2019.11.24 “ተንስእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ኪድ” 2019.11.24 “ተንስእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ኪድ”  

፪ ሰንበት ዘአስተምህሮ (ዘቅድስት) 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. (11/24/2019))

መዝሙር፡ ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኮቴት. . . “ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነበረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡   ቆላ 1፡12-ፍ፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡21-ፍ፥ ዮሓ 5፡16-28   ምስባክ፡ ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።

ተፈጥሮ ብምልኡ አብ ትሓቲ አምላኽ እዩ፥ ፍጡር በቲ ዘልኦ ንአምላኽ ከመስግን እዩ ተፈጢሩ። ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ሰብ ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ስለ ዝተፈጥረ ዝያዳ ክብሪ አልኦ፥ ብመጠኑ ኸአ ሰብ ንአምላኽ አብ ኩሉ ክምስክሮ ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክገብር ይግብኦ። አምላኽና ፈቃር አምላኽ እዩ። ፍቕሩ በቲ ሓደ ወዱ ገሊጹልና እዩ።

አብዚ ምድራዊ ሕይወት ወከልቲ አምላኽ ስለ ዝኾና ሕግን ድለት አምላኽ መምርሒና ገርና ክንጉዓዝ እሞ ዓለምና ናይ አምላኽ ኮይና ክትርከብ ናይ ኩልና መዝነት እዩ። እዛ እንነብረላ ዓለም እምብአር ናይ አምላኽ ክትከውን ናታትና ተራ የድሊ። ከምቲ አምላኽ ክፈጥር እንከሎ ዝሃበና ኩልና ብሓደ ክንጥቀመላ ኩልና አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ምዃና ፈሊጥና ንኸማና ዝበለ ሰብ ግቡኡ ከይነግድለሉ ክንጥንቀቕ ሓላፍነትና እዩ። ሰብ አምላኽ ዋንኡ ምዃኑ ምስ ዘንግዔ ንኹሉ ይቕይሮ እሞ ዓለሙ ሕሰም፥ ስእነት ሰላም፥ ጭካኔ፥ ዝበዝሓ ትኸውን። በዚ ሰንበት እምብአር አምላኽ ዋናና ገርና ሕይወትና ክንመርሕ ንዕደም አሎና።

ወንጌል ንሎሚ ዝተነበ ካብ ዮሓንስ እዩ። ቅድሚ እዚ ዝተነበ ምዕራፍ ዘሎ እንተ ረኤና ኢየሱስ አብ ሓደ ዓላማ ዝተኮረ ክልተ ተአምራት ከምዝገበረ ንርኢ። ክልቲኡ ቃል ኢየሱስ ሕይወት ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ። አብ 4፡50 ዘሎ “ኪድ ወድኻ ሓውዩልካ እዩ” እናበለ ንሓደ ወዲ ሹም አሕውዩ። አብ 5፡8 “ተንስእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ኪድ” እናበለ ነቲ ንሰላሳን ሾመንተን ዓመት ሓሚሙ ዝነበረ ብቓሉ አሕውይዎ። ነዚ መሰረት አንጺፉ ዕሞቕ ምስጢር ናይ እቲ ዝገበሮ ነጊርዎም። አብቲ ዘስተምሃሮ እንተ ረኤና ብገርሂ ክንርድኦ ንኽእል። “አቦ ንሙታት ከም ዘትንሥኦም ሕያዋን እውን ከም ዝገብሮም ወልድ ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም” (ኁልቅ 21) አብዚ ኢየሱስ መን ምዃኑን ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘልኦ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ነዚ ተዛሪብዎም። አብ ኁልቍ 24 ዘሎ ኸአ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ በቲ ዝልአኸኒ እውን ዝአምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት አላቶ፥ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ አይክበጽሕን እዩ” ንቃል ክርስቶስ ክንሰምዕ ከሎና፡ ንሰማያዊ አቦና ክንአምን እንከሎና አባና ሕይወት አሎ ማለት ኃጢአትን ፍረ ኃጢአትን አይርከበናን እዩ።

ንቃል ክርስቶስ ሰሚዕና ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ ፍቓደኛታት ክንከውን ሎሚ ንሕተት አሎና። አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ገሩ አብ መገዱ ክንጸንዕ ምልክት ይህበና። ንአምላኽ ዝህቦ ምልክት ክንርዳእ ጽን ክንብል ጊዜ ወሲድና ጣዕሚ ፍቕሪ አምላኽ ክነስተውዕል ይግብአና። አምላኽ ሎሚ ከም ቀደም ብቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ ከምኡ ብዝተፈላለየ ናይ እዋና ምልክት ገሩ ይዛረብ አሎ። ክንሰምዕ ክነስተውዕል ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

ሙታት ድምጺ ወዲ አምላኽ ዝሰምዑላ ሰዓት ቀሪባላ ዝብል ሓሳብ ኩሎም ካብ መገዲ አምላኽ ዝርሓቑ ብመንፈስ መይቶም እዮም እንተኾነ እግዚአብሔር ብብዙሕ መገዲ ገሩ ዝምለሱሉ ምኽንያት የቕርበሎም። ሰንበት ሓንቲ ካብቲ ብዙኅ አብ አምላኽ ክንምለስ እትሕግዘና ቅድስቲ ዕለት እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ክንሳሕ እሞ ቅዳሴ ሰሚዕና ካብ ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል እምነታዊ ግድነትና እዩ።

አብዚ ወንጌል እምብአር ናይ ኢየሱስ አምላኽነትን ናይ አምላኽ ሓድነት ክገልጽ ዝዓለመ ኮይኑ ደቂ ሰብ ከአኒ ነዚ ብኢየሱስ ዝተገልጸ አሚና አብ አምላኽ ክንምለስ ዝጽውዓና ቃል እዩ። ኢየሱስ አግሂዱ ንሱ መን ምዃኑ ነጊርዎም፥ አምላኽነቱ ገሊጽሎም፥ አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ዝዓበየ ቦታ ሂብና ንቅድስና ዝዕድም ሕይወት ሒዝና ክነብር ይግብአና።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ አርባዕተ ምዕራፍ ዝሓዘት እያ። ትሕዝቶአ ጳውሎስ አብ ኤፈሶን ኮይኑ ዝጸሓፋ እያ፥ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ብስብከት ጳውሎስ ዝቖመት አይነበረትን እንተ ኾነ ጳውሎስ ወሪኦምን ዝነበሮም ጸገማትን ሰሚዑ ጽሒፍሎም። ገለ ሰባት ግጉይ ትምህርትን ንስርዓት አይሁድ ከም ቀንዲ ገሮም የጸግምዎም ስለ ዝነበሩ ንሓቂ ከስተምህር ኢሉ ከምኡ አብ እምነቶም ክጸንዑ ኢሉ ጽሒፍሎም። ኩሉ እምነት አብ ክርስቶስ ክምስረት ንሱ አምላኽ ስለ ዝኾነ ምንጪ ናይ ኩሉ እዩ ስለዚ ካልእ ብዘይካኡ የለን ዝብል ትምህርቲ አትሪሩ ይገልጽ።

አብ ታሪኽ ድቂ ሰብ ካብ አምላኽን ሕግታቱን ዘውጽኡ፥ ተግባራት፥ ኩነታት ዝፈጥሩ በብእዋኑ አለዉ። ንገርሄኛታት ካብ አምላኽ ዘርሕቕዎም እሞ አብቲ ግጉይ እምነትን ሓቂ ዘይብሉ ከም ዝነብሩ ዝገብሩ አብዚ እዋና እውን አይተሳእኑን። ንሓቂ ደፊኖም ንጸልማት ከም ብርሃን ንሞት ከም ሕይወት ገሮም ንሰብ ልቡን ቀልቡን አደንዚዞም ካብ አምላኽን ካብ ሰብን ዘርሕቑ ናይ እዋና ነብያት ኮይኖም ዝስምዖም ብዙሓት እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዝዝርግሑ አብ መንጎ ሰብ ቆላሳስያ ከም ዘለዉ ሰሚዑ ብድፍረት ነቲ ሓቀኛ እምነት ምሂሩ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት ከምዚ ዝአመሰለ ትምህርቲ ከይጋግየና አፍልጦ እምነትና ክህልወና ከምኡ ንሓቂ ሓዲግና ከይንኹብልል ቤተ ክርስትያን ክንሰምዓ ትላበወና አላ።

እዚአ መልእኽቲ ቆላስያስ ናይ ምስጋና መልእኽቲ እያ ነቲ ኩሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበረልና አምላኽ አመስጊና ክንክእል ትምዕደና። “ብኹሉ መንፈሳዊ ጥበብን ርድኢትን ፍቓድ አምላኽን እንታይ ከም ዝኾነ እትግንዘቡሉ ምሉእ ፍልጠትን ምእንቲ ክህልወኩም እናለመና ብዛዕባኹም ካብ ምጽላይ አቋሪጽና አይንፈልጥን .  . . . ብፍልጠት አምላኽ እናዓበኹም ንእኡ ዚበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም ንጎይታ ብኹሉ ምእንቲ ክተሓጕስዎ ንጽሊ አሎና” (ቆላ 1፡9-10)። ሓደ አማናይ ክርስቶስ መለልይኡ ንድላይ አምላኽ ርእዩን ፈሊጡን ክነብር እዩ። ነዚ ክግንዘብ ኢሉ ጳውሎስ አብ ነነድሕድና ብጸሎት ክንዘኻኸር ይምዕደና። ንድላይ አምላኽ ክነብሮ ክንርድኦ እንከሎና ናይ ብሓቂ ቅሳነት ሰላም ምርድዳእ የውርደልና።

ንሓዲስ ሕይወት ብክርስቶስ ዝተገብረልና ክንርዳእ ኢሉ “ቀደም ካብ አምላኽ ዝርሓቕኩም ብሓሳብ ኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም፥ ንሱ ግና አበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገሩ አብ ቅድሚኡ ምእንቲ ከቁመኩም ብሞት ሥጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም” እናበለ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ይገልጸልና። ክርስትያን መንነቱ ክፈልጥ ንአምላኽ አብ ሕይወቱ ቀዳምነት ሂቡ ክነብር ንቅድስና ክለብሶ እዩ። ዘይናትካ ኮንካ ምንባር ንርክስትያን ክሳራ እዩ። አብዚ ሕይወት ጣዕሚ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝጎደሎ ክንመርሕ እንከሎና ንልብና ጸልማት ይጉልብቦ ሽዑ ባህሪ እንስሳ ወይ ዘይመፍቀር አምላኽ ለቢስና ንርእስና ተሃዊኽና ንኻልኦት ክንህውኽ ንነብር።

እምነትና ክንፈልጦ ክንምሃሮ ይግብአና። ኩሉ አብ ክርስቶስ ዝአምን ሰብ ንሓቂ ሒዙ ክጉዓዝ አፍልጦ እምነት ክህልዎ፥ ንእምነት ክፈልጥ ክምሃር ከንብብ ክሰምዕ ይግብኦ። ቤተ ክርስትያን አፍልጦና ክዓቢ በብእዋኑ መግለጽን ትምህርትን ትህበና። ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ፥ ጉባኤ ቫቲካን ዝአወጆ ክነንብብን ክንርዳእን፥ ንሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ፥ ብምልኡ ክነንብቦ ክንርድኦን ንሕተት አሎና። ግላውን ሓባራውን ጸሎታት፥ አስተምህሮታት ከምኡ ጉባኤታት ክንሳተፍ ሓደራ ትብለና አላ። እምነትና ክነብሮ ክንሰብኮ እንተ ኸአላና መንፈስ አምላኽ ንዓለምና ክወርዳ እዩ። ክንሕደስ ክንቅየር አብ ልብና አቲና ንኽአል።

ካልአይቲ ንባብና ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ እያ፥ ብዛዕባ ናይ እምነት መልሲ ይነግረና። አብ እምነት ምምላስ ምንሳሕ ጥራሕ እኹል አይኮነን ክንምልስ ክንክእል አሎና። እቶም ዝተመልሱ ንእምነቶም ብሓቂ ክነብርዎ ይግብኦም “ሓቛቚ ልብኹም ተዓጠቑ ከምኡውን ተጠንቀቑ፥ ተስፋኹም ከአ ብምሉኡ አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን፥ ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቐደም ደናቑር ከሎኹም እትገብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ አይትመነዩ” (1፡13-14) ይብል። ብኻልእ አዘራርባ ከም አምላኽ ክኾኑ እዩ ዝነግር ዘሎ። “አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ” (1፡16)። እምነት መጠን ዝዓበየሉ መጠኑ አብ አምላኽ ክኸውን አለዎ።

“አብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” እናበለ መጀመርያ እዚ እንነብሮ ዓለም ከም መገሻ ዝውዳእ ሓላፊ ምዃኑ ፈሊጥና ክነብር፥ ከምኡ ኩሉ ጊዜ ድኹማት ስለ ዝኾና ስኩፋት ክንከውን ንአምላኽ ርኢና ክንክእል እሞ ጉዕዞ ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ። ቅድስና ሓለዋ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ድላይካ እናገበርካ ዝርከብ ጉዳይ አይኮነን። ርእስና መሊኽና ነቲ እንስሳዊ ባህርና አቢና ነቲ አብ ቅድስና ዝወስደና አብ ገለ እዋን አንጻር ድለትናን ርድኢትናን ዝኾነ መገዲ ክንመርጽ ዝግድደና እዩ። ቅድስና ምርጫ አይኮነን ትእዛዝ እዩ። ናታትና ተራ ምቕባል እዩ፥ ናይ እዚ ኩሉ አብ አምላኽ ተስፋ ገርና ክንጉዓዝ እንከሎና እዩ።

ዋጋ ድኅነትና ርኢና ክንክእል እንከሎና ንጉዕዞ ቅድስና ሒዝናዮ አሎና ማለት እዩ። “ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝድኃንኩም እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም” እናበለ ጴጥሮስ ዝጸሓፋ ሎሚ ንአና እውን ዋጋ ድኅነትና ርኢና ክንክእል። ንአምላኽ ዝገበረልና ጸጋ በብእዋኑ ክንርኢ እሞ ናቱ ኮና ብምሉእ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ክነብር።

“ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቀደም ደናቑር ከሎኹም እትነብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ አይትመነዩ” (1፡14) ንዝሓለፈ ኃጢአትና ኃዲግና ሓዲስ ምዕራፍ ጉዕዞ ሕይወት ክንጅምር ይምዕደና። ንዓመታት እትጉዓዞ ዝነበርካ ክትሓድግ ቀሊል አይኮነን። አረጊት ድለታትና ተግባራትና ጸጸኒሖም አብኦም ክንምለስ እሞ ግዙአት ኃጢአት ኮና ክነብር እዮም ዝደልዩና። ግን ሎሚ ዝድለ ዘሎ ብንስሓ ሕይወትና ቀይርና ክንርከብ እሞ ንዝሓለፈ ከይንምለሶ ቍርጺ ፍቓድ ገርና ንቅድሚት ንጉዕዞ ቅድስና ክንምርሽ ንሕተት አሎና።

አብ አምላኽ ክንምለስ እንከሎና አብ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን አብ ሓድሳ ስድራ ኢና እንጽንበር። ተባሪርና ክነብር ናይ አምላኽ ድለት አይኮነን። አብ ቤትና ተመሊስና መንፈስ ደቂ ቤት ክህልወና ድላይ አምላኽ እዩ።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታን ዘሎና ርክብ ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክንርከብ፥ ንዝወደቕናዮ ክንስሓሉ ሓዲስ መንፈስን ሕይወትን ለቢስና ቅዱሳን ክንከውን፥ እምነትና ክነብሮ ክንሕድሶ ድላይ አምላኽ ምዃኑ ፈሊጥና ብእምነት ክንዓቢ “ኦ ጎይታና እምነት ወስኸና” ኢልና ክንልምኖ እሞ ንቅድስና ንሰላም ንንስሓ ናትና ኢልና ሒዝና ክነብር መብጽዓና እነሓድሰሉ ሰንበት ምዃኑ ፈሊጥና ዕርቂ ምስ አምላኽ ዕርቂ ምስ ከማና ሰብ ክንገብር ንሕተት አሎና።

ኦ ማርያም አደና ጣዕምን ቅድስናን ካባኺ ተማሂርና እሙናት አርድእቲ ወድኺ ክንከውን ለምንልና ጸልይልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 November 2019, 18:58