ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዉም ሓሳብ ዛዕባ ሓምላይ፡ መሬት ንምድሓን ኣብ ሓሴት ንምንባር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዉም ሓሳብ ዛዕባ ሓምላይ፡ መሬት ንምድሓን ኣብ ሓሴት ንምንባር  

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዉም ሓሳብ ዛዕባ ሓምላይ፡ መሬት ንምድሓን ኣብ ሓሴት ንምንባር

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ኣገባብ ምዕባለ ምስ ናይ መጻኢ ጥዕና እንነብረሉ ዓለም ዝዛተይን ተቐባልነት ብዘለዎ መደብ ልምዓት ምትካእ

ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ሓምላይ ምንቅስቓስ ዘይከነስ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ፡ ኵለንተናዊ ምህዳራዊ ምዕባለ ወትሩ ብውልቅን ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ደረጃ ቀዳምነት ከወሃቦ ዝግብኦ መደብ ክኸውን ከምዘለዎ ዘዘኻር ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዕምቆት ዘብርህ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣብ ከቢድ ኵለንትናዊ ሓደጋ ይርከብ ከምዘሎን፡ ነዚ ሓደጋ እዚ ንምብዳህ ግዚኡ ሕጂ እዩ፡ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ እዩ፡ ምህዳራዊ ቅልውላው ብፍላይ ምቅይያር ናይ ከካቢ ኣየር ጽሕፍቶ ኣይኰነን፡ ነዚ ዘረጋግጹ ብዙሓት ናይ ስነ ምርምር ሊቃወንቲ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዞም ዘካየድዎ መጽናዕትታት ንምጥቃስ እውን ዝከኣል እዩ።

ምዕባለ ብዝብል ምስምስ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ጥራሕ ልምዓት ዝብል ከይዲ ሃይማኖቱ ዝገበረ ዓለም ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ከቢድን ንሓዋሩ ንኽትኣልዮ ዘይከኣል ናይ ተፈጥሮን ናይ ኣእምሮን ኣካልን ማህሰይቱ የስርጽ ኣሎ፡ ነዚ ዘስተውዓሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ድሕሪ ስነ ምህዳር ሰብኣዊ ክብሪ ከምዘሎ ዘመላኽት ሓድሽ ዓይነት ስነ ምህዳራውነት የመላኽቱ፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘገድሶም ዝመርጾም ድምጸ ህዝቢ እንተዘይኰነ ካልእ ግዲ ዘይብሉ እያቶም፡ ሓቂ ዘይኰነስ እቲ መራጺ ሕዝቢ ክሰምዖ ዝደሊ ንሳቶም ዋላ ዘይኣምንሉ እውን እንተዀኑ ንኣኡ ዘነብንቡ እያቶም፡ እዚ ዓይነት ፖለቲካ’ዚ ሓጺር እምበር ነዊሕ ጥማቶ ዘይብሉ እዩ።

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ኣገባብ ምዕባለ ምስ ናይ መጻኢ ጥዕና እንነብረሉ ዓለም ዝዛተይን ተቐባልነት ብዘለዎ መደብ ልምዓት ምትካእ ዝብል ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና ኣሎ፡ ነቲ እዋናዊ ዓለምን ሕብረተሰብን ንውልቅን ንትካላትን ተቕዋማትን ፖለቲካን ክልውጥን ክሕድስን ዝኽእል ኣበርክቶ ዘቕርብን ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ሰማያዊ ኣቦ ኣብ ዝጸንዕ ተስፋ ዘይምብኳር።

ንነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰናይን ዝተሓደሰን መጻኢ ዘውሕስን ጽባቔ ዝዕቅብን ኵለንተናውነት ዝብል ኣገባብ ምንባር ንዓለም ዘቕርብ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ፡ ስለምንታይ ናይቲ ዝርአይ ዘሎ ኣዕናዊ ቅልውላው ምህዳር ከቢድ ዋጋ ዝኸፍል እቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ፡

ማሕበራውን ምህዳራውን ፍትሒ ተማራዀስቲ ምዃኖም  ዘመልኻትን፡ ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ዓለም ለኻዊ ሳዕቤን ዘለዎ ከምዝኸንን፡ ብዙሓት ዜጋታት መሬቶም ተመንዚዖን ኣብ ገዛእ ዓዶም ባህሎምን ልምዶምን እቲ ሚልዮናዊ ስኒትን ውዱን ምስ ከባቢኦም ናይ ምንባር ኪደት ተመዛቢዑ መጻእተይና ኰይኖም ንኽነብሩ ተገዲዶምን ኣብ ቅድሚ እዚ ግብረ ምጽናት’ዚ ማንም ሸልልተይናን ዘይግደሶን ኰይኑ ክነብር የብሉን፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈት። ናይ ድኻታት ገዓር ልሳና ክኸውን ኣለዎ! ሓደ ነገር ብናጻ ክዕደለካ ክትምዝምዞን ክትጐዝዮን ኣይኰነ፡ ብተራኻ ንኸተካፍሎ፡ ፍስሓ ኣብ ኵሉን ንዅሉን መታን ክኸውን ዝጽገው ጸጋን፡ እተካፍሎን ህያብ፡ ሰብኣዊ ምህዳር ኵለንተናዊ ሰብዓዊ ዕብየት ዘረጋግጽ እዩ።

26 September 2019, 17:31