ተጋብኡ በቅጽበት ለግንዘተ እሙ ቅድስት ብፁዓን ሓዋርያት ተጋብኡ በቅጽበት ለግንዘተ እሙ ቅድስት ብፁዓን ሓዋርያት  

፩ ሰንበት ዘፍልሰታ 5 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. (8/11/2019

መዝሙር፡ ዮም ንወድሳ ለማርያም. . በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይለ ልዑል ዘጽለላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ። ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ቆላ 1፡24-28፥ 1ጴጥ 1፡6-12፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ሉቃ 10፡38-42  ምስባክ፡ እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ “አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ” መዝ.87፡5።

ካብ 1-16 ነሓሰ ዘሎ ጊዜ ብፍሉይ ንዝኽሪ ፍልሰታ ለማርያም ብጸሎትን ምህልላን ጾምን እነሕልፎ እዋን እዩ። ጾመ ፍልሰታ ወይ ጾመ አርድእት እውን ይብሃል እዩ። ምእንቲ ክብሪ ማርያም ናብ ብዓል ፍልሰታ ንምስንዳው እንገብሮ ክልተ ሳብዕቲ እዩ። ድንግል ማርያም ከም ወዳ ብሥግአ እውን ካብ ሙታን ከም ዝተንስኤት እሞ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰት ዘኪርና ነብዕሎ።

ፍልሰታ ለማርያም ሓደ ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ አምላኽ ንሓደ ወዱ በቲ ባዕሉ ዝገበረላ ጸጋን ባዕላ አብ ሕይወታ ብዘርአየቶ ሰናይ ግብርን ካብዚ ዓለም ምስ ተፈልየት አብ መወዳእታ ንሰማይ ፈሊሳ ምስኡ አብ ግርማ ክብሩ ተቐሚጣ ስለ ዘላን ንአና ደቃ አብቲ ንሳ ዘላቶ ክንመጽእ ከምእትሕግዘና ክንሓስብ እዩ። ሓደ ካብቲ ፍሉይ መለልዪ ማርያም ትሕትና እዩ። ነቲ ዅሉ አምላኽ አብአ ዝገበሮ እናፈለጠት እንከላ ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ከም ዝነበረት ሉቃስ ወንጌላዊ አብ 2፡19 ይነግረና። ሰባት ሓደ ዓቢ ነገር እንተረኸብና ወይ እንተ ገበርና ክርአየልና ስምና ክብ ክብል ኢና እንደሊ ማርያም ግን ትሕትና ገራ አደ አምላኽ ከም ማንም ሰብ ኮይና እያ ትነብር ነራ። ሉቃስ ቀጺሉ ነቲ ኹሉ ወዳ ምስ ወለደት ዝተጓነፋ ስደትን ውርደትን ከምኡ አብ መስቀል ክመውት ምስ ረአየት አየማረረትን እኳድአ ምእንቲ ድሕነትና አብ መስዋዕቱ ምእንታና ተሳቕያ ነዚ ኹሉ እውን አብ ልባ ትሕዞን ተስተንትኖን ነራ።

ማርያም አብ ምስጢር አምላኽ ተሳቲፋ ንድላይ አምላኽ ፈሊጣ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት ነቲ ካብ አምላኽ ዝንገር ክንፍጽም ትነግረና። ንሳ ነቲ ብፍጡራት ክትሓዝ ዘይክአል አብ ከርሳ ሒዛቶ ኩሉ ሰብአዊ ባህሪ ካብአ ወሲድዎ ከም ኩለን አደታት እንታይነት ወዳ ትፈልጥ ነራ እንተ ኾነ ነዚ ኹሉ ከም ማንም ብትሕትና እያ እተስተማቕሮ ነራ እዚ እዩ ሎሚ ክነስተንትኖ ተደልዩ ዘሎ። ብትሕትና አብ አምላኽ ቀሪብካ ምኽአል።

አብዚ ፩ይ ሰንበት ዘዘመነ ፍልሰታ እምብአር ጋሻና ንዝኾነ ክርስቶስ ብትሕትናን አኽብሮትን ክንቅበል አደና ቤተ ክርስትያን ትሓተና አላ። ማርያም አደና መልአኽ አደ አምላኽ ክትከውን መደብ አምላኽ ምስ ነገራ “ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ” እናበለት ንቃል አምላኽ ዝኾነ ወልድ አብ ከርሳ ክትቅበሎ “ሕራይ” ኢላ ተቐቢላቶ። ሕይወታ ምስኡ ሓደ ገራ አብ ኩሉ ምስኡ ተጓዒዛ በዚ ቀዳመይቲ ሓዋርያ ትብሃል። ንአምላኽ ከም ጋሻና ክንቅበል እንከሎና ፍሉይ ጸጋን በረኸትን እዩ ዝወርደና። አምላኽ በብእዋኑ ብዝተፈላለየ መገዲ አብ ሕይወትና ከም ጋሻ ይመጽአና ክንቅበሎ ክነለልዮ ይግብአና።

ንሰባት ብጽቡቕ ምቕባል ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዘሎና ክርስትያናዊ ጽቡቕ ነገርን ግቡእን እዩ። ከምኡ አብቲ ጋሻ ዝኾነ ክርስቶስ ክንቅበል እናተሰናዶና ከሎና ንሓውናን ሓፍትናን እውን ክንቅበል ግን ብዝያዳ ክነድህቦ ዝግብአና አብ ክንዲ አብ ንዋታዊ ነገራት አብ መንፈሳዊ ነገራት ክኸውን ይግባእ።

ክርስቶስ ጋሻ ኮይኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ይመጽአና እዩ።

አብ ዘፍ 18፡1-10 አብርሃም ብእምነት አቦ ኩልና ዝኾነ ንሰለስተ አጋይሽ ብጥቓ ገዝኡ ንዝሓልፉ ዝነበሩ ከም ዝተቐበለ ነንብብ። አብዚ አብርሃም መጀመርያ ምስ እግዚአብሔር ይዛረብ ጽንሕ ኢሉ ኸአ ምስ ሰለስተ አጋይሽ ይዛረብ፥ ብዙሓት ተርጎምቲ ቅ. መጽሓፍ ዝብልዎ እዞም ሰለስተ አጋይሽ ብርእሶም ስላሴ እዮም ነሮም ይብሉ ብዝኾነ እዚ ኾነ እቲ እዞም አጋይሽ አምላኽ ብርእሱ ወይ ከአ ልኡኻት ካብ አምላኽ እዮም ነሮም። አብርሃም ነዞም አጋይሽ ዘድልዮም ነገር ጥራሕ አይ ኮነን ቀሪብሎም አብ ድንኳኑ ጽቡቕ ገሩ ተቐቢሉ ኩሉ ዝበልዎ ብአኽብሮት ሰሚዑ። አቀባብልኡ እንታይ ዓይነት መንፈሳውነት ከም ዘልኦ ይገልጽ። በቲ ዝገበሮ አብ ቅድሚ አጋይሹ ክብሪ ረኺቡ ምሉእ ቤቱ ከአ ተባሪኹ።

ንሓደ ሰብ ብዝያዳ ዘይንፈልጦ ጽቡቕ ክንገብረሉ ከሎና እቲ በረኸት ንአና እዩ አብ ግብሪ እውን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። መጠን አብ ሰናይ ግብሪ ዝወፈርናሉ መጠኑ ዕግበትን ሓጎስን ይፈጥረልና። አብርሃም ብጥቓ ገዝኡ ንዝሓልፉ ዝነበሩ አብ ቤቱ ከላግሱ ዓዲምዎም በዚ ዝበለጸ በረኸት አብ ቤቱ ወሪዱ ንሕና እውን ንሰባት ጽቡቕ ክንገብር እንከሎና በረኸት እዩ ዝወርደና ስለዚ ንሰብ አብ ጽቡቕ ምግባር ክንጽዕር አሎና።

ቅ. ጳውሎስ ንጹርን ሕጽር ብዝበለን ክገልጸልና እንከሎ “እቲ አምላኽ ንዓለም ዝገለጾ ምስጢር ክርስቶስ ብገዛእ ርእሱ አብ መንጎና ዘሎ እዩ” ይብል። ብርግጽ እዚ እቲ ጋሻናን ናይ ክብሪ ተስፋናን ንሱ እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ከም ሓደ ዓርኪ ንሓደ ዝበጽሕ ኮይኑ ይመጽአና። ነዚ ምስጢር ክንቅበል ከሎና ሓደ ካብቲ አቐዲምና ክንገብሮ ዘሎና ጉዳይ እዩ ማለት ምስ አምላኽ ቀዋምን ንነውሕ ጊዜ ዝቕጽል ርክብ ክንገብር ዘኽእለና እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል ብሕጽር ዝበለ ወጣሪ ኩነት የቕርበልና ናይ እዚ ምኽንያት ከአ ነጋይሽና ግዙፋዊ ሓገዝ ከምዘየድልዮም ዝመስል ገሩ ስለ ዘቕርቦ እዩ። ኢየሱስ ንማርታ ክምልሰላ እንከሎ “ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትስህርን አሎኺ እቲ ዘድሊ ነግር ግን ሓደ ነገር ጥራይ እዩ” ኢልዋ። እዚ አብ ግዙፍ ነገራት ብዝያዳ ከይነድህብ እንታይ ድአ ናብ መንፈሳዊ ነገራት ክነተኩር ዝነግር እዩ።

ናይ ሎሚ ወንጌል አብ ሕይወትና ቀዳምነታት እንህቦም ሰሪዕና ክንክእል ዝነግር እዩ። ምናልባት ኢየሱስ ንማርታ አብዚ ዝሰማዕናዮ ዝበላ አብ ገዝአ ከምቲ ዝድለ ገራ አይተቐበለቶን ትኸውን፥ ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ዝያዳ ክትሰምዕ ይግብአ ነሩ ይኸውን። እቲ ዝበለጸ ተቕባል ንሰባት ጽቡቅ ተቕባል ማለት እቲ እተርእዮ አገባብን ቃላትን አቀራርባ እዩ እምበር ብስም ዝብላዕ ዝስተ ቀረብካሎም ጽቡቕ ተቐቢልካዮም ማለት አይ ኮነን። ዝስተ ማይ ቀሪብካ ጽቡቕ መንፈስን አኽብሮትን እንተ አርአኻ ዘዕግብ ተቕባል ክኸውን ይኽእል እዩ። አብ ገለ እዋን ሰባት ካባና ዝደልይዎ ንዋታዊ ነገር ዘይኮነ አድህቦና እዩ።

አብዚ ዘመና ሰባት ቀዳምነታት ክህብዎ ዝብግብኦም ገላቢጦስ ገረሞ አለዉ። እዚ ኸአ አብ ክንዲ ንነፍስና ንአምላኽን ቀዳምነት ሰሪዕና እንዓዪ አብ ሓላፍን ግዝያውን ነገራት አድሂብና ንአምላኽ አወጊናዮ አብ ናይ ዓለም ነገራት ጸፋዕፋዕ ክንብል ንርአ አሎና። ንድሕነት ነፍስና ዝኸውን ጊዜ ስኢና “busy” ኮይነ እናበልና አብ ሰንፈላል ንነብር አሎና። ገለ ሰባት አብ ስራሕ አምላኽ ዝኸውን ጊዜ አልኦም ግን ነቲ ዋና ስርሕ ዝኾነ አምላኽ ዝኸውን ጊዜ የብሎምን። ብዙሓት ብማሕበራውን ዓለማዊ ነገራት ተዋሒጦም አብ ናይ ቤተ ክርስትያንን ስድራኦም ጉዳያት ዘንጊዖም አብ ዝተደናገረ ሕይወት ይነብሩ አለዉ። ንመንፈሳዊ ሕይወትና ዝኸውን ጊዜ ስኢና አሎና።

አብ ስድራታትና አብ ኩሉ ነገራት ብጽፈትን ብአትኩሮን ንዓዪ አሎና ግን አብ እምነትን መንፈሳዊ ዕብየት አባላት ስድራ ቤትና ግን ወላ ሓንቲ አድሂብና አይንፈልጥን። አብ ማሕበራዊ ነገራት ከም አብ መርዓ ሞት ውራያት ዝኸውን ምሉእ ጊዜ አሎና አብ ናይ አምላኽ ነገር ብፍላይ አብ መንፈሳዊ ነገራትና ግን ጊዜ የብልናን። ተለቭዥን ንስዓታት ክንርኢ ጊዜ አሎና ንሓጺር ጊዜ ብግልን ብሓባርን ክንጽሊ ቅ. መጽሓፍ ክነንብብ ግን ጊዜ የብልናን።

ንአምላኽ እንረኽበሉ ጊዜ ክንውስን አሎና እዚ ብስድራን ብግልናን ክኸውን ይኽእል። ማርያም ሓደ ካብቲ መለልይአ አብ ሕይወታ ንአምላኽ ዘንጊዓ አይትፈልጥን እዚ ኸአ አብቲ ዝደገመቶ ጸሎት “ነፍሰይ ንአምላኽ ተዕብዮ” ዝብል ንርእዮ። ንሕና እውን ደቂ ማርያም ኢና እሞ ሎሚ ንአምላኽ ምስኡ ክነዕልል ክንሰምዖ ጊዜ ንርከበሉ።

ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክነደልድሎ/ክነጽንዖ አሎና እዚ ኸአ አብ ምስኡ ከም ስድራ ቤት ኮፍ ብምባልን እንታይ ከምዝብለና አድህቦ ብምሃብን ክንገብሮ ንኽእል። ክርስቶስ ክነስተውዕል  ክንሰምዖ ይደሊ እዩ ምኽንያቱ ገለ ነገር ክብለና ዝደልዮ አለዎ። አብ ነፍሲወከ መዓልቲ ምስ ስድራና ጊዜ ክንህቦ እሞ ምሳና ክኸውን ይደሊ አሎ። ስለዚ ንክርስቶስ ምስኡ ከይንኸውን ወይ ክንዕድሞ ዝኸልአና ነገር ወይ ከይነስተብህለሉ ዘዘንግዓና ነግር ካባና ክንርሕቖ የድሊ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ምስኡ ክንከውን አብ ቅድሚኡ ክንህሉ እዩ ዝደልየና። ከምቲ መዘምር ዳዊት ዝብሎ “ጻድቃን አብ ቅድሚ ኅላዌ አምላኽ ይነብሩ” (መዝ. 14/15)። 

አብ መደምደምታ እምብአር ከምቲ አብርሃም ነቶም ሰማያውያን አጋይሹ ብክፉት ልቢ ዝተቐበለ፥ ከምቲ ማርታ ንኢየሱስ ገዝአ ከፊታ ዝተቐበለት፥ ከምቲ ጳውሎስ ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ኢሉ ስቓያትን መከራን ክቕበል ፍቓደኛ ዝኾነ ወላ እኳ ነፍስወከፍ ፍጻሜ ፍሉይ ይኹን አብዚ ሰንበት ንሰባት ብሕጉስን ብሩህን ትሕትና ብዝመልኦ ክንቅበል ልብና ንኽፈት።

ዘመነ ፍልሰታ ብሕቕፊ ማርያም አቢልና አብ አምላኽ ክንቀርብ እሞ ብሓቂ ድላይ አደና ክንገብር ብምሉእ ልብና ንጀምር። ማርያም ለሚ እውን ደቃ አብ ወደ ክንምለስ ቃሉ ክንሰምዕ መገዲ ሰማይ ክንተሕሃዞ እሞ ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ድላያ እዩ። አብ ዝደኸምናሉን ዝዘንጋዕናሉን ጊዜ ሰአሊ ለነ ማርያም ንበላ። ኦ ማርያም አደና ከማኺ ትሕትና ለቢስና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ሓግዝና ነበላ።

ቅድሳና ሰላምን ፍቕርን ዘውርድ ምህልላ ፍልሰታ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

10 August 2019, 13:50