩን፡  ዕለት 13 ለካቲት 1982 ዓ.ም. ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን እነሆ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዝሃብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ናይ ስነ ሕንጸት ሰማዕት ከብሎም ከምዝበቕዔ እነሆ ኵላዊት ቤተ ክርሲያን ብፁዕ ቢላ ትሰምዮ።

ብፁዕ ሓው ጀምስ ሚለር፡ ሰማዕት ስነ ሕንጸት

Photogallery

ብፁዕ ሓው ጀምስ ሚለር፡ ሰማዕት ስነ ሕንጸት
09 December 2019, 17:10