እምነተይ ከመሎ? እምነተይ ከመሎ?  

ሰንበት ዘፍሬ መስከረም 11- 2012 ዓ.ም. (9/22/2019)

መዝሙር፡ እኩት አንተ ወስቡሕ ስምከ ወዓቢይ ኀይልከ. . “ኦ ጎይታይ ንፍሬ ምድርኻ ባርኽ ብኽረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጎይታ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ? እታ ጠምያ ነራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኽካ አላ፥ አብ ሰማይ እትቕመጥን ብትሑታት እትባረኽን ምስጉን ንስኻ ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢይ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ገርካ ዝሰራዕካን ንኹሉ ዘዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  2ጢሞ 2፡1-13፥ ያዕ. 5፡1-19፥ ግ.ሓ.14፡14-19፥ ዮሓ 6:60-69.   ምስባክ፡ ምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ፥ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፥ ወይባርከነ እግኢአብሔር።  “ምድሪ ፍሬአ ትህብ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ይባርኸና፥ እግዚአብሔር ክባርኸና እዩ”። መዝ. 85፡12።

ካብ 9-15 መከረም ዘሎ ሰንበት እንተ ውዓለ ዘፍሬ ይብሃል። እዋኑ መሬት ፍሪአ እትህበሉ ሓረስታይ ፍረ ጻምኡ ዝርእየሉ መስቀል በሪቑ አዕዋፍ ድምጸን ዘስምዓሉ ጠለበግዕን ከብትን ብዝያዳ ዝሕጎሳሉን ዝሰብሓሉ እሞ ዋንአን በረኸተን ዝርእየሉ ፍሉይ እዋን እዩ። እቶም አብ ሃገረሰብ ዝዓበና ብፍላይ ከም እንፈልጦ እዋናቱ ሰብ አብ ስራሕ ተዋሒጡ ዝረከበሉ ኵሉ ዝወፍረሉ እዋን እዩ። ነዚ ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና ክነተሓሕዞ ከሎና አምላኽ አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክህልዎ ዘለዎ ጻዕርን ፍረን ርኢና ክንዓብን ክንሕደስን እሞ ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክንጅምር ዘበግሰና እዋን እዩ።

መሬት ፍረ ክትህብ ዘደሊ ነገራት አለዋ ማለት እኹል ዝናም፥ ድኽዒ ብኹሉ ዝተቐረበ መሬት ክኸውን አለዎ ዘራእቲ ምስ በቖለ ሓለዋ ማል ከይበልዕኦ ጻህያ ምሕጻርን የድልዮ። ብሓጺሩ መሬት እኹል ፍረ ክትህበና እንተ ኾይና ኩሉ እቲ ዘድሊ ነገራት ክንገብር እንከሎ እዩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ነገራት እንተ ጎደለ እንረኽቦ ፍረ ብመጠኑ ዝተወሰነ ይኸውን። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ምስ ክርስቶስ አብዚ ሓዲስ ዓመት ክህልወና ዘለዎ ርክብ አብ ዘሓጉስ ፍረ ንኽበጽሕ ካብ መጀመርያ እቲ ዘድሊ ነገራት ክንገብር አሎና። ባህጊ ጥራሕ ንክርስትናና አብ ፍረ አየብጽሖን እዩ። ብሓቂ አብ ሓቂ ዝተመስረተ እምነት ሒዝና ክንጅምሮ እንከሎና ፍረና ውሑድ አይክኸውንን እዩ።

ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተነበልና ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ፍረ ክህልዎ ከምዚ ይብል “አነ ናይ ሕይወት እንጌራ አነ እየ፥ እቲ ናባይ ዝመጽእ አይኪጠምን፥ እቲ ብአይ ዚአምን ድማ ከቶ አይኪጸምእን እዩ” (ዮሓን 6፡35) ዝበል መሰረት ገሩ መዓልታዊ ሕይወትና ዝፈሪ ከኸውን ከመይ ገርና ክንመርሕ ከምዘሎና ይነግረና። ሕይወትና ትርጉምን ምልአት ዝህልዎ ምስ ኢየሱስ ዝህልወና ርክብ ወሳንን ቀንድን እዩ። ምስ ጉንዳ ርክብ ዘይብላ ጨንፈር ከም እትነቅጽ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ርክብ እንተ ዘይብልና ሕይወት የብልናን። ምዉት ክርስትና ሒዝና ከይንህሉ ሎሚ ሕይወት ክንዘርአሉ ባዕሉ ክርስቶስ አነ ዝብላዕ እንጌራ ሕይወት እየ ይብለና አሎ። ዓመትና ንመንፈሳዊ ፍርያም እቶት ከም እንእክብ አብ ግምት አእቲና ክንጅምሮ ይግባእ።

አይሁድ ከምኡ ሓዋርያት ኢየሱስ አነ ናይ ሕይወት እንገራ እየ፥ ካብኡ ብልዑ ምስ በሎም ክርድእዎ ክቕበልዎ ከቢድዎም። እንታይ እዩ ዝብለና ዘሎ ከመይ ገርና ኢና ሥጋኡን ደሙን ክንበልዕን ክንሰትን ዝደልየና ዘሎ እናበሉ አብ ከቢድ ወጥሪ አትዮም። ከመይ ገሩ እዩ ዝኾነ ሰበ ነዚ ምስጢራዊ አዘራርባ ክቕበሎ ዝኽእል ብሓቂ እዚ አበሃህላ ክትቅበሎ ዘይትኽእል ከቢድ ነገር እዩ በሉ። አብ ርእስና እንተ ርአና እውን አብኡ ምስኦም ነርና እንተ ንኸውን ካብቲ ንሶም ዝበልዎ ዝተፈልየ አይምበልናን።

ኢየሱስ ግን ክርድእዎ ጸጊምዎም ከም ዘሎ ሚእቲ ብምእቲ ይፈልጦ እዩ። ክገልጸሎም ኢሉ እዚ አባይ ንዘሎኩም እምነት አብ ሕቶ ይእትዎ ድዩ እናበለ ሓቲትዎም። ነዚ ክርድኡ ወይ ክቕበሉ ዘጸግሞም እንተ ድአ ኮይኑ ካብ ሞት ክትንሥእን ንሰማይ ክዓርግን ከሎ እንተ ትርእይዎኸ ደአ እንታይ ምበልኩም እናበለ ሓተቶም። በዚ ኸአ ንምስጢረ ትንሣአ ምቕባል ናይ እምነት ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊጽሎም። ኢየሱስ ካብ ሞት ክትንሥእ እንከሎ ይኹን ንሰማይ አብ አብኡ ክዓርግ እንከሎ ዝረአዮ የለን። ብእምነት ጥራሕ እትቕበሎ ጉዳይ እምበር ተመራሚርካ እተረጋግጾ ነገር አይኮነን።

እምነት ነቲ ብአእምሮኻ ብፍልጠትካ ክትበጽሖ ዘይትኽእል አሚንካ ሓቂ እዩ ኢልካ ምቕባል እዩ። ብአእምሮ ዝብጻሕ እንተ ኾነ እምነት አየድክዮን እዩ ክተረጋግጾ ስለ እትኽእል ሓቅነቱ አብቲ እትገብሮ እዩ ዝውሰን። እምነት ግን መልዕልተ ባህሪ እዩ ስለዚ ዓቕምኻ ጻዕርኻ ክበጽሖ ስለ ዘይክእል ክትአምኖ ጥራሕ አሎኻ እዚ ንብዙሓት ከቢድ ይገብሮ። አብ አምላኽ አሚና እንተ ተቐበልናዮ ግን ቀሊል እዩ። አምላኽ ማእከለ ናይ ኩሉ ሕይወትና ገርና አብ ኢዱ እንተ አንበርናዮ ዕግበት መንፈስን አፍልጦን ይህበና። ነዚ ርድኢት ገርና ኢና እምነትና ክነብሮ ዘሎና።

ኢየሱስ አብቲ ቀንዲ ነቲ ጸገም ዘምጽአ ጉዳይ ይአቱ እሞ “ሕያው ዝገብር መንፈስ እዩ ሥጋስ ገለ እኳ አይጠቅም እዩ፥ እዘን አነ ዝነግረኩኹም ቃላት ከአ መንፈስ እየን፥ ሕይወትውን እየን” ይብሎም። ሓዋርያት ነቲ ኢየሱስ ዝብሎም ዝነበረ ብዓይኒ ሥጋ እምበር ብዕምቆት ብዓይኒ መንፈሳዊ መገዲ ይርእይዎ አይነበሩን። በዚ ምኽንያት ገለ ካብኦም ነቲ ዝብሎ አይተቐበልዎን። ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ኽገልጽ እንከሎ እቶም ነቲ ዝብሎ ዘይቅበሉ ብዓል መን ከምዝኾኑ አቐዲሙ ይፈልጥ ነሩ ብፍላይ ነቲ አሕሊፉ ዝህቦ ይፈልጦ ነሩ ይብለና።

ነዚ ኢየሱስ ዝብሎ ሓቀኛ ትርጉሙ ክንርዳእ እንተ ኾና ክውሃበና አለዎ እዚ ኸአ ጸጋ እምነት ክውሃበና አለዎ። “ኻብ አቦይ ዝተዋህቦ እንተ ዘይኮይኑስ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን” ይብለና። ነዚ ምስ በለ ብዙኃት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድኅሪት ተመልሱ ምስኡውን ምኻድ ገደፍዎ። እምነት ካብ አምላኽ ዝውሃብ ህያብ እዩ። ንኹሉ ብዘይ አፈላላይ ዝውሃብ ህያብ እዩ እንተ ኾነ ልቡ ከፊቱ ዝቕበሎ የድሊ ብስም ተዋህበ ተቐቢልካዮ ማለት አይኮነን።

አብ ርእስና ክንምለስ ሎሚ እውን አምላኽ አብኡ እምነት ገርና ክንቀርብ ብፍላይ ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ዓመት ብምሉእ እምነት ክንአትዎ ይደልየና አሎ። አብ ኃይልና አብ ፍልጠትና አብ ዘሎና ዓቅሚ ጥራሕ አሚና እንተ ጀመርና ጉዕዞ ዓመትና ፍረ አይክህልዎን እዩ። እምነት መሰረት ክርስትናና እዩ። ናይ ቀለዓለም እምነት ዘይኮነ ብሓቂ ንእምነትና ክነብሮ አሎና። እሞ ንእምነትና ንነብሮ ዘሎና። ብዙሕ ጊዜ እምነትና ከምቲ ንሕና እንደልዮን እንርድኦን ጥራሕ ክኸውን ኢና እንደልዮ እዚ ንብዙሓት አብ ስሕተትን መናፍቅነትን ወይ እውን አይ ጥዑይ አይ ምዉት እምነት ሒዞም ከምዝነብሩ ይገብሮም። ብሓቂዶ ንእምነተይ እነብሮ እየ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እዋኑ እዩ።

ዓመት ዝውሃበና ዘሎ ክነፍርን ነቲ አምላኽ ዝህበና ብእምነት ክንቅበሎ እምበር ክነጽግ ወይ አብ እምነት ቀልባዕባዕ ክንብል አይኮነን። አምላኽ በብዓቕምና አብዚ ዓመት 30፥ 60፥100 ክነፍሪ እዩ ዝደልየና ስለዚ አብ ፍረ ዘብጽሕ ሕይወት ካብሎሚ ክንተሓሓዞ ይግባእ።

ኢየሱስ አብ ሓዋርያቱ ምልስ ኢሉ “ንስኻትኩምከ ክትኸዱዶ ትድልዩ አሎኹም” እናበለ ወጣሪ ሕቶ አቕሪብሎም። ጴጥሮስ ክንዲ ኹሎም ኮይኑ “ጎይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል አሎካ ናብ መን እሞ ክንከይድ፥ ንሕናስ ንስኻ እቲ ቕዱስ ናይ አምላኽ ምዃንካ አሚናን ፈልጥናን አሎና” መሊሱ። ብኻልእ አዘራርባ ኢየሱስ እቲ ዝጽበይዎ መስሕ፥ ሕሩይ ልኡኽ አምላኽ ምስኡ ምሉእን ፍጹምን እንኮ ውኅደድ ዘልኦ ከምዝኾነ አብ ክንዲ ኩሎም ገሊጹ።

እምነትን ፍልጠትን ክልተ ክፈላለያ ዘይብለን እየን። ጴጥሮስ ንስኻ ናይ አምላኽ ምዃንካ አሚናን ፈሊጥናን አሎና ኢሉ ምሉእ እምነት አብ ኢየሱስ ገሊጹ። እዚ ዓይነት እምነት እዩ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝድለ ዘሎ። አፍልጦ እምነትና እንተ ዘይብላን ዝነፈሰ ንፋስ ክብቁጸና ኢና እንነብር። ሰባት ሎሚ ሓቂ እትርከቦ ደልዮም ካብዚ ናብቲ ክላኽዑ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ኢየሱስ ሎሚ እውን ንስኻ/ንስኺኸ ክትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም እናበለ ይሓትት አሎ።

ሃይማኖት ከም ፋሽን ኮይኑ ወዲ ሰብ አብዝን አብትን ክብል ንርኢ አሎና። አብ ሓቅን እምነትን ክንጸንዕ የድልየና አሎ። ብዙሓት ስድራታት ውሉዳት አዕሩኽ ከይዱ ከይዳ እና ተባህለ መዓልታዊ ዕላል ኮይኑ ንብዙሓት ዘጉሂ ጉዳይ ኮይኑ አሎ። ኢየሱስ አብዚሎ አብቲ ሎ እንተበልኩም አይትእመኑ፥ ብዙሓት ብስመይ ከምጽኡ እዮም ሓሰውቲ ነብያት ክበዝሑ እዮም ኢሉ አቐዲሙ ነጊሩና እዩ ስለዚ አብ ሓቀኛ እምነትና ክንጸንዕ ጸሎት ንግበር።

ናይ ጴጥሮስ መልሲ ናይ ነፍሲ ወከፍና መልሲ ክኸውን ይግባእ። አብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት ወላ እኳ ፈተና ዕንቅፋት እንተ በዝሐ ተካኢ የብሉን። አብ ኢየሱስ ምእማን አብ ሓደ ጉጅለ ምጽጋዕ ወይ አብ ሰባት ምእማን አይ ኮነን። ኢየሱስ ዘቕርበልና መገዲ ነፍሲወከፍ ሰብ ክጉዓዞ ዝኽእል ጥጡሕ መገዲ እዩ። ሰባት ኢና ከምቲ ንሕና እንደልዮ ክኸውን ኢልና ንመገዲ ኢየሱስ ብናትና አተሓሳስባን ድለትን እንጠዋውዮ ዘሎና። ነቲ ኩሉ ኢየሱስ ዝበሎን ዝገለጾን ምቅባል ማለት ንፉዕ ክርስትያን ምዃን ጥራሕ አይኮነን አሰር ኢየሱስ ብምስዓብ ዝበለጸ ሰብ ምዃን ማለት እዩ።

ክንደይ እዮም ምስ ኢየሱስ ምጉዓዝ አቋሪጾም ካልእ መገዲ ሒዞም ዘለዉ? ኢየሱስ አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ኢሉና አሎ አየናይ መገዲ ሒዝና አሎና? ምናልባት አነ እውን ካብቲ መገዲ ጓል መገዲ ሒዘ ከይህሉ ክርኢ ከስተውዕል አሎኒ። አብ ኢየሱስ ምልስ ኢልና አብ እምነትና ክንጸንዕ ነቲ ምንጪ እምነት ዝኾነ አምላኽ ንለምኖ። ምስኡ ክነብር ንኹሉ ዝጓነፍ ፈተናን ሰይጣናዊ ነገራትን አሸኒፍና ሕይወት ዘለዎ እምነት ክነብር ምስ ጴጥሮስ ኮና ንዘይምእማነይ ሓግዘኒ ንበሎ።

ሓዲስ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን እምብአር ከም ሓዋርያት እምነት ወስኸና ንበሎ። መምህር እምነት ዝኾነት ማርያም ሎሚ እውን አሰራ ክንክተል እዋኑ እዩ። ዓመትና ምስ ማርያም ክንጉዓዞ መብጽዓና ንሓድስ ከመይ ንሳ ንኹሉ ብዓይኒ እምነት ትርእዮ ስለ ዝነበረት ነቲ ኹሉ ዝተጓነፋ ፈተና ጸገማት ትሓልፎ ነራ። እሞ ሎሚ እውን ኦ ማርያም አደይ ናይ ውድኽን ናትክን እሙን ኮይነ ክነብር ለምንለይ እናበልና ብፍሉይ ንለምና።

ብሩኽ ሓዲስ ዓመት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ        

21 September 2019, 11:41