ሊቀ ጳጳሳት ዘኣለፖ፥ ኣባ በዶያን ናይ ሶሪያ ሰማእት እዮም ሊቀ ጳጳሳት ዘኣለፖ፥ ኣባ በዶያን ናይ ሶሪያ ሰማእት እዮም 

ሊቀ ጳጳሳት ዘኣለፖ፥ ኣባ በዶያን ናይ ሶሪያ ሰማእት እዮም

ኣብ ሶሪያ ዞባ ካኣሚክሊየ ንዝርከብ ኣርመናዊ ካቶሊክ ማሕበረ ክርስቲያን ንዝተቐትሉ ኣርመናዊ ካቶሊክ ካህን ኣባ በዶያን ዝነብዕ ዘሎ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝርከብን ኣባይቲ ስድራን ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ

ዕለት 11 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣባ ሆቭሰፕ በዶያንን ኣባ ኣብራሓምን ኣብ ሶሪያ ኣብ ምስራቓዊ ዳይር ኣዝ ዞር ናብ እትርከብ ቑሸት ቡሳይራ እናተጓዕዙ እንከለዉ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ብዝፈጸሞ ድብያ ከምእተቐትሉን ምስኦም ሓቢሮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዲያቆን ፋዲ ሳኖ እውን ከምዝቖሰሉን ምስ ተነግረ ንዕለቱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብ ሶሪያ ዞባ ካኣሚክሊየ ንዝርከብ ኣርመናዊ ካቶሊክ ማሕበረ ክርስቲያን ንዝተቐትሉ ኣርመናዊ ካቶሊክ ካህን ኣባ በዶያን ዝነብዕ ዘሎ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝርከብን ኣባይቲ ስድራን ንመላእ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ ቅርበተይን ጸሎተይን አረጋግጽ ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣለፖ ናይ ኣርመናዊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቡትሮስ ማራያቲ፡ ንነፍሰ ሄር ኣባ ኢብራሒም በዶያን ናይ ሶሪያ ሰማዕት እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ዳይር ኤር ዞር ከባቢ ንዳግማይ ሕንጸት ኣባይቲ ክርስቲያንን ኣባይቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣርመንን ተጸሚዶምን ዘገልግሉን ኣብ ሶሪያ ሰላም ንኽረጋገጽ ዘተን ርክብን ኣብ ምንቕቓሕ ኣብነት ምንባሮም ሓቢሮም፡ ኣባ በዶያን በቲ እስላማዊ መንግስቲ እተሰምየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝተቐትሉ ናይ እዋንና ሰማዕት ሶሪያ እንክብሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ኣባ በዶያን መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዘምሓላለፍዎ መልኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣስዒቦም እውን ቅዱስ ኣቦና ንዝሳቐዩ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ቀረባ ምዃኖም ኣብ ትዊተር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንናይ ካሚከሊ ኣርመናዊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝገለጽዎ ቅርበቶምን እምነትናን ተስፋናን ፍቕርናን ዝሕድስን ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ኣባ በዶያን ዘጸናንዕ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

ኣብ ሶሪያ ናይ ኣርመን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ናይ ዝርከባ ሰበኻ ቃክሺሊን ሃሳካህን ዳይር ኤር ዞን ሰሜናዊ ከባብ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ማራያቲ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ቱርኪ ሓይሊ ምክልኻል ኣብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳብው ከባቢ ሶሪያ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ናይ ኣርመን ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ኣቢያት ክርስቲያንን ናይ ኣርመን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ክርስቲያናት ከምዘዕነወን ኣባ በዶያን ነተን ዝዓነዋ ኣቢያተ ክርስቲያን ንዳግማይ ሕንጸት ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ ዝመርሑ ከምዝነበሩ እውን ሓቢሮም፡ ኣብ ከባቢ ቃምሺሊ ሰበኻ ተራዳኢ ሓዋርያዊ መስተናብር ኰይኖም እውን ዘገልግሉ ከምዝነበሩ ምስ ገለጹ፡ ቅዱስ ኣቦና ከምዝብልዎ ሶሪያ መሬት ሰማዕታት እያ። ሎሚ ብዅሉ ተረሲዓ ኣብ ዝተፈላለየ ውጥረትን ግጭትን ትርከብ፡ ሕዝባ ይሳቐን ይስደድን፡ ሕዝቢ ቅርበት ቅዱስነቶም ብቓልን ብግብርን ይሰምዖን ይርእዮን እውን ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሊቀ ጳጳሳት ዘኣለፖ፥ ኣባ በዶያን ናይ ሶሪያ ሰማእት እዮም
14 November 2019, 17:49