Southern separatist fighters are pictured during clashes with government forces in Aden Southern separatist fighters are pictured during clashes with government forces in Aden 

ኲናት ሕድሕድ ንሓድነት የመን ይጻባእ ሕዝቢ ከኣ ይሳቐ! ብፁዕ ኣቡነ ሂንደር

ኣብ ሃገረ የመን ብዝማዕበለ ኲናት ሕድሕድ፡ ኩነታት’ታ ሃገር ናብ ተዋስኦ ዝመሰልን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን መድረኽ እንክበጽሕ፡ ምንም ኣበር ዘይብሎም ንጹሓን ሰላማውያን ሕዝቢ’ቲ ሃገር ግን፡ ብብዙሕ ሓሳረ መከራ ይሓልፉ ኣለዉ ክብሉ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኦማንን የመንን ዝጥርንፍ ሓዋርያዊ መስተናብር ናይ ደቡባዊ ዓረብ ብፁዕ ኣቡነ ፖል ሂንደር ኣውያቶም ኣስሚዖም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ የመን እቲ ግጭት ብኢራን ዝድገፉን ተኸተልቲ ሽዓ ዝኾኑን፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ቲ ሃገር ዝቕመጡ ተቓወምቲ ጉጅለ ካብ ሁቲ ዝተባህሉ ዓሌት ናይ ሕዝቢ የመን፡ ኣብ 2014ዓምፈ ንዋና ከተማ ሰንዓ ምስተቛጻጸርዋ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ይዝከር።

ካብ 2015ዓምፈ ጀሚሩ ግን፡ ደገፍ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዎ፡ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሓ፡ ብዓሌት ተኸተልቲ ሱኒ ዝቖማ ልፍንታውያን መንግስታት፡ ነቲ ብሕቡራት ዓለማት ኣፍልጦ ዝነበሮ ፕረሲደንት የመን፡ ኣበድ ራቦ ማንሱር ሃዲ ዝመርሖ፡ ተኸተልቲ እስላማዊ እምነት ሱኒ ዝኾኑ ዓሌት ሕዝቢ የመን ብምድጋፍ፡ ኣንጻር ዓሌት ሁቲ ከምዝተንስኡ ይፍለጥ።

ካብ ምጅማር ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ፡ ኣብ ኣደን ደቡባዊ ክፋል ናይ’ቲ ሃገር ግጭት ከምዝተወልዔ እንክፍለጥ፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ግጭት ከኣ፡ እቶም ብልፍንታውያን መንግስታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ማልሻ’ቲ ሃገር ንፕረስደት ሃዲ ምዕላው ካብ ዝንቀሳቐሱ ንደሓር፡ ኣብ ልፍንታውያን መንግስታት ዘይምስምማዕ ከምጽእ እንከሎ፡ ኣብ ሕዝቢ’ቲ ሃገር’ውን ምምቕቓል ከምዘስዓበ ተሓቢሩ።

ትማሊ ረቡዕ ዕለት 28 ነሓሰ፡ ብሱዕዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት`ቲ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ኣደን ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ’ቶም ዝተፈንጨሉን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉን ጉጅለ ብምሕዳግ ከምዝተቖጻጸርዋን፡ ቀጺሎም’ውን ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ከፋል’ታ ከተማ ዝርከብ መንበሪ ገዛውቲ ከምዘጥቅዕዎ ዓበይቲ ሰበስልጣንን ነበርቲ’ቲ ከባብን ሓቢሮም።

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ‘ኣብ መንጎ ልፍንታውያን መንግስታት ተፈጢሩ ዘሎ ነቓዕ፡ ንሓድነት ናይ`ቲ ሃገር መኻልፍ ኮይንዎ ኣሎ’ ክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ሂንደር ንራድዮ ቫቲካን ካብ ኣቡዳቢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓቢሮም።

ኣስዒቦም’ውን ‘ሽሕ’ኳ ኣብ መንጎ ልፍንታውያን መንግስታትን፡ የመናውያን ዓሌት ሁቲን ምምቕቓልን ዘይምስምማዕን እንተተራእየ፡ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ኣብ ልዕሊ ሕማቅ ስለዝዕወት፡ ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግባእን’ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ሂንደር ኣብ መንጎይናነት ናይ ሕቡራት ሃገራት ተስፋ ብምግባር፡ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ኣብ ዘካይድዎ ንጥፈታት ‘ሓገዝ ኣጽዋር ደው ምባል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሽግሮም ኣብ ጣውላ ወሪዶም ብምርድዳእ ክፈትሑ ዘኽእሎም ሓነጽቲ ሓሳባትን መሳለጥያታት ብምቕራብ ቁስሎም ክሕብሱ ክሕግዝዎም ኣለዎም’ ኢሎም። ኣስዒቦም’ውን ብሰንኪ ኣብ’ቲ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ዜጋታት’ቲ ሃገር፡ ካብ ቤቶም ተምዛቢሎም፡ ብሓያል ጥምየትን ሕማም ይሳቐዩ ኣለዉ ብምባል ብኽያቶም ድሕሪ ገሊጾም፡ ቀጺሎም’ውን ‘ሽሕ’ኳ ኣብ’ቲ ሃገር ሓያል ዓቕሚ ሰብን ብዙሕ ዕቑር ባሕርያዊ ሃብትን እንተሃለወ፡ ኮይኑ ግን ሰላም እንተዘየሎ ኩሉ ከንቱ እዩ’ ብምባል ንዕብየትን ኣገዳስነት ሰላም ኣስሚሮምሉ።

ብሰንኪ ኣብ’ቲ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብኣቶም ከኣ ብሓያል ጥምየትን ሕጽረት ሕክምናን ይሳቐዩ ከምዘለዉ እንክሕበር፡ እታ ሃገር ብሓፈሻ ናብ ፍጹም ጥምየት ተሸሚማ ከምዘላ ተፈሊጡ።

ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት ኣዕራብ ካብ ዝተወልዑ ግጭታት፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተራእየሉ፡ ልዕሊ 24 ሚልዮን ማለት 80% ሕዝቢ ናይ’ቲ ሃገር፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮ ሓቢሮም። ብተወሳኺ`ውን ኣብ’ቲ ሃገር፡ ሕማም ሸሮኽ ሓደ ካብቶም ኣሸገርቲ ሕማማት ኮይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዝግበር ዘሎ ኲናት ሕድሕድ፡ ልዕሊ 2500 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ተዓስኪሮም ከምዘለዉ እንክንገር፡ ልዕሊ ፍርቂ ደቀንስትዮ`ቲ ሃገር’ውን ትሕቲ 15 ዕድሜአን ከምዝምርዓዋ ተፈሊጡ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ንጥፈታት ኣብ የመን ዝኾና ሊሰ ግራንደ ‘ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ሓድሽ ን 12 ሚሎዮን ኣብ ኲናት ከባቢታት ዝርከቡ ሕዝቢ ዝኣክል ተወሳኺ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ፡ ንልዕሊ 2.5 ሚልዮን ኣብ ዓጸቦ ጥምየት ዝርከቡ ሕጻናት፡ ዝወሃቡ ናይ ሕይወት ኣድሕን ረዲአት ከምዘይበጽሖም’ ኣጠንቂቐን።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 August 2019, 18:47