ትጽቢት ሕዝቢ ጃፓን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርኻብ ትጽቢት ሕዝቢ ጃፓን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርኻብ 

ትጽቢት ሕዝቢ ጃፓን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርኻብ

ሰማዕታት ጃፓን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ዓንዲ እያቶም፡ እቲ ዘሕለፍዎ ናይ 250 ዓመታት ስቓይን መከራን ታሪኽ ጥራሕ ዘዩይኰነ ህልውና ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝዀኑን፡ ኣብ ጃፓን ምዕዳንን ጻውዒትን ቅዱስ ኣቦና፡ ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ምኽባር ዝብል ከምዝዀነ ናይቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻኦ ሕይወት ምክልኻል ዝብል መለለዪን መርሕ ቃሉ የረጋግጾ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ገና ብዓንተውኡ ናይ ብዙሓት ኣቃልቦ ካብ ምስሓብ ሓሊፉ ዓቢይ ግዳሴ ዝወሃቦ ዘሎ ጉዳይ ኵይኑን፡ ብዙሓት ብሓንቀውታ ዝጽበይዎ ኩነት እውን ምዃኑ ኣብ ጃፓን ዘገልግሉ ዘለዉ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባል ማሕበር ሳቨርያኒ ኣባ ኣለሳንድሮ ቱርኮ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ እዞም ንሳላሳ ዓመት ኣብ  ጃፓን ዘገልግሉ ዘለዉ ኢጣሊያዊ ካህን፡ ኣብ ከተማ ኩማሞቶ ናይ እትርከብ ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ካብ ዝዀኑ ድማ ሳልሳይ ዓመቶም የቑጽሩ ከምዘለዉን፡ እቲ ንሶም ዝቕመጥሉ ከባቢ ብፈረንሳ ወንጌላዊ ልኡካን ኣቢሉ ቅዱስ መጽሓፍ ዝፈልጥን ምስ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተላለየን እዩ፡ ኣብቲ ንሶም ዝርከብዎ ዞባ ማሕበረ ክርስቲያን 330 ከምዝዀነ እውን ሓቢሮም።

ሕዝቢ ጃፓን ምስ ግዜ ዝጓየን፡ ጻዕራም ሕዝቢ እዩ፡ ንኣኣቶም ስራሕ ማለት ቡራኬ እዩ፡ ስለዚህ ካብ ስራሕ ወጻኢ ንኻልእ ነገራት ብዙሕ ግዜ የብሉን፡ ሰንበት ኣብ ቅዳሴ ክትረኽቦም ዓቢይ ዕድል እዩ ዝበሉ ኣባ ቱርኮ ኣስዒቦም፡ ብጀካ እቲ ካቶሊክ ማሕበረሰብ እቲ ካልእ ሕዝቢ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ዝፈልጦ ነገር የብሉን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኩለን መራኸቢ  ብዛዕባ መደብ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህብኦ ዘለዋ ሓበሬታ ምኽንያት ምስሎምን ምስሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ኩሉ ቤት ከምዝኣተወን። ቅዱስነቶም ኣብ ቶክዮን ናጋሳኪን ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ ዝደልዩ ዘይካቶሊካውን እውን ድሮ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጃፓን ንቕነቕሉ ዝዳለዉ ዘለዉ ብዙሓት እያቶም ኢሎም።

ሰማዕታት ጃፓን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ዓንዲ እያቶም፡ እቲ ዘሕለፍዎ ናይ 250 ዓመታት ስቓይን መከራን ታሪኽ ጥራሕ ዘዩይኰነ ህልውና ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኣታተወ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ኣብ ጃፓን እውን ይሰፍሕ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ንክርስቲያናዊ መዕበያ ብዙሕ ይሃስይ ኣሎ፡ ወለዲ እምነት ናብ ደቃቶም ናይ ምትሕልላፍ ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ተዳኺሙ ትርእይ፡ ይዅን ደኣ እምበር ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ዝኽበር ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ ኢሎም።

ኣብታ ብዙሕ ምንጻል ጽንስን ርእሰ ቅትለን ዝረኣየላን ብኣቶሚክ ቦምቢ ሞትን ዕንወትን ኣብ ዘጋጠማ ሃገረ ጃፓን ናይ ሕይወት ባህሊ ምስፋሕ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ እዩ ኸኣ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሕ ቃል ሕይወት ምክልኻል ዝብል ክኸውን ዝተወሰነ፡ ናይ ወንጌል ሕይወትን ሓሴትን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዞሞም። 

ትጽቢት ሕዝቢ ጃፓን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርኻብ
20 November 2019, 16:23