ናይ መላእ ሃገራ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት፡ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ንኤውሮጳ ምሕጽንታ እዩ ናይ መላእ ሃገራ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት፡ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ንኤውሮጳ ምሕጽንታ እዩ 

ናይ መላእ ሃገራ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት፡ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ንኤውሮጳ ምሕጽንታ እዩ

እቲ ንምፍራስ ናይ በርሊን መንደቕ ዝደረኸ ተስፋን ትጽቢታትን ምስቲ ምፍራስ ተተሓሒዞም ዝተነቓቐሑ ትጽቢታት ሎሚ ድሕሪ 30 ዓመት ምፍራስ እቲ መንደቕ ረውዩ ክበሃል ኣይከኣልን

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምፍራስ መንደቕ በርሊን፡ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት፥ ኤውሮጳውያን ንሓንቲ ናጻን ሕብርትን ኤውሮጳ ብዘተን ንናይ ሓባር መጻኢ ሰላምን ሓቢሮም ክዓዩ ዝብል ጻውዕቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓንቲ ሃገር ጀርመን ንኽልትተ ዝመቐለን ኣባይቲ ስድራን ኣዝማድን ኣሕዋትን ጐረባብትን ዝፈላለየ መንደቕ ዕለት 9 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ዝፈረሰ መንደቕ በርሊን፡ ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን ኣብ ሕዝብታት ጀርመንን ኣብ መንጐ እቶም ተፈላልዮም ዝነበሩን ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምርኻቦም ዝፈጠሮ ዓቢይ ሓጐስን ኣብ ናይ ኤውሮጳ ፖለቲካን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ክበሃል ብዝክእል ደረጃ እውን ዘነቓቐሖ ለውጥታት ኣብ መልእኽቶም ዘዘኻኸሩ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት እቲ መንደቕ በርሊን ካብ ዝፈረሰሉ ዕለት ዓለም ተቐይሩ እዩ ቢሎም፡ እቲ ንጀርመን ን28 ዓመታት ንኽልተ ዝፈላለየ መንደቕ ሎሚ ታሪኽ ኰይኑ ዝዝከርን ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን ዝተራእየ ሓጐስን ተስፋን ዳግም ምንቕቓሕን ምንባርን ኣብ ግብሪ ምትርጓም ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ንናጽነት መገዲ ዝኸፈተ ኵነት

እቲ ዝፈረሰ መንደቕ በርሊን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓቢይ ትምህርቲ እዩ፡ እቲ መንደቕ ናይ ፍልልያ ትእምርትን ኣብ ፖለቲካዊ ህልዩ ዝፍጠር ናይ ምግምማዕ ምልክታ እውን እዩ፡ ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ነርበዓ ዓመት ዝገዝእ መላኺ ስርዓት ዴስነት ከብቅዕ ዝገበረን፡ ንዓብይ ፖለቲካዊ ለውጥን ንናጽነትን መገዲ ዝኸፈተ ናይ ታሪኽ ኵነት እዩ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መልእኽቶም፡

ፈላላይ መናድቕ ምቛም ፈጺሙ መፍትሒ ኰይኑ ኣይፈልጥን

እቲ ንምፍራስ ናይ በርሊን መንደቕ ዝደረኸ ተስፋን ትጽቢታትን ምስቲ ምፍራስ ተተሓሒዞም ዝተነቓቐሑ ትጽቢታት ሎሚ ድሕሪ 30 ዓመት ምፍራስ እቲ መንደቕ ረውዩ ክበሃል ኣይከኣልን፡ እዚ ኸኣ እቲ ፈላላይ መንደቕ ክቐውም ዝገበረ ፖለቲካዊ ህልዩ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ምፍራስ እቲ ፈላላይ መንደቅ ተተሓሒዙ ከምዘይፈረሰ እዩ ዘመላኽት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ዓይነት ፈላላይ መናድቕ ኣብ ኤውሮጳ ዳግም ንምቛም ቅድድም ዝግበር ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ከም ክርስቲያን፡ ክርስቶስ ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ (ኤፈ. 2,14) ቢሎም፡ ዝኽሪ ምውዳቕ ናይ በርሊን መንደቕ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ጭቡጥ ኵነት ዝኽሪ ኣይኰነ፡ ነቢያዊ ማዕዝናት ዘለዎ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ፈላላይ መናድቕ ምቛም ፈጺሙ መፍትሒ ኣይኰነን ዝብል እዩ፡ ፈላላይ መንደቕ መፍትሒ ኰይኑ እውን ኣይፈልጥን፡ ስለዚህ ንዝበለጸትን ውህድትን ኤውሮጳ ብሓባር ምዕያይ ዝብል ምሕጽንታን ጻውዒትን እዩ፡ እቲ መንደቕ ንኽፈርስን ኤውሮጳ ብኽልተ ሳንቡእ ንኸተተንፍስን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበርከትዎ ወሳኒ ግደ ዘይርሳዕ እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ብሓባር ንውህደት ኤውሮጳ ምዕያይ

ናይ ዕርቅን ፈውስን ኪደት ነዊሕ እዩ፡ ሎሚ እውን እንተዀነ ናይቲ ዝሓለፈ መላኺ ስርዓት ዴስነት ንዘስዓቦ በደልን፡ ስቓይን ብምሕረትን ይቕረ ቢልካ ኣብ ዕርቂ ምንባር ቀሊል ኣይኰነ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ዕርቂ ኪደት ተዛዚሙ ቢልካ ክትገልጾ ዘይከኣል እዩ፡ ነቲ ኤውሮጳውያን እቲ ኣብ 1989 ዓ.ም. ናይ በርሊን መንደቕ ንኸፍርሱ ዘተባበዖም ናይ ተስፋን ናይ ዝበለጸ መጻኢ ትጽቢታት ዳግም ንኸነነቓቕሕ ንደልይ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ፥ ብሓባር ናጻ ንዝዀነት ኤውሮጳን ብዝተሓደሰ ባህልን ኣመለኻኽታን ሰገር ብዝዀነ ናይ ዘተ ኪደት ዝተሓደሰት ኤውሮጳ ንምሕናጽ መላእ ኤውሮጳዊ ብሓባር ክዓዪ ንላበው ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ኤውሮጳውያን ክብርታት

ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣብ ሓቀይና ጽን ናይ ምብህሃል ብቕዓት ዝጸንዔ እዩ፡ ከም ክርስቲያን ኣብሰርትን መሰኻኽርን ወንጌል ንምዃን ዝተጸዋዕና ኢና ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ምስጢር ወድ ሰብ ብሓቂ ግሉጽ ዝኸውን ኣብ ትስብእተ ቃል ጥራሕ እዩ (ፍስሓን ተስፋን ፍቕዲ 22 ረኣ)፡ ምእንቲ እዚ እቲ ኤውሮጳ መሰረት ቅዋሜኣ ዝዀኑ ተጊሁ ዝጸዓረሉ ፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ዝብሉ ዕሴታት ተጊሁ ዳግም ክዓዪ ሓደራ ቢሎም ከምዝዛዘሙ ሎሞናኰ ገሊጾም።

07 November 2019, 17:46