2019.09.05 ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሮዠ ኤቸጋራይ ዓሪፎም 2019.09.05 ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሮዠ ኤቸጋራይ ዓሪፎም 

ር.ሊ.ጳ ናይ ዘተን ሰላምን ሰብ ክብሉ ዝገለጽዎም ብፁዕ ካርዲናል ሮዠ ኤቸጋራይ ዓሪፎም

ንነዊሕ ዓመታት ናይ ጳጳሳዊ ቤትምኽርታት ፍትሕን ሰላምን ከምኡ እውን ብኮር ኡኑም ዝፍለጠ ሓደ ልቢ ዝትርጉሙ ንኩሉ ግብረሠናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘመሓድር ቤትምኽሪ ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ሮዠ ኤቸጋራይ ዓሪፎም ኣብ 96 ዓመት ዕድሜኦም ዓሪፎም። ር.ሊ.ጳ ኣብ መገሻኦም ሞቶም ምስ ሰምዑ ሓዘኖም ገሊጾም ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅዳሴኦም ምስ ካርዲናል ፒምየንቶ ከምዝዘከርዎምን ናይ ዘተን ሰላምን ሰብ ከምዝነበሩን ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብ1987 ዓምፈ ሎሚ ኣብ ክልተ ተመቂሉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮይኑ ዘሎ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት በቲ ሽዑ ኢትዮፕያን ካቶሊክ ሰረታርየት ዝበሃል ዝነበረ ካብ ጻት ናብ ብደርቂ ንዝተጐዱ ወገናትና ክረድእ ብዙሓት መካይን ረድኤት ሒዘን እንክጐዓዛ ምስ ንብረተን ብምቅጻለንን ንሥራሕ ረድኤት ክዕዘቡን ኤርትራን ኢትዮጵያን በጺሖም ከምዝነበሩን ድሕሪ ናጽነት እውን በቲ ቤትጽሕፈት ገሮም ንዳግመ ህንጸት ብዙሕ ከምዘተሓባበሩን ይዝከር።

እዚኦም እውን ከም ነፍሰኄር ካርዲናል ፒምየንቶ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ብምስታፎም ኣብ ሰነዳት ኣበርክቶ ኣብ ርእሲ ምግባርን ንር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ የማናይ ኢዶም ኰይኖም ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ሰላም ንምንጋስ ፍሉይ ናይ ር.ሊ.ጳ ልኡኽ ብምዃን ኣብ ብዙሕ ከምዝተዓወቱን ከምኡ እውን ኣብ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ኣብ ዝግበር ዘተ ብዙሕ ከምዘበርከቱ ይንገር።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽናዮ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ መገሻ ዝርከቡ ናይ ቅድስት መንበር ክፍሊ ሕትመትን ዜናን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ቅዱስነቶም ነዚ ዜና ብዓቢ ሓዘን ከምዝሰምዕዎን ሎሚ ንግሆ ኣብ ማፑቶ ዝርከብ መንበር ኑንስዮ ኣብ ዘዕረጕኦ ቅዳሴ ንክልቲኦም ከምዝዘከሩን ገሊጾም።

ብሞት እዞም ክልተ ካርዲናላት ቁጽሪ ካርዲናላ ናብ 213 እንኵአርድ ካብዚኦም 118 ር.ሊ.ጳ ክመርጹ እቶም ዝተረፉ 95 ግን ብገደብ ዕድመ ዘይመርጹ እዮም።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሮዠ ኤቸጋራይ ብዕለት 25 መስከረም 1922 ዓም ኣብ ብዋዮን ሃገረ ፈረንሳ ተወልዱ። ብ13 ሓምለ 1947 ክህነት ተቀበሉ። ኣብ ሰበኻኦም እናኣገልገሉ ካብ 1966 ክሳብ 1970 ዋና ጸሓፊ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ፈረንሳ ኰይኖም ኣገልገሉ። ብ1969 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ናይ ፓሪስ ሊቀጳጳስ ሸምዎም።  ድሕሪ ቊሩብ ከኣ ናይ ማርሲልያ ሊቀጳጳስ ኮኑ ክሳብ 1984 ከኣ ኣገልገሉ።  ካብ 1975 ክሳብ 1981 ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ፈረንሳ ኰይኖም ኣገልገሉ።

ብ1971 ቤትምኽሪ ረኪበ ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ቆመ ቀዳማይ ፕረሲደንት ኮይኖም ኣገልገሉ።

ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ኣበው ጉባኤ ኰይኖም ብዙሕ ኣበርከቱ። ዘተን ሓድነትን ክርስትያንን ንምድንፋዕ ፍትሒ ምስ ስብከተወንጌል ንምዕባይ ብዙሕ ሰሪሖም።

ብ1979 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ገበርዎም ብ1984 ከኣ ሓላፊ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ፍትሕን ሰላምን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ኮር ኡኑም ሸምዎም ክሳብ ሰነ 24 1998 ንናይ ፍትሕን ሰላምን ክሳብ 2 ታሕሳስ 1995 ከኣ ንናይ ኮር ኡኑም  ኣገልገሉ።

ብ1994 ናይቲ ዓቢ ኢዮቤል ኮሚቴ ፕረሲደንት ኰይኖም ቅዱስ ኢየቤል 2000 ብዓቢ ዓወት ከምዝፍጸም ገበሩ። ብ2005 ምክትል ደካኖ ወይ ሓለቃ ካርዲናላት ኮኑ ብ2017 ከኣ ብምኽንያት ገደብ ዕድመ ወረዱ።

ካብቲ ዝገበርዎ ዓበይቲ ነገራት ክሳብ ሎሚ ዝዝውተርን ዝዝከርን ብ1986 ኣብ ኣሲዚ ናይ ሰላም ርክብ ፈጢሮም መራሕቲ ኩለን እምነታት ዓለምና ብሓባር ስለሰላም ዝጸልዩሉ ክሳብ ሎሚ ዓመት ዓመት ዝዝከር ዘሎ እንክኸውን ብወርሒ ግንቦት 2002 ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ንከንግሱ ናብ ኢየስሩሳሌም ከምኡ እውን የካቲት 2003 ናብ ባግዳድ መልእኽቲ ዕርቂ ናይ ር.ሊ.ጳ ሒዞም ዝኸድዎ ይዝከር።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

05 September 2019, 16:26