ፖላንዳዊ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ስተፋን ውይችይንስኪ ብፅዕና ክእወጀሎም እዩ ፖላንዳዊ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ስተፋን ውይችይንስኪ ብፅዕና ክእወጀሎም እዩ 

ፖላንዳዊ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ስተፋን ውይችይንስኪ ብፅዕና ክእወጀሎም እዩ

ኣብ 1981 ዓ.ም. ዝዓረፉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ስተፋን ውይችይንስኪ ናይ ፖላንድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዳምዊ ዝነበሩን ሃገሮምን ሕዝቦምን ኣብ እዋን መግዛእቲ ስርዓት ናዚን ደሓር እውን ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ዝተኸላኸሉ ኣቦ ፖላንድን ፖላንዳውያንን ተባሂሎም ዝጽውዑ

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፖላንዳዊ ካርዲናል ውይችይንስኪ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ካብ እትእውጀሎም፡ ኢጣሊያዊ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ሞቶላን ክልተ ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ 23 ዓመት ዕድመኣ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት መንእሰይ ኣባል ማሕበረሰብ ዮሓንስ መበል 23 ኣለሳንድራ ሳባቲኒን ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ 19 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ስፐይን ዝተቐትለ መንእሰይ ጆቫኒ ሮኢግ ይ ዲግለን ኣብ 1941 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ዝተቐትለት መንእሰይ በኒኛ ካርዶሶ ዳ ሲልቫ ካብ ዝርከብዎ ኣገልግለቲ እግዚኣብሔር ሓደ ከምዝዀኑን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ደካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 1981 ዓ.ም. ዝዓረፉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ስተፋን ውይችይንስኪ ናይ ፖላንድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዳምዊ ዝነበሩን ሃገሮምን ሕዝቦምን ኣብ እዋን መግዛእቲ ስርዓት ናዚን ደሓር እውን ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነት ዝተኸላኸሉ ኣቦ ፖላንድን ፖላንዳውያንን ተባሂሎም ዝጽውዑን፡ ወርሒ ጥሪ 1953 ዓ.ም. ካርዲናል ተሰምዮም፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፖላንድ ናይ ታሪክ ማህደር ዝዝከር፡ ሃገሮም ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን ናጻን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክገሃስ ዘይብሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ጸጋ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእክትን፡ ንሓደ ሰዓቢ ክርስቶስ ዝዀነ ደቀ መዝሙር እቲ ዝዓበየ ሓጥኣት ፍርሒ እዩ፡ ሓደ ሓዋርያ ክፈርሕ ክጅምር እንከሎ ምስ ጸላኢ ዘተሓባባር ቀዳማይ ስጉምቲ ዝፍጽም ይኸውን፡ ዝበልዎን ፈራሕ ምዃን ምስ ጸልኢ ውዕሊ ምእታው ማለት እዩ ዝበሉን ቤት ማእሰርትን መግረፍትን ስቓይን ዝተጻወሩን ካብ ቤት ማሕቡስ ወጺኦም ናብ መንበረ ሰበኻኦም ዝተመልሱን እዮም።

ኣብ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸትን ክህነታዊ ጸዋዕታን እወታዊ ተጽእኖ ዝነበሮምን ነቶም ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ንዘተሓርዩ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብነት ከምዝነበሩን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ውይችይንስኪ ምስ ዓረፉ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ውይችይንስኪ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቫርሳቪያን ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖላንድ ሕዳሴን ለውጥን መፍትሕ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ይዝከር።

ፖላንዳዊ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ስተፋን ውይችይንስኪ ብፅዕና ክእወጀሎም እዩ
04 October 2019, 18:25