2019.08.30 celebrazione della settimana liturgica in Italia 70 anni, Santuario della Madonna del Divino Amore 2019.08.30 celebrazione della settimana liturgica in Italia 70 anni, Santuario della Madonna del Divino Amore 

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፡ ናይ ስነ ሕንጻ ሰብ ሙያ ማሕበረሰብ ከኽብርን፡ ቅዱስ ስፍራ ከይዕምጽን

ከምዘለዉን፡ ክንየው ጭቡጥ ቦታ ብዝብል ቲዮሎጊያውን ጥበባውን ፍልስፍናውን ኣምር ዝተማረኹን እቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ዝካየድ ዓውደ ዘተ ነዚ ኣምር ዘርእይ ብምስሊ ዝተቐረጸ

ዝተባርከ ቦታ ምሕናጽ፥ ሃይማኖታዊ ስነ ሕንጻ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽርን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስዊዘርላንድ ትምህርተ ተቕዋም ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ ጥበብን ኣብ ፓንተዮን ተኣማንያዊ ስነ ጽሑፍ ቤት ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ዓውደ ዘተ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝተባርከ ስነ ሕንጻ ዘማእከለ፡ ኣብ መንጐ ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ባህልን ናይ ቅዱስ ስነ ጥንተ ቅዱስ ታሪኽ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ድርገትን ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚን ተወላዲ ስዊዘርላንድ ናይ ስነ ሕንጻ መንበረ ጥበብ ሜንድሪሲያን ተቕዋም መስራትን ኣብቲ ተቕዋም መምህርን ናይ 2018 ዓ.ም. ራትዚንገር-በነዲክቶስ መበል 16 ሽልማት ተሰላምን ማሪዮ ቦትታን ሰፊሕ ዘተ ከምእተኻየደ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሶቲ ኣስዒበን፡

ክንየው ጭቡጥ ቦታ፡ ቅዱስ ኣብ ናይ ቦታ ስራሕ

ናይ ስነ ሕንጻ ሊቅ ማሪዮ ቦትታ ስራሕን ጥበብን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ውሩይ ፍሉጥን ክኸውን ከምዝገበሮምን፡ ካብ በርገሳውያን ሕንጻታት ክሳብ ኣባይቲ ክርስቲያንን ብዘለዎም ናይ ስነ ሕንጻን ንድፍን ሊቕነት መሪሖም ዝሓነጹን፡ ኣባይቲ መዘክራትን ናይ እዋናዊ ስነ ቅብእን ንድፍን ቤተ ምርኢትን ኣብ ክሮኣሺያ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን እንድሪያስን ገዳም ዝሓነጹን፡ ኣብ ኢጣሊያ ፐርደኖነ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ኦዶሪኮ ዝሓነጹን ኣብ 75 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ቻይና ዝሕነጽ መስጊድ የጽንዑን ይነድፉን ከምዘለዉን፡ ክንየው ጭቡጥ ቦታ ብዝብል ቲዮሎጊያውን ጥበባውን ፍልስፍናውን ኣምር ዝተማረኹን እቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ዝካየድ ዓውደ ዘተ ነዚ ኣምር ዘርእይ ብምስሊ ዝተቐረጸ ምርኢት ከምዝቐረበን፡ ድሕሪ እዚ ዝቐረበ ምርኢት ነቲ ዓውደ ዘተ ዘበገሱ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ከምዝዀኑ ገሊጸን፡ እቲ ዓውደ ዘተ ብመንጐይናነት ዝመረሑ ናይ ስነ ሕንጻን ንድፍን ሊቅ ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ጥበብን ፓንተዮን ተኣማንያዊ ስነ ጽሑፍ ቤት ትምህርቲ ኣቦ መንበር ፒዮ ባልዲ ከምዝዀኑ ኣፍሊጠን።

ዝተባርከን ቅዱስ ስፍራን፡ ሃይማኖታውን ናይ ምህለላን ስፍራ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ እግዚኣብሔር መንበሪ እውን እዩ፡ ክንየው ግዜን ቦታን ዝዀነ ደረት ሰገር መግለጽን፡ ፍጥረት ሰብ ጐዶሎኣውነቱ ካብ ምስትውዓል ዝነቐለ ንምሉእነት ዘለዎ ናፍቖት ዝገልጸሉ ስፍራ እዩ፡ ስለዚህ ናብ ምሉእነት ዘማዕድው ጐዶሎነት ዝእንገደሉ ስፍራ እዩ፡ ስነ ሕንጻ እምነት ክህልዎ ግድን ኣይኵነን፡ ምስ ኣማንያን ግና ዝዛተይ እዩ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጡ ዝእንገድ ማሕበረሰብ ይዛተይ። ኣብ ኦሪት ኦሔል ሞኦድ ዝብል እብራይስጥ ቃል ኣሎ፡ እዚ ቃል’ዚ ትርጉሙ ዳስ ማለት እዩ፡ መራኸቢ፡ ምስ እግዚኣብሔርን ሰብ ንሓድ ሕድ ብምኽንያት ኣአንጊዱ ዘራኽብ፡ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ነዚ ሓሳብ እዚ ብሰፊሕ ዝተመያየጠ ምንባሩ ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፡ ናይ ስነ ሕንጻት ሰብ ሙያ ማሕበረሰብ ከኽብርን፡ ቅዱስ ስፍራ ከይዕምጽን
31 October 2019, 18:10