ስደት ክርስቲያን ኣብ ጸብጻብ ንዝሳቀያ ኣቢያት ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ስደት ክርስቲያን ኣብ ጸብጻብ ንዝሳቀያ ኣቢያት ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር 

ስደት ክርስቲያን ኣብ ጸብጻብ ንዝሳቀያ ኣቢያት ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር

ካብ ቀድም ብዝገደደ ማሕበረ ክርስቲያን ሎሚ ንስደትን መከራን ተቓሊዑ ይርከብ

ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተማጓቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ስእሊ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ዝሕብር ሰነዳዊ ጸብጻብ ብወግዒ ከምዘቕረበን፡ እቲ ማሕበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከመይን ኣበይን ደረጃ ይርክብ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ሰነድ ዘቕርብ ኽከውን እንከሎ፡ ኣብዚ ዘውጸኦ ናይ 2019 ዓ.ም. ሰነድ ኣብ ኣፍሪቃን ምብራቓዊ እስያን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ይብል ምህላዉ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓኪስታን ናይ ሰበኻ ካራቺ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ኩትስ፥ ኣብ ቀጻሊ ውጥረት ዝተመልኦ ኩነት ኢና እንክርከብ ዘሎና፡ ስለምንታይ ማንም ኣብዝን ኣብትን ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ክፍጸም እዩ ዝብል ቅድመ ፍላጥ ዘለዎ የሎን፡ ኣብ ገለ ገለ ቦታታትን እዋንን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብርግጽ ኣሎ እንክብሉ ነቲ ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ዘውጽኦ ዛዕባ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ዝሕብር ሰነድ ንንባብ ንምብቃዕ ዘካየዶ ዓውደ ርክብ ኣበጊሶም፡ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመቱ ክርስቲያን ኣብቲ ክርስቲያን ምዃን ንስደትን መከራን ኣብ ዝዳርግ ከባቢ ዝነብሩ እያቶም፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምፍጻም ድዩ፡ ናይ ክርስትና እምነትካ መግለጺ ምሓዝን ርኡይ ኣብ ዝዀነሉ ቦታ ምንባሩን፡ ብሓጺሩ እምነትካ ምንዛዝን ኣብተን ብጠቕላላ ኣርባዕቲ ሚሊያርድ ዝግመት ሰዓቢ ክርስቲያን ኣብ ዝርከበለን 20 ሃገራት ዓለም ንሓደጋ ስደትን ዓመጽን ዘቓልዕ ምዃኑ ኣብቲ ዝኻየደ ዓውደ ርክብ ከምእተሓበር ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማርኰ ጒወራ ሓቢሮም፡

መድብለ - ቅርጻዊ ኣሳዶ

ዝፍጸም ኣሳዶ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት ከምቲ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ፥ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ያዚዲን ዝፍጽምዎ ዓይነት መጥቃዕትን ካልኦትን ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎን፡ ብፁዕ ካርዲናል ኩትስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ እስላማዊት ረፓብሊክ ፓኪስታን፡ ካብ መላእ 200 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ፓኪስታን ማህበረ ክርስቲያን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ፡ ስደትን መጥቃዕትን ግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዘጓንፎ እዩ፡ እብቲ ኵሉ ጽንኩር እዋን ናይቲ ንዝሳቐያ ኣቢያት ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ቅርበትን ድጋፍን ኣይተፈለየናን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ጒወራ ኣስዒቦም፡

ኣሳዶ ክርስቲያን ካብ 2017 – 2019 ዓ.ም.

እቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ነቶም ዝሳደዱን ዝሳቐዩን ማሕበረ ክርስቲያን ድምጺ ብምዃን፡ ስሌኦም ዝጣበቕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ካብ 2017 ዓ.ም. ክሳብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽን ኣሳዶን ዘርእይ ዘውጸኦ ሰነድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ በርጠለመዎስ ንንባብ ኣብ ዘብቀዓሉ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣለሳንድሮ ሞንተዱሮ፥ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርዶ ግህሰት መሰልን ክብርን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ዘሰክፍ እዩ ከምዝበሉን፡

ኣብ ቡርኪ ፋሶን ስሪ ላንካን ኩነታት ክርስቲያን የንቆልቁል ኣሎ

ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶን ግህሰት መሰልን ክብርን እናኸፈኤ ይኸይድ ምህላዉን፡ ኣብ ካመሩንን ቡርኪናፋሶን ስሪ ላንካን ዘሎ ህልው ኩነታት ማሕበር ክርስቲያን ንህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ናይተን ሃገራት ዓቢይ ስግዓት እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ደቡብን ምብራቕን እስያ እውን ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ዘሰክፍ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ማእከላይ ምብራቕን እስያን

ካብ 2014 ክሳብ 2017 ዓ.ም. ማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ብሰፊሕ ንስደትን መከራን ዓመጽን ዝተቓልዓሉ እዋን ከምዝነበረን፡ ብፋላይ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን፡ በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ዝፍጸሞ ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕትን  ዓመጽን ቅትለትን ብዙሕ ማሕብረ ክርስቲያን እተን ክልተ ሃገር ንስደትን ምዝብልናን ሞትን ከምእተቓለዐን፡ ኣብዚ ሕዚናዮ ዘሎና 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣፍሪቃ 17 ካህናት ከምእተቐትሉን፡ ኣብ መባእታ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡርኪናፋሶ ሽዱሽተ ካህናትን ሓደ ናይ ፕሮተስታንት ቤት ክርስቲያን መጋቤ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 20 ክርስቲያን ምእመናን ከምተቐትሉን፡ ኣብ ዓለም ብጠቕላላ ብመኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ከቢድ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ጸቕጢ ከምዝፍጸምን፡ ኣብ ሰሜን ኮርያን ቻይናን እውን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከምዝረአይ ጐውራ የመልክቱ።

ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ እውን ብወገኖም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ዝሳደዱ ከምዝዀነትን ናይ ሃይማኖት መሰልን ክብርን ኣብ ኵለን ሃገራት ውሑስ ክኸውን ብዝተፈላለየ ተቕዋማታ ኣቢላ ከምእተንቀሳቐስን ነቶም ዝስደዱን ዝመዛበሉን እውን ቀረባ ብምዃኑ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ከምእተቕረብ ሓቢሮም፡ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ህላዌ ታሪኹ እዩ ዘጥፍእ። ነቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ርኢኻ ብሓቂ እቲ ከባቢ ክፍሊ ዓለም ብዘይ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ከይተርፍ የስግእ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ዝሳቐዩን ዝሳደዱን ዝቕተሉን ማሕበረ ክርስቲያን ከምዝሓስቡን ስሌኦም እውን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክጽለይ ደጋጊሞም የተሓሳስን ይጽልዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ስደት ክርስቲያን ኣብ ጸብጻብ ንዝሳቀያ ኣቢያት ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር
25 October 2019, 17:48