ድለ

ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ላተራነንሰ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ላተራነንሰ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም 

ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ላተራነንሰ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም

ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓብሩ ካህናት ኣብታ ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርእስታ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊት ምዕዳን ኣማእኪሎም ብፁዕነቶም ካርዲናል ደ ዶናቲስን ኣባ ጋብሬኤለ ፋራጊኒን ዝለገስዎ ኣስተምህሮታት ዝጠርነፈ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ ሓድሽ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ክህቡ

ቀዳም ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኽሪ ጽንብል ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ መንበር ሰበኻ ጳጳስ ሮማ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ላተራነንሰ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖን ናይ ሰበኻ ሮማ መንበረ ሓዋርያዊ ህየንተ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘዕርገዎ መስዋተ ቅዳሴ ብጸሎትን ሊጡርጊያዊ ማህሌትን ዝተሰነየ ከምዝኸውን ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ  ደ ዶናቲስ ሓቢሮም፡ ንዅሎም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝሓብሩ ካህናት ኣብታ ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርእስታ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊት ምዕዳን ኣማእኪሎም ብፁዕነቶም ካርዲናል ደ ዶናቲስን ኣባ ጋብሬኤለ ፋራጊኒን ዝለገስዎ ኣስተምህሮታት ዝጠርነፈ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ ሓድሽ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ክህቡ እውን ምዃኖ ገሊጾም፡ ኣብ ዝሓለፈ 2018 ዓ.ም ኣብ መላእ ሰበኻ ሮማ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ሓዋርያዊት ምዕዳን ተወኪሱ ዝተሓንጸጸ እውን ክምዝነበረ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሮማ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም መለኰታዊ ፍቕሪ ካህናት ከምዝዀኑን ቅዱስነቶም ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዝዛሞሙ ንናይ ሰበኻ ሮማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ልኡካን ጉጅለ ሓዋርያዊ መዝነት ብሕድሪ ክህቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ቅዱስነቶም ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ብቐጥታ ምከዝመሓላለፍን ነቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክከታተሉን ሓበሬታ ክዝግቡን ንዝደልዩ ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ክምዝገቡ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ቫቲካን ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ድረ ገጽ press.vatican.va/accreditamenti  ኣብ ዝብል ገጽ ብቐጥታ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ገሊጾም ብፁዕ ካርዲና ደ ዶናቲስ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዚሞም።

ዕለት 9 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ላተራነንሰ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም
08 November 2019, 16:48