ኤኳዶር፡ ስምምዕ ኣብ መንጐ መንግስትን መራሕቲ ደቀባትን ኤኳዶር፡ ስምምዕ ኣብ መንጐ መንግስትን መራሕቲ ደቀባትን 

ኤኳዶር፡ ስምምዕ ኣብ መንጐ መንግስትን መራሕቲ ደቀባትን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይቶም ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ስዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኤኳዶር ብፁዓን ጳጳሳትን ወከልቲ ቀዳሞት ደቀባትን ሻቕሎት ናቶም ገይሮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኤኳዶር ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ደቀባት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ንጽባሒቱ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሞረኖን ናይ ኤኳዶር ደቀባት መራሕትን ብዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ፡ መንግስቲ ነቲ ኣቕርቢዎ ዝነበረ ጽኑዕ ናይ ቁጠባ ሕገ ንድፊ ከምዝኣለዮ ኣፍሊጡን፡ እዚ ስምምዕ’ዚ ነቲ ደቀባት ዘካይድዎ ዝነበረ ሕዝባዊ ናዕቢ መፍትሒ ክረክብ ከምዝገበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤኳዶር ማሕበራዊ ሰላም ክረጋገጽን ንሕዝቢ ብፍላይ ነቶም ተኣፈፍትን ድኻታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣተኵሮ ክግበር ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይቶም ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ስዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኤኳዶር ብፁዓን ጳጳሳትን ወከልቲ ቀዳሞት ደቀባትን ሻቕሎት ናቶም ገይሮም ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብዘይ መልሲ ከምዘይተረፈ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ሕዝባዊ ናዕቢ ከብቅዕ

ነቲ ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ዝተኻየደ ሕዝባዊ ናዕቢ ናይ 7 ዜጋታት ሕይወት ዘኽፈለን በቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ደቀባት ሕብረተሰብ ኤኳዶር መራሕትን ብዝተበጽሔ ስምምዕ መሰረት እቲ መንግስቲ ካብ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ሃብቲ ገንዘብ 4,2 ሚሊዮን ልቓሕ ንኽረክብ ኣብ ሃገሩ ከተግብሮ ዝግብኦ እዚዩ ኣብ ቆጣብነት ዘማእከለ ናይ ሕዝቢ መሰረታዊ ድላይ ዕሽሽ ዝብል ናይ ኤኮኖሚ መምርሒ ከጽድቕ ዝብል ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዝሓንጸጾ ናይ ኤኮኖሚ ሕገ ንድፊ ክውገድ ከምዝገበረን፡ እቲ ናይ ደቀባት ኤኳዶር መራሕቲ ብኻይመ ቫርጋስ ተመሪሑ ምስ ርእሰ ብሔር ለኒን ሞረኖ ዘካየዶ ዘተ ብናይ ሓባር ስምምዕ መዕለቢ ክምዝረኸበን፡ ብፍላይ መንግስቲ ነቲ ልዕሊ 40 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ መንግስቲ ዝህቦ ናይ ነዳዲ መደገፍታ ምሉእ ብምሉእ ክዝርዞ ዝብል ሓሳብ ብርቱዕ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ምዃኑ የዘኻኽራ።  

ኤኳዶር፡ ስምምዕ ኣብ መንጐ መንግስትን መራሕቲ ደቀባትን
14 October 2019, 16:39