ሰላማውያን ኣብ ስደት - ኩርዳውያን ሰሜን ሶርያ ሰላማውያን ኣብ ስደት - ኩርዳውያን ሰሜን ሶርያ  

ዓለምለኸ ቤትምኽሪ ኣብያተክርስትያናትን ኣብያተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅን ውግእ ሶርያ ደው ይበል።

ካብ ዕለት ናብ ዕለት መልክዕ እናቀያየረ ብኢድ ኣእታውነት ርእሰ ሓያላን ዝኾና ኣመሪካን ሩስያን እትሕመስ ዘላ ሃገረ ሶርያ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከኣ ነቶም ንዓሠርተ ዓመታት ኣብ ጐድንኹም ኣሎና ብማለት ዘዕጥቕዎምን ንዝነበሩ ኩርዳውያን ኣመሪካውያን ምስ ጠለሙ ብዙሕ ገልታዕታዕ ኮይኑ ብዙሕ ሰብ ሕይወቱ እንክስእን ምስቲ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ውግእ ደው ይበል ዘተ ይገበር ኢሎም ዘቅረብዎ ጻውዒት ድምጾም ብምውሳኽ ዓለምለኸ ቤትምኽሪ ኣብያተክርስትያናትን ኣብያተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅን ውግእ ሶርያ ደው ይበል ኢለን ጸዊዔን።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይቲ ብWCC ዚብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ዓለምለኸ ቤትምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ዋና ጸሓፊ ኦላቭ ፊክስ ትቨ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ብስም እቲ ቤት ምኽሪ ` ኣብያተ ክርስትያን ዓለም ምሉእ እዚ ግጭት ናይ ውግእን ሕንፍሽፍሽን ሞትን ስቃይን ሕዝቢ ሶርያ  ደው ክብል ይምሕጸና ኣለዋ’ ክብል ብምጽሓፍ ነቲ ኣብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሶርያ መንግሥቲ ኢሉ ቆይሙ ዘሎን ብሓይሊ ውግእ ቱርኪ ዝምራሕ ዘሎ ዓመጽ ብዙሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ ገሊጾም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ‘ሕዝቢ ሶርያ ድሮ ዚኣክል ጭንቅል መከራን ምፍሳስ ደምን ዕንወትን ስደትን ስሒኑ እዩ። ሕጅስ ኩሉ ደው ኢሉ ግዜ ሰላምን ዘተን ፍትሒ ነቶም  ናይ ዓመጽ ግዳያትን ክርከብ ኣለዎ` ኢሎም።

ጻውዒት ቤትምኽሪ ኣብያተክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ

ምስዚ ናይ ዓለምለኸ ኣብያተ ክርስትያን ጻውዒት ማዕረ ማዕረኡ ዝጋዋሕ ዘሎ ካልእ ድምጺ እውን ኣሎ። እዚ ከኣ ኣባል ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ WCC ዝኾነ MECC ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ቤትምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕ እውን ብወገኑ ንፊደስ ዚበሃል ኣገልግሎት ዜና ከምዝሓበሮ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስት ካብ ኣንካራ ዝተበገሰ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ህልቂትን ጸገምን ምስቲ ኣብ ቀረባ ግዝያት ኣብ ኢራቅ ዝተከስተ ግጭት ተደሚሩ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቅ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ብጣዕሚ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ እዚ ውግእ እዚ ቀልጢፉ እንተዘይተቈጽዩን ኣብ ልዕሊ እቲ ብጣዕሚ ኣስጋኢ ዝኾነ ጸገም ሓድነትን ልዑላውነትን ሶርያ እቲ ድሮ ክንዮ ቁጽጽር ክኸውን ቀሪቡ ጸሎት ናይ ሚልዮናት ስደትን መከራን ኣብ ምሉእ እቲ ከባቢ ክልሕም ስለዝኽእል ብዝቀልጠፈ ውግእ ደው ይበል እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ኣብዛ ዝተባረኸት ዞባ ዘዕገርግር ዓመጽ ደው ነብል!

መራሕቲ ቤትምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ከም ፍታሕ ዘቅርብዎ ብቀንዱ ጸሎት እዩ። ‘እዚ ጉዳይ እዚ ብሓይሊ ጸሎት እንተዘይኮይኑ ብካልእ ክግታእ ጽጉም እዩ እሞ ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ደው ክብል ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ክሕሎ ንጸሊ። ከምኡ እውን ማዕረ ጸሎት መሰል ሕዝብታት ንርእሰ ውሳኔስ ይኹን ንካልእ ፍትሓውን መሰላውን ጉዳያት ነጻነት ክ ወሃቦም ንቃለስ። በዚ ነፍሲ ወከፍ ሰላም ንምህናጽ ሓባራዊ ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ` እንክብሉ ንመላእ ነበርቲ ናይቲ ዞባ ብጸሎት ክብርትዑ ጸዊዖም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 October 2019, 18:25