ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ፥ ዝተዓረቐ ሃገር ሃረር ይብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ፥ ዝተዓረቐ ሃገር ሃረር ይብሉ 

ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ፥ ዝተዓረቐ ሃገር ሃረር ይብሉ

ስርዓት ኦርተጋ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ምእመናንን ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ምፍርራሕ ተግባር ክውገድን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ ድኽነትን ተነጽሎነትን መፍትሒ ንኽርከበሉ እንታይ ይገበር?

ሓቅን ይቕረ ምብህሃልን መገዲ ሰላም እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኒካራጉዋ ናብ ሕዝቢ ሃገሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ሃገሮም ንእትነብሮ ዘላ ማሕበራውን ግብረ ገባውን ቅልውላውን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን እውን ዝፍጸም ዘሎ ኣሳዶ ኰኒኖም፡ ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ናብ ቀቢጸ ተስፋ ዘይኰነ ኣብ ቅድሚ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዘቑጽር ዘሎ ቅልውላው ዕለታዊ ተመሮክሮ  ኣብ ዝዀነሉ እዋን ናብ ተስፋ ዝመርሕ መልእኽቲ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ፥ እቲ ዝጸውዕዎ ንሰላምን ፍትሕን ናይ ጸሎት ሰሙን ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት 15 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ዘመሓላለፍዎ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ስርዓት ኦርተጋ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ምእመናንን ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ምፍርራሕ ተግባር ክውገድን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ ድኽነትን ተነጽሎነትን መፍትሒ ንኽርከበሉ እንታይ ይገበር? ብቐጻልነት ዝርአይ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ኣብታ ሃገር ብጋሴ ሓድሽ ምዕራፍ ዝዕንቅጽ ኩነት ኣብ ዘለሉ እዋን ደሞክራሲያዊ ማሕበራዊ ሕይወት ከመይ ገርካ ክተህልው ይከኣል? ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ ኢማዕርነትን ስእነት ስራሕ ተበላጽነትን ንምውጋድ ዘይከኣል ዘምስል ኩነትን ኢፍታሓውነትን ማሕበራዊ ነጽሎነትን ስደንት ከመይ ገይርካ እዩ ዝእለይ?

ኣብ መርሕነት ዘሎ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ዘቕርብ ኰይኑ ኣብ ዘይርከበሉ ዘሎ ዓይነት ምንባር ከመይ ገርካ እዩ ተስፋ ንምዕቃብ ዝከኣል? ከመይ ገርካ ካቶሊክ ኰይንካ ምስቲ ሕልናን ዘየኽብርን ብናይ ሕዝቢ ጥምየት ምስ ዝጣላዕ ኣካል ብምትሕብባር ክትዓዪ ዝከኣል? ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ጭካኔ እናሃለወ ከመይ ገይርና ኢና ምሕረት እንህብ? ቢሎም ኵሉ ብሓባር ሃገሩ ከፍቅርን ንናይ ሓባር ረብሓ ክዓዪ ሓደራ ቢሎም፡ ብፍላይ እቶም ኣደዳ ስደት ኮይኖም ዘለዉ ምእመናን ስለ እምነቶም ጸኒዖም ጠበቓ ኰይኖም ክርከቡን፡ ኣብ ልዕሌኦም ዝፍጸም ስቓይ እውን ይሃሉ መሓርቲ ኰይኖም ብምርኻብ አቲ ዝነብርዎ ተስፋ ከካፍሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ኣብ መልእኽቶም ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓብራ ጂሶቲ ኣስዕቢበን ጳጳሳት ኒካራጉዋ መልእኽቶም፥ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጠቒሶም፡ ፍትሕን ሕውነትን ምትሕብባርን ዝረኣየላ ዝተዓረቐትን ተስፋ ዝዓሰላ ሃገር ሃረር ንብል ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ፥ ዝተዓረቐ ሃገር ሃረር ይብሉ
17 September 2019, 18:17