ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ 

ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ

እቲ ኣብ ከተማ መክሲኮ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ገይሩ ዝጠለቦ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ክኸውን እንከሎ

ኣብ መክሲኮ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዓውደ ጉባኤ ይካየድ ከምዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ብሱቕታ ዘይሕለፍን ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ዓቢይ ገበን ምዃኑ ዘዘዝኽኽርን ብፍላይ ነቶም ግዳይ ዝዀኑ ጽን ምባልን ምስማዕን ከምዘድሊ ዘተሓሳስብ ኰይኑ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ሓንቲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ግዳይ ዝዀነት ተወላዲት ቺለ ታሪኻ ከተዘንትው ምዃና ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝፍጸም ዓመጽ ዝከታተሉን ብቐረባ ዘጽንዑን ኢጣሊያዊ ኣባ ኣመደዮ ቸንቺኒ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ኣብ ምክልኻልን እቲ ክፍጸም ዝኽእል ዓመጽ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ትዝትይ፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ኣብ ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዕለት 6 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ከምእተጀመረን፡ ክሳብ ዕለት 8 ሕዳር ዝቕጽል እውን ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም። ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ልኡካን ወንጌል ገዳማትን ኣሕሉቕ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ክህልዎም ዝኽእል ግደን ሓላፍነትን እውን ብኣጽንዖት ዘመላኽት ከምዝኸውን ዝሓበሩ ፒያና ኣስዒቦም፡

ኣሰር እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ

እቲ ኣብ ከተማ መክሲኮ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መሰረት ገይሩ ዝጠለቦ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ዓቢይ ሰብኣውን መንፈሳውን ማሕበራውን ገበን ምዃኑ ኣስተውዒሎም ብጽንዓት ፊት ንፊት ብምግጣምን ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ክነቕሑ እንክብሉ ዘቕረብዎ ዕድመ ብምእንጋድ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ጉባኤ ንኽሳተፉ ዝተዓደሙ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣባል ኣባ ኣመደዮ ቸንቺኒ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጦም።

ኣደዳ ዝዀኑ ጽን ምባልን ምስማዕን ኣገዳሲ ተግባር እዩ

ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቺለ በቶም ገበነይን ምዃኖም ዝተረጋገጸ በኣባ ፈርናንዶ ካራዲማ ካብ ዝተዓመጹ ሓንቲ ተወላዲት ቺለ ታሪኻን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሌኣ ዝተፈጸመ ዓመጽን ከተዘንትውን እታ ተወላዲት ቺለ እተቕርቦ ናይ ምስክርነት ቃል ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑ ቃሎም ብምስማዕ ነዚ ዓይነት ገበን ሸለል ዘይትብሎን ኣብ ምክልኻሉ ብጽንዓት ከምእትዓዪ ትሓተትቲ ንግቡእ ሕጊ ከምእተቕርብ ዝምስክር ምዃኑ ዝገለጹ ፒያና ኣስዒቦም፡

ምሉእ ሓላፍነትካ ምቕባል

እቲ ናይ ላቲን ኣመሪካ ዓውደ ጉባኤ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽ ቤተ ክርስቲያን ብቐረባ ብምክትታል ሓላፍነታ ብምሉእ ተቐቢላን ከይሓባበኤት ብምግጣም ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕሚ ኰነ ብቕዓት ዘብሎምን ዝፍጸም ዓመጽ ንምዳህን ኩሉ ኣብ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ነቒሑ ክዓይን ብፍላይ ነቶም ግዳይ ዝዀኑ ብምስማዕ ተሓተትቲ ንግብእ ፍርዲ ንምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነ ተመሳሳሊ ዓመጽ ከይኽሰት ዘኽእሉ መርሓ ግብርታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ላቲን ኣመሪካ ቀዲምካ ንምክልኻል ዝመርሕ እውን ምዃኑ የመላኽቱ።

ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ
06 November 2019, 18:02