2019.11.15 Padre Renzo De Luca SJ 2019.11.15 Padre Renzo De Luca SJ 

ደ ሉካ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጃፓና ርህውነትን እንገዳን ዝብል መልእኽቲ ንኸቃልሑ

ህላዌ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ጃፓን ናብታ ሃገር ምስ ምእታው ቅዱስ ኢዩሱሳዊ ካህን ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ተተሓሒዙ ካብ 15 ክፍለ ዘመን ዝተበገሰ ምዃኑ

ተወላዲ ኣርጀንቲናን ገና ኣብ ኣርጀቲና ተመካሪ ኢየሱሳውያን ማሕበርን ደሓር እውን ተመሃራይን ካህንን እንከለዉ ኣብቲ እዋን ናይ ኢየሱሳያን ማሕበር ኣብ ኣርጀንቲና ሓለቓ ምስ ዝነበሩ ኣባ ኾርገ በርጐሊዮ ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓሚይቕ ቅርርብን ምሕዝነትን ዝነበሮም ደሓር እውን ብኣኦም ናብ ጃፓን ንኸገልግሉ ዝተላእኵ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዞባ ጃፓን ሓለቓ ኣባ ረንዞ ደ ሉካ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ወግዓዊ ተርጓሚ ኰይኖም ንኸገልግሉ ዝተሓርዩ ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቐዲሞም፡ ህላዌ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ጃፓን ናብታ ሃገር ምስ ምእታው ቅዱስ ኢዩሱሳዊ ካህን ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ተተሓሒዙ ካብ 15 ክፍለ ዘመን ዝተበገሰ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ካብቲ ርሑቕ እዋን ኣትሑዙ ዝተበገሰ ህላዌ ኢየሱሳውያን ነቲ ሎሚ ዝረአይ ዘሎ ጻማ ዘዕሰለ እዩ፡ ኣብ ጃፓን ዝተፈጸመ ኣሳዶ ማሕበረ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ስዒቡ እውን ዝተኸፈለ ናይ ደም ሰማዕትነት ነታ ኣብ ጃፓን ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንዲ እዩ፡ ሎሚ ናይ ጃፓን ቅዋም ሃገር ናይ ሃማኖት ናጽነት ዝፈቅድ ብምዃኑ ልኡካነ ወንጌል ብዘይ ጸገም የገልግሉ ኣለዉ ምስ በሉ፡ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ጃፓን 164 ኢየሱሳውያን ከምዘለዉን፡ መብዛሕቲኦም ኣብ መደብ ሕንጸት ዝተዋፈሩ ከምዝዀኑን፡ በቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ሶፊያ ዝህብዎ ኣገልግሎት ሕንጸትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝግለጽ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣርጀንቲና እንከለዉ፡ ኣባ በርጐሊዮ ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዓቢይ ተቕዋም ኢየሱሳያን ሓለቓ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዘኪሮም፡ ኣባ በርጎሊዮ ኣገልጋልን ንዅሉ ቀረባን እዮም ዝነበሩ ምስ በሉ፡ ብሓባር ኣብ ኣርጀቲና ምስ ኣባ በርጐሊዮ ዘሕለፍዎ ዓመታት ሎሚ እቲ ኣብ ሕይወቶም ጽንዓት ኰይኑ ዘሰንዮም ምዃኑ ሓቢሮም፡ ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ተሓርዮም ኣብ እምነት ንኸጽንዑና ናብ ጃፓን ክመጹ እዮም፡ ኣብዚ ናይ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻኦም ተርጓሚ ንኽኸውን ምሕራየን ብሓቂ ሓጐስ ይስምዓኒ ኢሎም።

ኣብ ጃፓን ከምቲ ቅድም ክብል ዝገለጽዎ 164 ኢየሱሳውያን ካህናት ከምዘለዉን፡ ካብ ኣርብዓ ሃገራት ካብ ዝርከባ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባይቲ ዝተዋጽኡ እያቶም፡ እዚ ዓለም ሓቀፋዊ ተክለ ሰብነት እዚ ብኣባ ፐድሮ ኣሩፐ (ኣባ ኣሩፐ ናይ ኢየሱሳውያን ቤት ሓለቓ ኣብ ጃፓን እንከለዉ) ዝተነቓቕሔ እዩ፡ ኣባ ኣሩፐ ቤት ኢየሱሳውያን ኣብ ጃፓን ዓለም ሓቀፋዊ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ ዝነበሩ እዮም፡ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ጃፓን 4 ኣባይቲ ትምህርትን ሓደ መንበረ ጥበብን ዘለዎን፡ ኣርባዕተ ናይ ሱባኤ ኣባይትን፡ ክልተ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማትን ከምዘለዎን፡ ቅዱስ ኣቦና ቀደም ኣብ ጃፓን ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንኸገልግሉ ዓቢይ ድላይ ከምዝነበሮም ኵሉ ዝፈልጦ እዩ፡

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ምስቶም ኣብ ጃፓን ዘገልግሉ ዘለዉ ልኡካነ ወንጌል ኢየሱሳውያን ክራኸቡን ቶክዮ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሶፊያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፡ ቅዱስነቶም ምስቲ ናይቲ ሓዋያዊ መገሻ ጻዕቒ መራሓ ግብርታት ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ንኽራኸቡን ኣብ መንበረ ጥበብ ሶፊያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምድላዮም ንኣባላት ኢየሱሳውያን ብሓቂ ዓቢይ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎም እውን ሓቢሮም፡ ናይቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ምክልኻል ዝብል እዩ፡ እዚ መርሕ ቃል ንናይ ውግእ ኣጽዋርን ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ኣብ ጃፓን ዓቢይ ሓደጋ ኰይኑ ዘሎ ዝለዓለ ናይ ዜጋታት ርእሰ ቅትለትን ብዝተፈላለዩ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ንዘጋጥም ህልቂትን ንናይ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘስካህክሕ ፍጻሜታትን ብሰፊሕ ዝትንክፍ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ደ ሉካ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ጃፓና ርህውነትን እንገዳን ዝብል መልእኽቲ ንኸቃልሑ
18 November 2019, 16:25