‘ነዚ ቤተመቅደስ እዚ ኣፍርስዎ ኣነ ድማ ብሠለስተ መዓቲ ኸተንሥኦ እየ’ (ዮሓ 2.19) ‘ነዚ ቤተመቅደስ እዚ ኣፍርስዎ ኣነ ድማ ብሠለስተ መዓቲ ኸተንሥኦ እየ’ (ዮሓ 2.19) 

ሰንበት ዘምኵራብ ኅዳር 21 2012 ዓ.ም. (12/1/2019)

መዝሙር፡ አምላክ ፍጹም ብህላዌሁ. . . ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእንቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 1:22-25፥ ያዕ 3፡413፥ ግ.ሓ. 21፡27-ፍ፥ ዮሓ 2፡13-25።    ምስባክ፡ ቅረቡ ኃቤሁ ወያበርህ ለክሙ፥ ወኢይትሓፈር ገጽክሙ፥ ዝንቱ ነዳይ ጸርሓ ወእዚአብሔር ሰምዖ። እዚ መስኪን እዚ አእወየ እግዚአብሔር እውን ሰምዖ ካብ ኩሉ ጸባበኡ አድኃኖ መዝ. 34፡6።

አብ ናይ ሎሚ ምስማክ አብኡ ቅረቡ ከብርሃልኩም ድማ እዩ፥ ገጽኩም አይደንግጽ እዚ መስኪን አእወይ እግዚአብሔር ከአ ሰምዖ ካብ ኩሉ ጸበባኡ አድኃኖ ይብል። አብ አምላኽ ክንቀርብ እንከሎና ዝስዕቦ ምሕረት፥ ጸጋ፥ እዩ። አብኡ ክንቀርብ እንከሎና ጉዕዞ ድሕነትነትና ይበርሃልና ፍቕሪ አምላኽ አባና ይዅላዕ እሞ ሰባት ንአና ርእዮም አብ አምላኽ ይምለሱ። አብ አምላኽ ገጽና ተተይ ክንብል እንተ ጀመርና ወልእኳ ብኃጢአት ተበላሺና እንተሎና ከምቲ በታኒ ውሉድ አብ ሉቃ 15 እንረኽቦ ብድፍረት ኦ አቦይ አብ ቅድመኻን አብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን በዲለ አሎኹ ውሉድካ ክብሃል አይ ግብአንን፥ ብዓይኒ ምሕረትካ ጥራሕ ተቐበለኒ እናበልና ክንልምን ክንጅምር ኢና።

አምላኽ ሎሚ ከምትማሊ እሙናት ደቁ ኮና ክንቀርቦ ይጽውዓና አሎ። አብኡ ክንቀርብ እሞ ፍቕሩ ክነስተማቕር ምልክት ይህበና አሎ ነዚ መበገሲ ገርና አብ አምላኽ ክንምለስ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብምልኡ ይነግረና። አብ ዘመነ አስተምህሮ ስለ ዘሎና ንቃሉ ክንሰምዕን ክንምሃርን ንዝብለና አብ ተግባር እናአውዓልና ንምጽአቱ ክንሰናዶ ዘዘኻኽር እውን ኢና ዘሎና። ሓወይ ሓፍተይ ንጎይታ ክትቅበል ትሰናዶ ዘሎኻ/ኺ ክንብሃሃል አሎና። እዛ ንጎይታ ምቕባል እትብል አብ ገለ እዋን ዘይ መልክዓ ወሲዳ ብብዙሓት ትብሃል እያ ንአና ንጎይታ ምቕባል ክንብል እንከሎና ነቲ ክርስቶስ ቅድሚ 2000 ዓመት አብ ቤተልሔም ከማና ኮይኑ ንድሕነትን ዝመጽአ ዘኪርና ከም ብሓዲስ ሎሚ እውን ክንቅበሎ የስምዕ፥ ምስ ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ኮና ልብና አንጺሕና ክንቅበሎ፥ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል ከሎና፥ ቃሉ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብእምነት ሰሚዕና አብ ሕይወትና ክነተግብሮ ከሎና ንቅበሎ፥ ስለዚ ምቅባል ክንብል እንከሎና ብኹልንትናኻ ንአምላኽ አሚንካ አብ ልብኻን ሕይወትካን ክአቱ ባይታ ሕይወት ምቕራብ እዩ ዘስምዕ ከምኡ እቲ ዝዓበየ ምቕባል ቅ. ቍርባን ብንጹሕ ልብን መንፈስን ክንቅበል ከሎና እዩ ዘስምዕ እምበር ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ዘይመልክዑ ዝሓዘ ምቕባል ክነስተውዕለሉ አሎና። እንቕበሎ ነቲ ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና እተስተምህሮ ኢና እንቕበል እምበር ብስም አንበብናን ጨራሕናን ተቐቢልናዮ ክንብል አይክአልን። ንአምላኽ ብሓቂ ክንቅበሎ አብ ጽሞናን ህድአትን ኩነት ክንርከብ አሎና ሽዑ ብሕሹኽታኡ ምሳና ይሓድር።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ተቕባልና ብመንፈስ ድኻታት ኮና ክንቅበሎ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ይነግረና። ክርስቶስ አብ ትምህርቱ እግዚአብሔር ንመሳኺን ንድኻታት ይሰምዕ እዩ ይብለና፥ አብዚ ድኻታት ዝብል ንቍጠባዊ ድኽነት ዘልኦም ዘይኮነስ ነቶም ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን እምነትን ዝግፍዑ ዝዋረዱ እዩ ዘስምዕ ምስኡ ንድኻታት እውን የስምዕ ቀንዲ ምስጢሩ ግን አብቶም ብእምነቶም ይኹን በቲ ዝብልዎ ሓቂ ዝወርዶም ዝግፍዑ እዩ ዘስምዕ። ብስም ድኻ ኮንካ ጥዑይ ማለት አይ ኮነን ብመንፈስ ድኻታት ብጹዓን እዮም ዝብል አብ ማቴ 5፡3 ሉቃ 6፡20 ዘሎ ብመንጽር እቲ አብ ዘፀ 22፡25-27፥ ሌዋው 19፡9-10፥ ዘዳግም 15፡7-11 ኢሳ 61፡1 ክንርእዮ አሎና እዚ ኸአ ቍጠባዊ ድኽነት ቅጽዓት አምላኽ አይ ኮነን እኳ ድአ አብ አምላኽ አተክሮ ክንገብር፥ ንሃብትን ንብረትን ከም ካልአዊ ገርና ክንቆጽር ዝሕግዘና እዩ። ቍጠባዊ ድኽነት ዝያደ ነጻነት መንፈስ ዘልኦ እዩ ብዙሕ አብ ናብራ ዘተኩሮ የብሉን በዚ ንአምላኽ ክዝክር አየጸግሞን እዩ፥ አብ መንፈሳዊ ሃብቲ ብቐሊል የብጽሓና፥ ግን ቍጠባዊ ድኽነት ክፍአትን ኃጢአትን ክውሰኾ ከሎ ክልተ ሞት እዩ እዚ እውን ክንጥንቀቐሉ ዘሎና እዩ።

ናይ ሎሚ መዝሙር ምስ እዚ አሰማሚዑ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ ይብለና። ቤተ ክርስትያን ሰንበት ሰንበት ብቃል አምላኽን ብመስዋዕቲ ቅዳሴን ገራ ናብኡ ክንቀርብ አፍደገ ድሕነት ትኸፍተልና። አብ አምላኽ ቀሪቡ ዝኽአለ ፍቕርን ጣዕምን አምላኽ ከስተማቕር አይ ክኸብዶን እዩ። አብ አምላኽ ዘቕርብ ግብርን አተሓሳስባን ለቢስና ልብና አንጺሕና አብኡ ንቕረብ ሽዑ ከብርሃልና እዩ። አብ ገለ እዋን ባዕልና ብዝፈጠርናዮ ጸልማት ይጉልብበና እዩ ስለዚ ብርሃን የድልየና ንሱ ኸአ ብኃጢአትና ተነሲሕና አብ አምላኽ ክንምለስ ክንቀርቦ ሽዑ ንሱ ሓቚፉ ክቕበለና እዩ።

አምላኽ ፍጹም ብህላዌኡ እናበለ ካብ አምላኽ ወጺእካ ዝግበር ነገር ከምዘየለ ንሱ ከአል ኩሉ ስለ ዝኾነ ንአና ንደቂ ሰብ ዘድልየና ጸጋታቱ ይህበና ዕለት ዕለት ይጓስየና ዝጎድለና የለን። ካባና ዝድለ ነዚ ከአል ኩሉ አምላኽ አብ ህያባቱ ርኢና ክንክእል እሞ ብድላዩ ሕይወትናን ዓለምናን ክንመርሕ። ሰብ ዝቐስን ብድላይ አምላኽ ክምራሕ እንከሎን ንድላይ አምላኽ ጽን ኢሉ ክሰምዕ እንከሎን ጥራሕ እዩ። ግዝያውን ጋሻ ሓሳባትን ካብ መገዲ አምላኽ ከየውጽአና ልቦና የድልየና።

ቅ. ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 1፡22-25 ዝተነበ ንክርስቶስ አመልኪቱ “ምልአት ጥበብ አምላኽ እዩ” ይብል። ግሪኻውያን ንጥበቡ ደልዮም እንተ ኾነ ምስ ረኸብዎ ነጺጎሞ። ብኻልእ መገዲ ኸአ አይሁድ አብ ክንዲ ካብኡ ዝጥቀሙ ከምቲ አብዚ እዋን መብዝሕትና እንገብሮ ትአምራታትን ምልክታትን ክንርኢ ኢልና ካብ ሓደ ቤት ጸሎት ናብ ካልእ ቤት ጸሎት ኮለል እንብል ንሶም ከአ ክአምንዎ አይክአሉን። ንቅ. ጳውሎስ ግን ክርስቶስ ምልአት ሕጊ ኃይልን ጥበብ አምላኽን እዩ። ስለዚ ኩሉ ዝቕበሎ ዘበለ ብጥበብ ክመልእን ካብ ሕጂ ንድሓር ከአ ጨሪሹ ብድንቁርና አይ ክመላለስን እዩ። እዚ ክርስቶስ ዝውክሎ ሕግን ጥበብን ዝወዳደሮ ዝኾነ ኃይሊ የለን። ዮሓን 8፡12 “ኩሉ ንእኡ ዝቕበል ዘበለ ብዳግም አብ ጸልማት አይክመላለስን እዩ” ይብለና። እንተ ኾነ ጥበብን ሕጂ እውን እንተ ኾነ ከም ቀደም ንኹሎም ነቶም ቀጺሎም ዝነጽግዎ ከምቲ ንግሪኻውያን ዕንቅፋትን ዕሽነትን ክትኮኖም እያ።

ንአምላኽን ልኡኻቱን መልእኽቱን ምንጻግ አብ ጸልማት ከም እንነብር ይገብረና። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ዳርጋ ባህሪ እንስሳ ስለ ዝመልኮ ግብሩ ግብሪ እንስሳ እዩ። ትርኢቱ ሰብ ግብሩ ግን ግብሪ አራዊት ይኸውን። አምላኽ አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ ክንቅበሎ ይኵሕኵሕ አሎ። ክአቱ እንተ አፍቀድናሉ ዓይኒ ሕልናና ክርኢ ክጅምር እዩ። ብአምላኽ ንዝመጽአና ሰናይ መጸዋዕታን ምኽርን ክንቅበል ስንድዋት ክንከውን ይግባእ።

ንሎሚ ዝተነበ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ብዛዕባ ንቤተ መቕደስ አምላኽ ዘራኸሱ ይነግረና። እዚ ዝኾነ እቶም ንቤት አምላኽ ክሕልዉን ክኸላኸሉን ዝግብኦም ፈላጣት ሕጊ ሓንቲ ስለ ዘይገበሩ አብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ጥራሕ ስለ ዘተኮሩን ቤት አምላኽ ዘይመልክዑ ሒዙ። ኢየሱስ ጩግራፍ ተቲዑ ነቶም አብኡ ዝሸጡን ዝልውጡን ዝነበሩ እናገረፈ ከውጽኦም እንከሎ ንሱ እቲ ብዓል ስልጣን፥ ጥበብን ምልአት ሕጊ ከምዝኾነ እዩ ገሊጹ። ናይ ኢየሱስ ቅንአት ቤት አምላኽ ካብቶም ናይ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝተፈልየ እዩ፥ ምኽንያቱ ንሶም አብ ክንዲ ንአምላኽ ዘቐድሙ አብ ጥቕሚ ርእሶም አብ ቍጠባዊ፥ ሃይማኖታዊ፥ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ጥቕሞም ዘተኮረ እዩ ነሩ።

ካብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል እንታይ እዩ እንምሃሮ አሎና?

፩ያ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ብፍላይ አብ ቤት አምላኽ፥ አብ ገዛና፥ ስራሕና ወይ እውን አብ ዝኾነ ቦታ ክንርኢ ከሎና ርኢና ከምዘይ ረአና ሰሚዕና ከምዘይ ሰማዕና ክንከውን አይግባእን። ጥቕምን ዝናን ንሰብ የታልሎ እዩ፥ ከምኡ ዓለማዊ መኽሰባትን ፖሊቲካዊ ስልጣንን ንብዙሓት አብ ግጉይ መገዲ ከም ዝጉዓዙ ይገብር። ልዕሊ ኹሉ ንጥቕሚ ርእስና ቀዳምነት ክንህብ የብልና። ንረብሓ ርእስና ክንብል ንቅድስናን ንጽሕናን ስድራና፥ ቤተ ክርስትያና፥ ሃገርና፥ አብ ዋጋ ዕዳጋ ክነውርዶ የብልናን። ጓሶት ህዝቢ ዝኾኑ ኩሎም አብ ጥቕሚ ርእሶምን ረብሕኦም ከተኩር አይግባእን እንታይ ድአ አብ ቅድስናን ሓቅን አብ ዕብየት መንፈሳዊ ሕይወት ከተኩሩ ይግባእ። መራሕቲ አብ ጥቕምን ረብሓን ርእሶም ምስ ዘመበሉ ኩሉ ይበላሾ ሓቂ ይጠፍእ፥ ጉቦ ብልሽውና ይስስን፥ ሕጊ አልቦነት ይበዝሕ፥ ሰባት ንሓቂ ሓዲጎም ብኻልእ መገዲ ንሓቂ ይደልዩ እዚ ንቤተ ክርስትያንን ሃገርን አብ ከቢድ ጸገም የውርድ። ጓሶትን ነፍሲወከፍናን ከም መምህርና ክርስቶስ ንሓቅን ንፍትሕን ልዕሊ ኹሉ ንቤት አምላክ ክብሩ ክንሕልወሉ ክንትንስእ ዓው ኢልና ክንዛረብ እዋኑ እዩ። ሱቕታ ናይ ክርስትያን አይኮነን። ድኻ ክብደል እንከሎ፥ ዓመጽ ክበዝሕ እንከሎ፥ ሰብ ኽግፋዕ እንከሎ ሱቕታ እንተ በዝሐ ንእምነት ይቐትል ሽዑ ንዓማጽን ገፋዕን ዓቢ ዕድል ይኸፍተሉ። ርኢና ክንክእል እሞ ከመሎና ክንብል እዋኑ እዩ። ምስ ዝነፈሰ ተበቚጽካ ምኻድ ንጥፍአት እዩ ዝዕድም ስለዚ ከም መምህርና ንሓቂ ደው ክንብል ይግባእ።

ሎሚ አብ ቤት አምላኽ ዝሸይጥን ዝገዝእን በዚሑ ዝኸውን ዘሎ ክርድአና ከቢድና አሎ። ፈላሊና ክንርኢ ጸጊሙና ጽሩይን ረሳሕን ምፍላይ ጠፊኡና አሎ። እምብአር ኩሉ ስርዓታትና ክንሕሉ ሓቀኛ መልክዑ ለቢሱ ክኸይድ ናይ ነፍሲወከፍና ተራ የደሊ አሎ። ሓቂ ወይ ሰላም ብሓደ ሰብ ክትመጽእ አይትኽእልን እያ ነፍሲ ወከፍና እጃምና ክነበርክት አሎና። ኩሉ ዘሎና ንጥቕሚ ነፍስወከፍናን ደው ክብል አለዎ እምበር ንርብሓ ሓደ ክልተ ክኸውን የብሉን እዚ ክሳብ ዘይኮነ ኩልና ክነጽሪ ቤትና ክንጓየ አሎና።

ቤትና ጸርዩዶ አሎ ወይስ ረሲሑ ክነጽርዮ ይዕድመና አሎ? ንዚ ክንምልስ ኩልና አብ ሕልናና ክንምለስ አሎና፥ ኩልና ከም አብ መስትያት ሕይወትና ንመርምር ንፈትሽ፥ ኃጢአት ካልኦት ዘይኮነ መጀመርያ ክጸሪ ዘለዎ ኃጢአተይ እዩ ክጸሪ ዘለዎ። ምናልባት በይንና ክነጽርዮ ዝኸብደና እንተ ኾነ ሓገዝቲ አለዉና አብ ጓሶትና ቀሪብና ክሕግዙና ንሕተቶም። ክርስቶስ ክሕግዙ ዝልአኾም አለዉና እዮም። ምስ ክርስቶስ ኮና ሎሚ አብ ምጽራይ ቤትና ንእቶ። ቤትና ረሲሑ እንከሎ ርስሓት ቤት ካልኦት አይንጠምት፥ መጀመርያ አብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ነውጽእ ቅድሚ አብ ዓይኒ ሓውና ዘሎ በሰር።

፪ይ ኢየሱስ እቲ ዝገበሮ ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን እንታይ ከምዘምጽአሉ አጸቢቑ ይፈልጥ ነሩ፥ ማለት ውርደት ሞት ስቕለት ከም ዘምጽአሉ ይፈልጥ ነሩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዚ እዩ ሓደ ካብቲ ምስ ኩሎም መማህራን ሕጊ ጸገም ዝፈጥረሉ ዝነበረ። ንፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ክልተ ተጻረርት ክልቲኦም ንኢየሱስ ምእንቲ ክቐትሉ አስሚርዎም። ክልተ አንጻር አብ ክፍአት ግብሪ ሓቢሮም። ዓለምና ሎሚ እውን እዚ መንፈስ መሊእዋ እዩ። ንሓደ ሰብ ክተኽፍእ ክተጥፍእን መገዲ ክፍአት ክተንግስ ብዝኾነ ካልእ ክትሰምር ዘይትኽእል ምእንቲ ክተጥፍእ ትሰምር። እዚ ዑረት ሕልናን ልብን አንጊሱ ንኽፍአተ ግብሪ ከም እንወፍር ይገብረና። ኢየሱስ ነቶም ዝጻረርዎ “ነዚ ቤተ መቕደስ አፍርስዎ እሞ አነ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እየ ኢልዎም”። እዚ ትንቢት አብ ዕለተ ዓርቢ ተፈጺሙ። ሰብ ክጸሪ ክሕደስ ካብ ኃጢአት ክመውት አለዎ።

ናይ ሎሚ ወንጌል እምብአር ጉዕዞ ሕይወትና ከመይ ከምዘሎ ክንርእን ክነስተውዕልን የዘኻክረና። ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝኾነ ልብና ነጺሑ ሓቀኛ መልክዑ ሒዙ ክጉዓዝ እሞ ታቦት አምላኽ ክኸውን ይግባእ። ምናልባት ዘንጊዕና ዲና ካልኦት አጋግዮምና ንቤት አምላኽ ዘይመልክዑ አልቢስና እንተሎና ክንሳሕ ክንምለስ እዋኑ እዩ። ብሕጊ አምላኽ ተመሪሕና ሕይወትና እነጽርየሉ ጸጋን ቆራጽነትን ይዓድለና።

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                                                                                                                                                                                                                                   

30 November 2019, 10:31