2019.09.14 መስቀል ኀይልነ! መስቀል ጽንዕነ! መስቀል ቤዛነ! መስቀል ዕፀ መድኀኒት 2019.09.14 መስቀል ኀይልነ! መስቀል ጽንዕነ! መስቀል ቤዛነ! መስቀል ዕፀ መድኀኒት 

በዓለ ዘመስቀል መስከረም 17 2012 ዓ.ም. (9/28/2019)

ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም፥ ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር፥ ወንሰግድ ውስተ መካን ፡ኀበ ቆመ እግረ እግዚእነ። 'ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናዮ ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ'።መዝ 131/2.7
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዘኁልቅ 21፡4-9) ፍሊጲስዩስ 2፡6-11፥፩ጴጥ 2፡20ፍ ግ.ሓ. 2፡22-37፥ ዮሓ 3፡13-17። ምስባክ፡ ወወሃብኮም ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፥ ከም ያምስጡ እምገጸ ቀስት፥ ወይድኃኑ ፍቁራኒከ።

አብ ብዓለ መስቀል ሰለስተ ታሪኻውያን ፍጻሜታት ዘኪርና ነብዕል፡

1.  ተረክቦተ መሰቀል ብቅድስት ኤለና አደ ንጉሥ ቆስጣንጢኖስ። ድሕሪ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ መራሕቲ አይሁድን ሰበስልጣን ሮማን አብ ኢየሩሳሌም ነቲ ክርስቶስ ዝተሸቕለሉ ቦታን መቓብሩ አብ ጀርዲን አብቲ ጥቓ ዝተሰቕለሉ ዝነበረ አዕንዮሞ። ነቲ ቦታ ብምልኡ ሓመዱ ንላዕሊ ገሮም ሓዲስ ቤተ መቕደስ አብ ልዕሊኡ ሃንጾምሉ። እቲ ክርስቶስ ስተሸቕለሉ መስቀል ጨሪሹ ጠፊኡን ተቐቢሩን።

ትውፊት ከም ዝብለናን ከምኡ ብቅዱስ ቄርሎስ ብዓል ኢየሩሳሌም ብ348 ከም ዝብሎ ቅድስት እለና አብ ጥቓ ሞታ ብሰማያዊ ግልጸት ተሓቢራ ንኢየሩሳሌም ከይዳ ብ326 አብቲ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ ንመስቀል ንምርካብ ኩዕታ አካይዳ ነቲ ሓቀኛ መስቀል ክርስቶስ ከአ ክትረክብ ክኢላ።

ሓደ አይሁዳዊ ይሁዳ ዝተባህለ እዩ ነቲ ኹዕታ ዝሓገዘ። ንሱ እቲ መስቀል አበይ ከምዘሎ ዝሕብር ዛንታ ነርዎ እዩ በዚ ኸአ እቲ መስቀል ተቐቢርሉ ዝነበረ ቦታ ምስ ኮዓቱ አብኡ ሰለስተ መሳቕል ተረኺበ። ትውፊት ክልተ ነገራት ይነግር። ሓደ አብ ሓደ ካብቲ መሳቕል “Iesus Nazarenus Rex Iudaeorum “Jesus of Nazareth, King of the Jews” ዝብል ጽሑፍ አብታ ኢየሱስ ዝተሰቕለላ ተረኺቡ ይብል። እቲ ካልአይ ትውፊት ግን እቲ ጽሑፍ አይነበረን ቅድስት ኤለናን ቅዱስ መቃርዮስን አቡን ናይ ኢየሩሳሌም ሓደ ካብዚ መሳቕል እቲ ሓቀኛ መስቀል ምዃኑ ገሚቶም እተን ክልተ መሳቕል ከአ ናይ እቶም ክልተ ብየማኑን ብጸጋሙን ዝተሰቕሉ ክልተ ዓመጽቲ እየን። ነቲ ሓቀኛ መስቀል ከለልይዩ አብ ሓደ ትውፊት ነቲ መሳቕል አብ ሓንቲ አብ ሞት ቀሪባ ዝነበረት ሰበይቲ ወሲዶሞ በቲ ሓቀኛ መስቀል ምስ ተንከፍዋ ካብ ሕማማ ሓውያ ይብል፥ እቲ ካልአይ ትውፊት ከአ ናይ ንሓደ ሬሳ አብቲ መስቀል ምስ አንበርዎ ትንሢኡ ይብል። በዚ ነቲ ሓቀኛ መስቀል አለልዮሞ ይብል።

2.  ቆስጣንጢኖስ አብቲ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ ክልተ ቤተ ክርስትያን ሃኒጹ። ሓንቲ አብ “Holy Sepulchre” ዝተቐብረሉ፥ ካልአይቲ ኸአ አብቲ መስቀል ዝተሰቕለሉ አብ ጎቦ ቀራንዮ። እዘን ክልተ ቤተ ክርስትያን አብ መስከረም 13ን 14 ብ335 ተመሪቐን ንጽባሒቱ ኸአ “Exaltation of the Cross” መስቀል ዝተላዕለሉ/ ዝተተኽለሉ/ ዝኸበረሉ ተባሂሉ ብዓል ተገሩ። እቲ ብዓል በብቝሩብ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ካልኦት አብያተ ክርስትያናት ክዝርጋሕ ጀሚሩ ብ720 አቢሉ አብ ኩሉ ብሓባር ይብዓል ነሩ። ነዚ ሎሚ እውን ዘኪርና ነብዕል አሎና።  

3.  ናይ መስቀል ብዳግም አብ ኢየሩሳሌም ምምላሱ ብንጉሥ ሄርቕሊጦስ ዳግማዊ። አብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ፋርሳውያን ንኢየሩሳሌም ስዒሮም ሒዞማ ፋርሳዊ ንጉሥ Khosrau II ዝተባህለ ነቲ ሓቀኛ መስቀል ማሪኹ ንሃገሩ ናብ ፔርስያ ወሲድዎ። እንተ ኾነ ንጉሥ ሄራቕሊጦስ ዳግማዊ ንንጉሥ ፔርስያ አብ ውግእ ስዒርዎ፣ ንጉሥ ፐርስያ ብገዛእ ወዱ ተቐቲሉ። ብ628 ነቲ መስቀል አብ ሄራቕሊጦስ መሊሶሞ። ብ629 ሄራቕሊጦስ መጀመርያ ነቲ መስቀል አብ ቍስጥንጥንያ ወሲድዎ ድሕሪኡ አብ ኢየሩሳሌም ክወስዶ ወሲኑ። ትውፊት ከምዝብሎ ንጉሥ ባዕሉ ተሰኪሙ እናመለሶ እንከሎ ልብሰ ንግሥነቱ ለቢሱ አብ ቤተ ክርስትያን አብ ቀራንዮ ዝነበረት እናአተወ እንከሎ ሓደ ብርቱዕ ሓይሊ ደው አቢልዎ። ፓትርያርክ ዘካርያስ ናይ ኢየሩሳሌም በቲ ጊዜ ዝነበሩ እቲ ንጉሥ ክአቱ ይቃለስ ከምዘሎ ምስ ረአዩ ልብሰ ንግሥነቱ ዘውዱን ከውጽእ ነጊሮሞ ድሕሪኡ ልብሰ ንስሓ ገምድ ንስሓ ክዕጠቕ ነጊሮሞ። ሽዑ ሽዑ ንጉሥ ምኽሪ ፓትርያርክ ዘካርያስ ምስ ሰምዐ ነቲ መስቀል ተሰኪሙ አብ ቤተ ክርስትያን ክአቱ ክኢሉ።

ስለምንታይ ኢና ብዓለ መስቀል እነኽብር?

እቲ መልሲ ቀሊል እዩ፥ መስቀል ፍሉይ እዩ ምኽንያቱ ክርስቶስ መጋበሪ ድሕነትና ስለ ዝገበሮ። ግን ድሕሪ ትንሣኤ ስለምንታይ አብ መስቀል ክንጥምት ንግደድ። ገለ ክርስትያን በዚ መሰረት ክብሪ መስቀል የብሎምን፥ ገለ ኸአ አብቲ ዝገብርዎ መስቀል ናይ ክርስቶስ ስቕለት አይገብሩን ምኽንያቱ ድሕንሪ ትንሣኤ ክርስቶስ አብ መስቀል አይ ኮነን ዝርከብ ይብሉ። እንተ ኾነ እቲ መልሲ ክርስቶስ ባዕሉ መሊሱልና እዩ፥ “ዝኾነ ሰብ ደድኅረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይኽሓደ መዓልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” (ሉቃ 9፡23)። ምስጢርን ትርጉምን ናይ ገዛ ርእስና መስቀል ክንስከም እንከሎና ተጋድሎ ጥራሕ አይ ኮናን እንገብር ዘሎና መስቀልና ክንጸውር ከሎና አብ መስዋዕቲ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተቐበሎ ሞት አብኡ ንሳተፍ።

መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና መስቀል አብኡ አሎ። እቲ አብ መንበረ ታቢት እነዕርጎ መስዋዕቲ ደም ዘይብሉ መስዋዕቲ እዩ ንሱ ኸአ ነቲ ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ አብ መስቀል ከብሓዲስ ህያው ይገብሮ። ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል እንከሎና ርእስና ምስ ክርስቶስ ጥራሕ አይ ኮናን ነውሃህድ፥ አብ መስቀል ኢና እንሽንከር፥ አብ መስቀል ንመውት ምስኡ መታን ክንትንሥእ።

ቅዱስ ጳውሎስ “አይሁድ ምልክት ይልምኑ፥ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፥ ንሕና ግና ነቲ ንአይሁድ ዕንቅፋት፥ ነህዛብ ከአ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” (1ቆሮን 1፡22-23) እናበለ ምስ መስቀል ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ይገልጽ። ሎሚ አብ ዓለምና ክርስትያን ዘይኮኑ ንመስቀል ከም ዕሽነት ዝቖጽርዎ ብዙሓት እዮም። እንታይ ዓይነት መድኃኒ እዩ ብሞት ዓውት ዘምጽእ?

ንአና ንክርስትያን መስቀል ናይ ታሪኽን ናይ ሕወት ኦም ዝተራኸባሉ እዩ። ክርስትና ብዘይ መስቀል ሓንቲ ትርጉም የብሉን። ርእስና አብ መስዋዕቲ ክርስቶስ አብ መስቀል ሓደ ምስ ገበርና ጥራሕ ኢና ተሳተፍቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት እንኸውን።

ብዓለ መስቀል ብዓል ዓወት እውን ይብሃል እዩ፥ ናይ ፍቕሪ ዓወት አብ ልዕሊ ጽልእን ክሕደትን እዩ። አብ ጌተ ሰማኒ ኢየሱስ ነቲ በብኡ ዝተዋህቦ ተልእኮ መስቀል ክጽውር ብምሉእ ርእሱ አወፊዩ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰብ ንመስዋዕቲ ሕራይ ኢሉ ተቐቢሉ። ፍሽለትን ሕፍረትን ይምሰል እምበር ሃናእ አይበለን ንቅድሚ ቀጺሉ፥አብ ተልኮኡ ንሓቂ ክሰብኽ አምላኽ ሓቂ ከምዝኾነ ክሰብኽ ድሕሪ አይበለን፥ ንኃጢአን ናብ አምላኽ ክስሕብ ኢሉ ምስኦም በሊዑ፥ ነዚ አብ ግብሪ ከርኢ ነቶም ናይ ግዚኡ ዝነበሩ ናይ እምነት ትጽቢታት ሓዲጉ አብቶም ንአምላኽ ዝደልዩ ኮለል ኢሉ። አብ ሓደ እዋን ከምዝበሎ ተልእኮኡ ብምሉእ ነጻ ከውጽኣና እዩ (ዮሓ 10፡10)። ናይ ሞት ፍርሒ ካብ ተልእኮኡ ንድሕሪት ክስሕቦ አይደለየን “አቦ ፍቕድካ እምበር ፍቓደይ አይኹን ኢሉ” (ማቴ 26፡39) ንጽዋዕ ሕፍረትን ሞትን ተቐቢሉ።

አብዚ እንነብሮ ዓለም ፍቕሪ ክህሉ ሕድገት ክህሉ ከምዘድሊ ኢየሱስ ብንጹር ሰቢኹ። አብ መስቀል እንከሎ ከምዚ እናበለ ክጽሊ ተሰሚዑ “ኦ አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም” (ሉቃ 23፡34)። እዚ ሕድገት እዚ ነቶም ተኸተልቱ እውን እዩ። ንጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ተፍቅረኒ ዲኻ እናበለ ሓቲትዎ (ዮሓ 21፡17) በዚ አቢሉ ኸአ ፍቕሩ ከገልጸሉ ዕድል ሂብዎ። ናይ ኢየሱስ ሕድገት ንጴጥሮስ እውን የድልዮ እዩ ነሩ። ንኢየሱስ እውን ጴጥሮስ ንተልእኮ ፍቕሪ ከብጽሕ ነባጝዑ ክምግብ ክነጽሖ ነርዎ።

ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያኑ አብ ትሕቲ ዝሓዲግ ዝምሕር መሪሕነት እዩ ሓዲግዋ። ንሱ ክሳብ መወዳእታ ዓለም አብ ማእከላ ከምዘሎ አረጋጊጹላ እዩ። ሎሚ እውን አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ እንከሎና ምሳና ምስ ኃጥአን ይምገብ አሎ። ቤተ ክርስትያን ብኃጥአን ዝመልአት ካብ ናይ ሓደ ግለ ሰብ ዝግብሮ ኃጢአት ዝበዝሕ ዘለዋ እያ። ግላዊ ኃጢአትና ንማሕበርና ይጸልዋ እዩ፥ ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን ሰውነት ክርስቶስ ስለ ዝነት ሓደ አካል ክሳቐ እንከሎ ምሉእ ሰውነት እዩ ዝሳቐ በዚ ኸአ ናይ ሓደ አባል ወይ አካል ሰውነት ቤተ ክርስትያን ንኹላ ቤተ ክርስትያን ይጸሉ።

አብ ጉዕዞ ሕድገትን ምሕረትን እንከሎና ንተልእኮ ቤተክርስትያን ተግባራዊ ክንገብር በርቲዕና ክንሰርሕ ይግብአና። ንስሓን ትሕትና ለቢስና ክርስቶስ አብ ማእከል እታ ኃጥእ ቤተ ክርስትያን ከምዘሎ ንኹሎም ናቱ አፍቕሪ ክምለሱ እሞ ነቶም ዝበደልናዮም ክንምሕር ይደልየና። ስለዚ ኃጢአትና ክንፈልጥን ክነለልን አሎና።

ብዓለ መስቀል ክነኽብር እንከሎና ፍሉይ ነገራት አሎ ክንዝክሮ ዘሎና፡

  1. መስቀልና አለሊና ክንክእል። መስቀሉ ከለሊ ዝኽአለ ክጾር ክቕበሎ አይከብዶን እዩ። መጠን ዘለልናዮ መጠን ዕብየትን ጣዕሚ ምጻርና ክነለሊ ኢና። መስቀል ክጽወር ዘለዎ እምበር ዝድርበ ወይ ዝሕደግ አይኮነን።
  2. ዕለት ዕለት መስቀልና ክንጸውር እዩ ድላይ አምላኽ። ንዝተዋህበና መስቀል ናይ ዓወትን ክብርን መጋበሪ ክንገብሮ እንከሎና ጥራሕ እዩ ዕግበት ዝህበና። መስቀል ክንጸውር እሞ አብ ጎቦ ቆራንዮና ክንስቀል እዩ እቲ ጉዕዞ። ብዘይ አብ መስቀል ሞት ትንሣኤ አይክህሉን እዩ።
  3. መስቀሎም ምጻር ንዝደኸሙ ምሕጋዝ። ስምዖን ንኢየሱስ አብ መገዲ ቀራንዮ ነቲ ከቢድ መስቀል ሓጊዝዎ። ሊሚ ንሕና እውን ንብዙሓት አሕዋትና መስቀል ከቢድዎም ንዘለዉ ክንሕግዞም ክንመኽሮም ድላይ አምላኽ እዩ፥ መስቀል ክቕይሩ አይንሓግዝ።
  4. ምልክት መስቀል አብ ኵሉ ከምዝርአ ምግባር። መስቀልና መግለጺ እምነትና ስለ ዝኾነ ከሕፍረና የብሉን። ባህልና አልባሳትና ከምኡ አስማትና ብዙሕ ንመስቀል ዝሕብር አልኦ። ሎሚ እውን መስቀል አብ ኵሉ ክነርእዮ ክንምስክሮ ግቡእና እዩ። መስቀል ዘይብሉ ክርስትያን መለለዪ የብሉን። መስቀልካ/ኪ አበሎ ንብሃሃል።

ብሩኽ መስቀል በሪቝ ሰላምን ዕርቅን ምሕረትን ዝነግሰሉ ይግበረልና። ዓድና ዓዲ ሰላምን ሕውነትን ይግበርልና። ብሩኽ ብዓለ መስቀል።  

ኣብ ንጉሠ ፍሥሓ

27 September 2019, 17:56