ድለ

2019.09.04 ነፍሰኄርብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ደ ኸሱስ ፒምየንቶ ሮድሪገዝ 2019.09.04 ነፍሰኄርብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ደ ኸሱስ ፒምየንቶ ሮድሪገዝ  

ኮሎምብያ (ደቡብ አመሪካ)፡ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ደ ኸሱስ ፒምየንቶ ሮድሪገዝ ኣብ 100 ዓመቶም ዓሪፎ

ናይ ማኒዛለስ (ኮሎምብያ) ሊቀጳጳስ ነበር ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ደ ኸሱስ ፒምየንቶ ሮድሪገዝ ቅድሚ ትማሊ ዕለት 3 መስከረም ምሸት ኣብ መበል 100 ዓመቶም ዓሪፎም ከምዝዓረፉ እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መገሻኦም ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዘከርዎምን ዝተሰመዖም ሓዘን ከምዝገለጹን እንክምልከት ኩሎም ጳጳሳት ኮሎምብያ እውን ሓዘኖም ከምዝገለጹ ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዜና ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ደ ኸሱስ ፒምየንቶ ሮድሪገዝ ምስ ሰምዑ ጳጳሳት ኮሎምቢያ ስለኡ ከምዝጽልዩን እግዚኣአብሔር ንነፍሰኄር ካርዲናል ኾሰ ጸዋዕታ ብምዕዳሉን ብዝሃብዎ ምስክርነትን ከምኡ እውን ነዊሕ ዕድመ ስለዝጸገዎ ምስጋና ከምዘቅርቡ ገሊጾም። ነፍሰኄር ካርዲናል ኾሰ ቀንዲ ዝልለየሉ ኣብ ኮሎምብያ ሰላም ንክነግስ ብዙሕ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ እዚ ከኣ ደኺመ ከይበሉ ሠናይ ነገር ናይ ኩሎምን ምዕባሌ ሃገሮምን ንምውሓስን ብሓሳብ ብመጽናዕቲ ብተግባር ብዙሕ ከምዝጐስጐሱ ይንገር።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም

ኣብ ዛፓቶካ እትብሃል ከተማ ኮሎምብያ ዕለት 18 የካቲት 1919 ዓም ተወሊዶም ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ወዲ 22 ዓመት እንከለው ክህነት ተቀቢሎም ኣብ 36 ዓመቶም ከኣ ብዕለት 28 ነሐሰ 1955 ዓም መዓርገ ጵጵጽና ብዕለት 14 የካቲት 2015 ከኣ ካርዲናል ኮኑ። መሪሕ ቃሎም ‘ንዓይ ሕይወተይ ክርስቶስ እዩ’ (ፊሊ 1.21) ነበረ። ብዕድመ ኣብ ዓለም ምሉእ ዝሸምገሉ ካርዲናል ንሶም ነበሩ።

ብዙሕ ከምዘጽንዑን ከምዘበርከቱን እንክንገር ብቀንዱ ግን ኣባል ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምዃን ብ1964 ኣብ ኣርባዕተ ክፍልታት ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ኣብ መደዪን (1968) ኣብ ፕወብላ (መክሲኮ 1979) ኣብ ሳንቶ ድሚንጎ (1992) ተሳቲፎም።

ብ1972 ክሳብ 1978 ንክልተ ተኸታተልቲ ግዝያት ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ኮሎምብያ ኮይኖም ኣገልገሉ። ኣብ ብዙሕ ሲኖዶሳት ተሳተፉ። ብቀንዱ ኣብ ኮሎምብያ ሰላም ንምንጋስ ኣማኻሪ እንደራሴ ጳጳስ ማለት ኑንስዮ ኣፖቶሊኮ ኮይኖም ኣብ ዘተን ዕርቅርን ብዙሕ ኣበርከቱ። ዕለት 22 ግንቦት 1975 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ሊቀ ጳጳስ ማኒዛለስ ሾምዎም ን21 ዓመት ኣገልገልዋ።  ብዕለት 4 ጥሪ 2015 ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካርዲናል ሾሙዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 September 2019, 16:33