2019.11.03 ዝኽሪ ኩሎም ቅዱሳንን ሱታፌ ቅዱሳንን 2019.11.03 ዝኽሪ ኩሎም ቅዱሳንን ሱታፌ ቅዱሳንን 

፭ይ ሰንበት ዘጽጌ 23 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም (11/3/2019)

መዝሙር፡ በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት ቆመ በረከት. . ክረምቲ ብግዚኡ ሓሊፉ በረኸት ተተኺሉ፥ ዕምባባታት ዓምቢቡ፥ አብ ገነት ናርዶስ ቃርፋን ለሚንን ትርንጎታትን ፈረየ፥ ክርስቶስ ሰንበት ሰርዐ፥ ሰናይ ንዝጸገውና ነመስግኖ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ሮሜ 5፡5-11፥ ያዕ 2፡5-14፥ ግ.ሓ. 4፡31-ፍ፥ ዮሓ 6፡37-40  ምስባክ “ አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኀ፥ ወአንተ ገበርከ አድባረ ወምድረ ኩሎ፥ ክረምተ ወሓጋየ ዘአንተ ፈጠርከ”። መዓልትን ለይትን ፈጠርካ ወርኅን ፀሓይን ገበርካ፥ ንምድሪ ወሰን ገበርካላ ሓጋይን ክረምትን ፈጠርካ” መዝ. 74፡16~17።

፭ይ ሰንበት ዘዘመነ ጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ክረምቲ ሓሊፉ ምድረ ሰማይ ፍረ በረኸት ንኹሉ ሂቡ ኩሉ ፍጡር “ተመስገን” ዝብለሉ እዋን ኢና ዘሎና። ንአምላኽ ተመስገን ክንብሎ ይግባእ በብእዋኑ ብዝተፈላለየ ጸጋታት ኩሉ ንዝሃበ ብፍላይ አብዚ ዓመት አብ ሃገርና ብእንሰምዖ ጽቡቕ ክራማት ስለ ዝነበረ ሓረስታይ ፍረ ጻምኡ ክረክብ ብዙሕ ተስፋ አብ ዘለዎ ጊዜ ተመስገን ክንብል እዋኑ እዩ። ንዓመታት መሬት ተሓሪማ ምድረ ሰማይ እንስሳ ዘቤትን ዘገዳምን ዝጸንቱሉ እዋን ኢና አሕሉፍና፥ ሩባታትና ዝስተ ማይ ተሳኢንዎም ዔላታትና ነቒጾም ፍጡር ዘበለ ሓሲምዎ እዩ ነሩ ሎሚ ግን እንተ ወሓደ ዝስተ ማይ እኳ ይርከብ እሞ ነቲ ውሃብ ኩሉ ነመስግኖ።

ትማሊ አብ ስርዓት ላቲን ዝኽተሉ ካቶሊካውያን “ዕለተ ሙታን” ኢሎም ንኹሎም ሙታን ዘኪሮም ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ዓሪጉ። ብዓርቢ ከአ “መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳን” ተባሂሉ ንኹሎም እንፈልጦምን ዘይንፈልቶምን ቅዱሳን ከቢሩ ውዒሉ፥ እዚ ብዓል አብ ምስራቕ አብ ፬ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ካብኡ ናብ ምዕራብ ተዘርጊሑ። እዞም ኩሎም ቅዱሳን እንብሎም ኩሎም እቶም አብ መንግስተ ሰማይ ዘለዉ ቅዱሳን ዘጠቓለለ እዩ። “ዕለት ሙታን” ዝብል ግን አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ እዩ ዝዝከር፥ አብ ምስራቓዊ ባህሊ አብ ብዙሓት ቀዳም ቀዳም ሙታን ይዝከሩ እዚ ኸአ አብቲ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤ ስለ ዘተሓሕዝዎ እዩ።

ቤተ ክርስትያን ብሓበራ ብዛዕባ አመንቲ ክትዛረብ እንከላ ኩሎም ብጥምቀት አብ እምነት ክርስቶስ ዝሓበሩ ሕብረት ቅዱሳን “Communion of Saints” ትብሎ። ቅዱሳን ዝብል ቃል አብ ቅዱስ መጽሓፍ ክጥቀስ ከሎ ብፍላይ አብ ሓዲስ ኪዳን ንኹሎም ዝተጠምቁ አባላት ማሕበር ክርስትያን ዘጠቓለለ እዩ።

ሕብረት ቅዱሳን ብሰለስተ ጋንታ ዝቖመ እዩ። ቀዳማይ እቶም ብግቡእ ቅዱሳን ዝብሃሉ ዝሞቱ እሞ አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ቆይሞም ዘለዉ ንዘለዓለም ምስ አምላኽ ዝነብሩ። ካልአይ ጋንታ አብዚ ዓለም ዝነብሩ አባላት ናይ እታ አብ ንግደት እትርከብ ቤተ ክርስትያን ምስ አምላኽ አብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጎስ ክራኸቡ አብ ጉዕዞ ዘለዉ። ሳልሳይ ጋንታ ኸአ እዞም ሎሚ እንዝክሮም ዘሎና እዮም። መይቶም ዘለዉ ግን ጌና ምስ አምላኽ ገጽ ንገጽ ክራኸቡ ዘይክአሉ። ኩላትና ክንርድኦ ከም እንኽእል ፍጹማት አይኮናን ጌና ቅድሚ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ምባልናን አብቲ ዘለዓለማዊ ተሓጓስ ምእታውና ክንሓልፎ ዘሎና መጻረይ ጊዜ ወይ ቦታ ክህሉ ግድን እዩ። ምስ ኃጢአት ከሎና ምስ አምላኽ ክንራኸብ አይክአልን እዩ። ብዛዕባ ንስሓ ቦታ ከመይ ምዃኑ ክነስተንትን ክንፈልጥ ንአና ዘገድስ አይኮነን።

ሎሚ ክንገብሮን ክንሓስቦ ዘድሊ እቶም አብ ሰማይ ምስ አምላኽ ዘለዉ ቅዱሳንን ንሕና አብ ምድሪ አብ ጉዕዞ ዘሎናን ጥራሕ ኢና ነዞም አብ ንስሓ ቦታ ዘለዉ እንሕግዝ። ምስ አምላኽ ገጽ ንገጽ ክኾኑ ብጽቡቕ ስራሕናን ጸሎትናን ክንሕግዞም ንኽእል በዚ ሓሳብ ከአ ምእንቲ ኩሎም ሙታን ነዚ ቅዱስ መስዋዕተ ቅዳሴ ነዕርግ አሎና።

ኩሉ ግዜ ንሙታን ዘኪርና ጸሎትን ሰናይ ግብርን ክንገብር ጽቡቕ እኳ እንተ ኾነ ሎሚ መዓልቲ ግን ፍሉይን ዝበለጸን ዕለት እዩ። ነቶም ናይ ቀረባ አዝማድናን ፈተውትናን ሰብ ጽቡቕናን ክንዝክሮም ባህርያዊ እዩ ግን ነቶም ወላ ሓደ ዘይዝክሮም ክንሓስብ ይግባእ። ሓደ ዝዝክሮም ዘይብሎም ንሕና ኢና ክንዝክሮም ዘሎና በዚ ምኽንያት እዩ እዚ ዕለት ፍሉይ እዩ እንብሎ።  

አብ እምነትና መሰረት ዝኽረ ሙታና ሓደ ካብቲ ቀንዲ እዩ፥ ሰብ መወዳእትኡ አብዚ ዓለም አይኮነን ካብዚ ዝተፈለን ዝበለጸን መንግስተሰማይ ነቶም ኩሎም ጽቡቕ እናገበሩ ዝሓለፉ እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ሞገስ ዝረኸቡ፥ ነቶም መገዲ አምላኽ ሓዲጎም አብ ኃጢአትን ክፍአትን ዝነብሩ ከይተነስሑ ዝሞቱ ኸአ ዕጭኦም ገሃነም እሳት እዩ። ስለዚ እዚ እንነብሮ ዓለም ግዝያዊ እዩ ኩልና አብ ጉዕዞ ሞት ኢና ዘሎና። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብግሉጽ ዝኽረ ሙታን ብፍላይ ነቶም አብ ንስሓ ቦታ ዘለዉ ክንጽልየሎም ከምዝግባእ ዝሕብር አብ 2መቃ 12፡42-46 ዘሎ እዩ።

ዕለተ ሙታን ብ1048 ብዕሊ ክዝከር ዝጀመረ አብ ዓዲ ፈረንሳይ አብ ገዳምት እዩ ካብኡ ቀስ ብቐስ አብ ኩሉ ተዘርጊሑ። ነዚ ዝመስል አብ ሃገርናን ባህልናን ሓደ ጽቡቕ ነገር ዘሎ ነቶም ብሞት ዝተፈልዩና፥ ዓሱር፥ አርብዓ፥ መንፈቕ፥ ዓመት፥ እናበልና ሙታና ንዝክሮም መስዋዕተ ቅዳሴ ነዕርገሎም፥ ከምኡ በብእዋኑ ፍሉይ ጸሎት ገርና ንዝክሮም ከምኡ ምእንትኦም ፍሉይ መባእን ህያብ ንጽጉማት ነወፊ፥ ንዝኽሮም ዝኸውን ዝበልናዮ ነወፊ። እዚ ምስቶም ቅድመና ዝሓለፉ የራኽበና።

አብ ስርዓት አምላኾና “ጸልዩ በእንተ እለ ኖሙ” ኢልና ኩሉ ጊዜ ሙታን ንዝክር። ጸሎትና ከምዝጠቕሞም ስለ እንአምን ነቶም አብዚ ምድሪ እንከለዉ ዘይተነስሑሉ ንእሽቶይ ኃጢአት አምላኽ ክምሕሮም ንጽልየሎም።

ሙታና ክንዝክር ባህርያዊ እዩ፥ አብ ክርስትናን ብሞት ዝሓለፉ ቅድሚ አብ ቅድሚ አምላኽ ገጽ ንገጽ ደው ምባሎም ብንስሓ ቦታ ይሓልፉ፥ አብ ንስሓ ቦታ ንርእሶም ክጽልዩ አይክእሉን እዮም ንሕና ኢና እንጽልየሎም፥ ምእንት ርእስና እንጽልየሉ ጊዜ አብዚ ዓለም እንከሎና ጥራሕ እዩ ስለዚ ንሕና መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርገሎም ብስሞም ዝተፈላለየ ሰናይ ነገር ክንገብረሎም ከምኡ ኩሉ ጊዜ ክንዝክሮም እንከሎና አብ ቅድሚ አምላኽ ዓስቢ አልኦ።

እዞም ሎሚ ዘኪርናዮም ዘሎና አብ ጉዕዞ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዘለዉ እዮም፥ በዚ አጋጣሚ እውን ፍሉይ መዘኻኸሪ አብ ርእስና ተመሊስና አብ ጉዕዞ ሰማይ ከምዘሎና ክንሓስብ እሞ ጉዕዞና ክነጣጥሕ፥ ነፍስወከፍና ሎሚ ሓንቲ መዓልቲ አብ ዕለተ ሞቱ ቀሪቡ አሎ። ሓደ መዓልቲ ሞት ክትመጽአና እያ ግን ክትስዕረና አይክአልን እዩ። ኦ ሞት ካባኺ ክንምልጥ አይንኽእልን ኢና፥ ካባኺ ክንሃድም ንደሊ እንተ ኾነ ካብ መጀምርያ ናባና ገጽኪ ኢኺ እትመጽኢ፥ ሰይጣን አብ ዓለም ሞት ምስ አእተወ ኩሉ ጊዜ ምሳና አላ። ሞት ምሕረት ዘይትገብር ሕይወት አብዚ ዓለም እተጥፍእ እያ። እንተ ኾነ ዓወት ናታ አይኮነን። ክርስቶስ ካብ መቓብር ተንሢኡ ብርሃኑ አብ ኩሉ ጸልማት በሪሁ አሎ። ንአልአዛር ካብ መቓብር አትንሢኡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን አምጺኡ ነጻ ገርዎ ስለዚ ብሳላ ክርስቶስ ኩሉ ጸጋ ብርሃን ስለ ዝተዓደልና ዘንጊዕና ወዲቕና ካብ አምላኽ ርሒቕና እንከሎና ሞት ከይትመጽአና ሎሚ ክንሳሕ አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ።

ሓደ እዋን ሓደ ለባምን ጥበበኛ ንጉሥ ንሓደ ብጣዕሚ ሃብታም ዝኾነ ሰብ ክበጽሖ አብ ገዝኡ ከይዱ። እቲ ሃብታም ንንጉሥ ዝግባእ አቀራርባ ገሩ ኩሉ ቤቱ ሸሊሙ ዝተፈላለየ ጽቡቕ መግቢ አሰናድዩ ተቐቢልዎ። ድሕሪ ምሳሕ እቲ ሃብታም ተንሢኡ ንንጉሥ እና አመስገነ ሰበይቱን ደቁን ኩሉ ናቱ ዘበለ ገሊጽሉን አላልይዎን። እቲ ንጉሥ ብልቡ አመስጊኑ፥ ድሕሪ ምምስጋን ከምዚ እናበለ ሓቲትዎ ነዚ ከምዚ ዝበለ ጥዑም መግቢ መን ገርዎ? እቲ ሰብአይ ብርእሰ ምትእምማን እቶም ንፉዓት መገብተይ (አብ ኩሽነ ዝሰርሑ) ኢሉ መሊሹ፥ እንደገና እቲ ንጉሥ መን ሸሊምዎ ነዚ ጽቡቕ አዳርሽ እናበለ ሓቲቱ። እንደገና እቲ ሰብአይ “አገልገልተይ” እናበለ መሊሱ። አብ መወዳእታ እቲ ንጉሥ ነዞም አገልገልትኻ ክረኽቦም እኽእል ድየ ኢሉ ሓቲቱ። እቲ ሰብአይ ተሓጒሱ ልኢኹ ንኹሎም ጸዊዕዎም እዚ ኦዮም እቶም ንፉዓትን ትጉሃትን እናበለ አቕሪብዎም። እቲ ንጉሥ ካብ መንበሩ ተንሲኡ እወ ብሓቂ እዚኦም እዮም እቶም ፍሉጣት ጀጋኑ ናይ እዚ ምሸት እናበለ ከመስግን ጀሚሩ። እናመስገነ ንነፍስወከፎም ንምሉእ ሕይወቶም ዝኸውን ፍሉይ ህያብ ሂብዎም። እቲ ንጉሥ ብሓቂ ለባምን ፈላጥን እዩ ነሩ፥ ነቶም ቀንዲ ነቲ ምሽተ ዘማዕረጉ መግቢ ዝሰርሑን ነቲ አዳራሽ ዝሸለሙን ብምፍላጡ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ነቶም ብዙሕ ዘይንፈልጦምን ዘይነስተውዕለሎምን ብሞት ዝሓለፉ ቁምነገረኛታ ሰባት ታሪኽ እምነትና ብትሕትና ዓበይቲ ነገራት ዝገበሩ አላልያ ዘኪራቶም አላ። ንሳቶም ሓለውቲ እምነት፥ ብትሞም ዝሰብኩ፥ ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ነቲ ኹሉ ሕይወት ክርስትናና እምነትና ሕያው ዝገበሩ እዮም። ነቲ ዘርአይዎ ትሕትናን፥ ትግሃትን፥ እምነትን ዘኪርና አምላኽ ደገሰማይ ክኸፍተሎም እሞ ጻምኦም ክህቦም ንጽልየሎም አሎና።

አብ ነብይ ኢሳያስ አብ 25፡6-9 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር አብ እምባኡ ንኹሎም ዓቢ ምሳሕ ከዳሉ እዩ ይብል እዚ ኸአ ነቶም ብሞት ዝሓለፉ እዩ ዘስምዕ። እዚ ምሳሕ እዚ ከብ ራእይ ዮሓንስ ከምእንረኽቦ ነቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ ንኽዳውንቶምውን ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘፃዕደዉ እዮም ስለዚ አብ ቅድሚ እቲ ዝፋን አምላኽ እነዉ፥ አብታ መቕደስ እውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ እቲ አብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኽአ ድንኳኑ ተኺሉ ኬጽልለሎም እዩ” (ራእ 7፡14-15) ይብል። ነቶም አብ ቅድሚ አምላኽ እሙናት ኮይኖም ዝተረኽቡ ክነምስግን ድላይ አምላኽ እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ ንባብና አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ተስፋ ከይተፈጸመ አይተርፍን እዩ ምኽንያቱ “አምላኽ ፍቕሩ በቲ ህያብ አምላኽ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ አብ ልባትና ስለ ዝኃደረ አይክንሓፍርን ኢና” (ሮሜ፡5፡5) ይብል፥ በዚ ምኽንያት ዕለት ሙታን ነብዕል። እታ አብ ኢየሱስ ዝነበረቶም ተስፋ አይክትሓግጎምን እያ፥ እምነትና እውን ብዙይ ተስፋ አይትሓድገናን እያ። ንሳቶም ብዛዕባ ክርስቶስ ሰሚዖም፥ ተቐቢሎሞ አብኡ ኸአ አሚኖም። ሎሚ እንጽልዮ ዘሎና ብምሉእ ልብና አብ ቅድሚ አምላኽ ከይቆሙ ዝኽልክሎም ከይርከብ እሞ አብ ሰመያዊ ቤቶም ክአትዉ ኢና እንጽልየሎም ዘሎና። ናይ ሎሚ ብዓል እምብአር ተስፋናን እምነትና ዘጽንዕ እሞ ሓንቲ መዓልቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ከምእንኸውን ዘዘኻኽርን ሕይወትና ርኢና ክንጉዕዝ ዝሕግዝ ፍሉይ ዕለት እዩ።

ማርያም ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ከምዝፈለሰት ንአምን ኢና አብ የማን ወዳ ኮይና ንግስተ ኩሎም ቅዱስን ትብሃል። ንሳ ናይ ኩልና አብነትን አደን እያ። አብዚ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወትና ከይንደክም ከይንዝንግዕ ሓግዝና ንበላ። ከምኡ ነቶም ብሞት ዝሓለፉ ኩሎም ነቲ አብ ምድራዊ ሕይወቶም ዝገበርዎ ምሒሩ አብ ሕቝፉ ክቕበሎም ንልምነኪ አሎና ንበላ።

አምላኽ ብሞት ንዝሓለፉ ኩሎም አብ ሰማይ አብ ሕቕፉ ተቐቢሉ አብዚ ዓለም ንዘሎና ኸአ ብቅድስና ሕይወትና ክንመርሕ ጸግኡ የውርደልና። በረኸትን አማልድነትን ወላዲቱ አይፈለየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

31 October 2019, 17:29