ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድ፡ እናቴ ኣና ሮዛ፥ እቲ ናቶም ምብጻሕ ዓቢይ ጸጋ እዩ ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድ፡ እናቴ ኣና ሮዛ፥ እቲ ናቶም ምብጻሕ ዓቢይ ጸጋ እዩ  

ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድ፡ እናቴ ኣና ሮዛ፥ እቲ ናቶም ምብጻሕ ዓቢይ ጸጋ እዩ

96 ሚእታዊ ሕዝቢ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃማኖት ሰዓቢ እዩ፡ ኣብዚ ኣዋን’ዚ መላእ ታይላንድ ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጽበይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ታይላንድ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፡ ኣብ ቤት ሕክምና ቅዱስ ልዊጂ ከብጽሑ መደብ ከምዘለዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዘገልግላ ዘለዋ ንቅዱስነቶም ጓለሞኦም እናቴ ኣና ሮሳ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ክበጽሑን ምስ ህሙማን ክራኸቡ እዮም፡ እቲ ርክብ ብሓቂ ዓቢይ ትርጉም ከምዝህልዎን ንህሙማንን ኣረጋውያንን ዝተነጸሉን ዘለዎም ሓልዮት ወንጌላዊ እዩ እንክብላ ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድ ኣመልኪተን ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ዝራኸብዎም ኩሎም ጓልኣሞኦም ኣባል ማሕበር ሳሊዚያን ደናግል 77 ዓመት ዝዕድመአን ኣብ ታይላንድ ኣብ ቤተ ትምህርቲ ደቀንስትዮ ቅድስተ ማርያም ዘገልግላን ዘለዋ ሓንቲ ክዀና እንከለዋል፡ ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ወግዓዊት ተርጓሚት ንኽዀና እውን ከምእተመዛን፡ እዘን ኣብ ታይላንድ ንልዕሊ 50 ዓመታት ልኡካነ ወንጌል ኰይነን ዘግልግላ ዘልዋ ኣባል ማሕበር ደናግል ሳሊዢያን፡ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ናብ ታይላንድ ዝተላእካ ንግብረ ኣስዳዕነት ዘይኰነ ንሕዝቢ ታላንድ ምስ ኢየሱስ ንኸላልያ ብዝብል ተልእዀ እዩ ኢለን።

ኣብ ታይላንድ ክልተ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ሕክምና ከምዘሎን፡ እቲ ሓደ ብካሚሊያውያን ዝመሓደርን እቲ ካልኣይ ከኣ ብሰበኻ ዝመሓደር ቅዱስ ልዊጂ እተሰምየ ቤት ሕክምና እዩ፡ ኣብ ቅዱስ ልዊጂ ቤት ሕክምና ክበጽሑን ምስ ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣብቲ ቤት ሕክምና ምስ ዘገልግላን ዘገልግሉን ገዳማውያንን ደናግልን ክራኸቡ እዮም ቢለን እቲ ናቶም ኣብ ታይላንድ ዘካይዶው ምብጻሕ ጸጋ እዩ፡ ኵሎም ብዘይ ኣፋላላይ ሃማኖት ክራኸብዎም ሃረር እዮም ዝብሉ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸባን ብዙሕ ግዜ እውን ኣገልግሎት ኣብ ታይላንድ እንታይ ይመስል ከመይ ይሳለጥ እንክብሉ ከምዝሓትወን ገሊጸን፡ ምስ ቅዱስነቶም ዝተራኸባ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም. ከምዝነበረ እውን ዘኪረን፡ በቲ ኣብ ባንኰግ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣቢለን ብሰታሪት ከምዝራኸቦኦም እውን ይሕብራ።

ህዝቢ ታይላንድ ቅዱስነቶም ንድኻታን ህሙማንን ኣረጋውያንን ንዝተነጸሉን ዜጋታት ዘለዎም ሓልዮትን ቅርበትን ዝፈልጦ እዩ፡ ቁጡብን ብድኽነት ምንባር ዝብልን ተኻፊልካ ምንባር ብሕይወትን ቃልን ዘተባብዑን፡ ጽኑዕ እምነት ዘለዎምን ዝነብርዎን እውን እዩ፡ ሕዝቢ ነዚ የደንቕ፡ 96 ሚእታዊ ሕዝቢ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃማኖት ሰዓቢ እዩ፡ ኣብዚ ኣዋን’ዚ መላእ ታይላንድ ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጽበይ ኣሎ፡ ዳርጋ ረስኒ ርእሰ ፍራንቸስኮ ዝሓዞ እዩ ዝመስል እንክብላ እታ ሃገርን ሕዝብን ንቕዱስነቶም ንምእንጋድ ዝነብሮ ዘሎ ውዕዉዕ ኩነት ሓሴትን ናይ ቀረባ ምስክር እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ር.ሊ.ጳ. ናብ ታይላንድ፡ እናቴ ኣና ሮዛ፥ እቲ ናቶም ምብጻሕ ዓቢይ ጸጋ እዩ
19 November 2019, 16:17