2018.08.31 ሩባታት ማይ 2018.08.31 ሩባታት ማይ  

ሰንበት ዘአንቅዕት ሓምለ 28 2011 ዓ.ም. (8/01/2019)

መዝሙር፡ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ ምኵራቦሙ ለአይሁድ• . . “ኢየሱስ ብሰንበት አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ ሰንበተይ አኽብሩ እናበለ መሃሮም፥ ብሰንበት አጋንንቲ አውጽኤ ብቓሉ ንለምጻማት አንጽሔ ብሰንበት አብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ ጭቃ ገበረ ብጥፍጣፉ ንዕዉር አሕወየ፥ ዘራእን ዓጻድን ብሓንሳብ ምእንቲ ክሕጎሱ አብ ኵላ ምድሪ አብ ኵላ ወገን አብ ዘድሊ ቦታ ዘበለን ንደመናታት ዝናብ ከውርዱ አዘዞም፥ ምድሪ ኸአ ርእያ አመስገነቶ ባሕሪ ድማ ሰገደትሉ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ክርስቶስ አብዚ ምድሪ ኩሉ ምሕረት ክገብር ከም ዝመጸ ዘኪርና ሎሚ ንሕና እውን ካብ ኩሉ መንፈሳውን ሥጋውን ሕማምና ክንሓዊ አብኡ ክንቀርብ ከም ዝግብአና የዘካኽረና።

ንባባት፡  ቆላ 1፡15-20፥ ያዕ 3፡1-9፥ ግ.ሓ. 27፡27-34፥ ሉቃ 10፡25-37።  ምስባክ፡ያዐርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር ወገብረ መብረቅ ለጊዜ ዝናም፥ ዘያወጽኦም ለነፋሳት እመዛግብቲሆሙ። “ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ ኸም ዚለዓል ይገብሮ፥ ብጊዜ ዝናም       መብረቕ ይገብር፥ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ” መዝ 135፡7።

አብዚ ሰንበት ዘአንቅዕት አምላኽ ምሳና አብ ጥቓና ብቃሉን ብኸማና ዝበሉ ሰባት ከምዘሎ ክንሓስብን ክነስተንትን ዝሕግዘና ፍሉይ ሰንበት እዩ። ከም ምስሊ ናይ እቲ ብዓይኒ ዘይርአ አምላኽን ከም ሕያዋይ ሳምራውን ክርስቶስ ሎሚ እውን አብ ኩሉ ኩነታት ሕይወትና ምሳና አሎ። ስለዚ ቤተ ክርስትያን ክነስተውዕለሉ እትሓተና ዘላ አምላኽ ብቃሉን አብ ጾትናን ከምዘሎ ክንእመን።

እዋኑ ከም ሎሚ ከይኮነ ኩሉ ሩባታት ማይ ዝነቕዑሉ ጎቦታት ሽንጭሮታት ኩሉ ድምጺ ውሓዚ ማይ ዝስምዓሉ መንፈስካ ፍሉይ ርግአትን ሓጎስን ዝስምዓሉ እዋን እዩ፥ በዚ ምኽንያት እዩ ሰንበት ዘአንቅዕቲ ተባሂሉ ዝስመ። በዚ አምሳል ብጸጋ አምላኽ ተሸሊምና ንኻልኦት አሕዋትና እውን አብ አምላኽ ክምለሱ እሞ ጸግኡን ምሕረቱን ከስተማቕሩ ክንሕግዝ ከም ዝግብአና ፈሊጥና አብ ሓገዝን አሕዋትና ክንወፍር ዘዘኻክር ሰንበት ኢና ነብዕል ዘሎና።

አብ ዘዳግም 30፡10-14 ዘሎ እንተ ርአና ሙሴ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ናይ ስንብትን ምፍናውን ዝሃቦ ዘረባን ናይ መጨረሻ መምርሒን ነንብብ። አብዚ እቲ ቀንዲ አትኩሮ አብ ቃል አምላኽ ጸኒዖም ክነብሩ ዝነግር እዩ፥ እዚ ማለት ከአ ከምቲ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ትእዛዛቱ ከኽብሩ ኪዳኑ ክሕልዉ ብኻልኦት ተጸልዮም ንአምላክ ከየጉህዩ አትሪሩ ነጊርዎም። ዘረባ ሙሴ ንአና እውን ዘዘኻኽረና መልእኽቲ አለዎ፥ ማለት አምላኽ ሎሚ እውን ምሳና አሎ አብ መንጎና ኮይኑ ከም ቀደም ጽግኡ ክህበና ስንድው እዩ ሓንትስ ትእዛዛቱን ቃሉን ንስማዕን ንሓሉን እምበር። ሙሴ ንሕጊ አምላኽ ክነግሮም እንከሎ “. . . እዚ ሕጊ እዚ ኲኖ ወይ ልዕሊ ክእለትኩም አይ ኮነን ወይ እውን ዘይትርድእዎ አይ ኮነን. . . . .” እናበለ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዘይኮነ ክሕልውዎ ከም ዝግባእ ነጊርዎም፥ ንአና እውን ከምኡ እዩ፥ ሕጊ አምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ አይኮነን እኳ ድአ ክትፍጽሞ ዝቐለለ እዩ፥ አምላኽ ከአ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ አይሓድገናን እዩ።፥ መጠን አብኡ ዝቐረብናን ቃሉ ሰሚዕና ሕይወትና ዝመራሕናሉ መጠኑ ሰላም ፍቕሪ ቅሳነት አብ ሕይወትና ይርአ። እቲ ብፍቕሪ ዝፈጠረና አምላኽ ከድሕነና ክመርሓና ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ ሓንትስ ንሕና ንቕረቦን ንስማዓዮን።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንረኽቦ መንፈስ ቅዱስ ዓይኒ አእምሮና ከብርሃልና ንለምኖ። ንቃሉ ክንእዘዝን ክንሰምዕን ሕይወትና ብእኡ ክንመርሕ ዝተጸዋዕና ኢና ምኽንያቱ ናይ ሕይወት ምንጪ ስለ ዝኾነ። አምላኽ ብቃሉ ገሩ ምሉእ ርእሱ ገሊጹልና ግን እቶም ተጊሆም ዝጽዕሩ ጥራሕ እዮም ክረኽብዎ ዝኽእሉ። “ትሑታት ነዚ ርእዮም ኪሕጎሱ እዮም፥ እቶም ንአምላኽ ዜምልኽዎ ኸአ ይጸናንዑ” (መዝ. 69፡32)። ዝቐለለ መገዲ ብቐረባ አብ ጥቓ አምላኽ ከም እንኸውን ዝገብረና ንቃሉ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነብሮ ከሎና ጥራሕ እዩ።

አብ ሕይወት ብዙሓት እንተ ረአና አፍልጦ ቅዱስ መጽሓፍን ርድኢቱን ዝህቦ ጸጋን ስአን ምርዳእ ከይፈለጥናዮን ከይተረዳእናዮን ንነብር። እንታይ እዩ አብዚ ዘብጽሓና? ስለምታይ ኢና ቃሉ ዕለት ዕለት ክንሰንቆ ዘይንደሊ?ገለ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት እዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል።

  • ዘይምፍላጥ፡ ካቶሊካውያን አፍልጦና ብዛዕባ ቅ. መጽሓፍ ውሑድ እዩ፥ አይነንብቦን ኢና። ቅድሚ ፪ይ ጉባኤ ቫቲካን ምእመናን ቅ. መጽሓፍ ባዕሎም ከንብብዎ ተተባባዕ አይነበረትን ብፍላይ ከኒሻ ካብ ቤተ ክርስትያን ምስተፈልዩ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብቶም ደለይቲ ለውጢ ከምድላዮም ይትርጉምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ቤተ ክርስትያን ካብዚ ተበጊሳ ምእመናን ዘይግብኦ ትርጉም ከይህብዎ ብማለት ካህን ከምኡ አፍልጦ ዘለዎ ጥራሕ እዩ ክገልጽን ከንብብን ዝብል ባህሊ አተአታትያ ካብዚ ዝተላዕለ ንቅ. መጽሓፍ ምንባባ ልሙድ አይ ነበረን። ር.ሊ.ጳ. ልዮን XIII “Providentissumis Deus ብኅዳር 18 1893 አብ ዝጸሓፍዎ ከምኡ ፕዮስ XII Divno Afflante Spiritus ብ1945 ዝተጸሓፋ ጳጳሳውያን ጽሑፋት ቅ. መጽሓፍ ብዝያዳ ክንርድኦን ክነንብቦን አዊጆምልና። ቅ. ጂሮም ድንቁርና ቅ. መጽሓፍ ድንቁርና ክርስቶስ እዩ ከም ዝበሎ ንክርስቶስ ክንፈልጥ ቅ. መጽሓፍ ክነንብብ ክንርዳእ ክንፈልጥ አሎና።
  • ልምዲ ምንባብ ቅ. መጽሓፍ የብልናን። ንቅ. መጽሓፍ መዓልታዊ ከም መግቢ ዕለትናን ክነንብቦ ክንሰምዖ ዝብል ልምዲ የብልናን። እዚ አብዘይ ምፍላጥ አብጺሑና። መዓልታዊ ክነንብብ እንከሎና ቃል አምላኽ ኢና እንሰምዕ እዚ ኸአ ዝዓበየ ጸሎት እዩ። ባህሊ ንባብ ቅ. መጽሓፍ አብ ስድራታት ክተአታቶ ኩልና ክንጽዕር አሎና። ቃል አምላኽ ዘንብብ አምላኽ ምስኡ አሎ።
  • ትርጉምን ርድኢትን ቅ. መጽሓፍን ትውፊትን እተስተምህረና ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ከም እትገልጸልና ዘይምፍላጥ። ክርስቶስ ብዝሃባ ስልጣን ቤተ ክርስትያን እያ ዋና ቅ. መጽሓፍ። ሎሚ ንቃል አምላኽ በብዝደለይዎ አንቢቦም ዝትርጉሙ ማእለያ የብሎምን እዚ ኸአ እዩ ንብዙሓት አብ ጌጋን ዘይምፍላጥን አብጺሑ ዘሎ። ነቲ ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ትምህርትን መጽናዕትን ጥራሕ ክንክተል አሎና እዚ ኸአ አብ ሓቀኛ ርድኢት ቃል አምላኽ የብጽሓና።

ቅ. መጽሓፍ ቃል አምላኽ ስለ ዝኾነ እሞ ብቐረባ ንአምላኽ ከም እንረክብን እንሰምዕን ስለ ዝገብረና ክፍሊ ሕይወትና ገርና ክንጥቀመሉ አሎና። ቅ. መጽሓፍ ናይ መከራኸሪ መጽሓፍ አይ ኮነንን ገለ ሰባት ከምዚ እዩ ዝብል ከምዚ እባ እናበሉ ዝካትዑ ብዙሓት እዮም አብዚ እዩ እቲ መናፍቕነትን ዘይትርጉምን ዝመጽእ ስለዚ ቅ. መጽሓፍ መጸለዪ ንአምላኽ ክንሰምዕ ባብ ዝከፍት ስለ ዝኾነ ከምቲ ቤተ ክርስትያን እትብለና ሰሚዕና ክንምራሕ ይግብአና እምበር ከከም ዝደለናዮ ክነንብቦ እንተ ኾና ዘይ ናቱ ትርጉም ክንህቦ ቀሊል እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ዝጸሓፋ ንሎሚ ዝተነበትልና አምላኽ ክሳብ ክንደይ ምሳና አብ ጥቓና ከም ዘሎ ክንሓስብ ይነግረና። ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ (ናይ እቲ ዘይርአ አምላኽ ምስልን ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ዝኾነ በዅሪ ወዱ) ገሩ አብ መንጎና ሓዲሩ ቃሉ አስሚዑና እናበለ አትኩሮና አብቲ አምላኽ አብ መንጎና ክኃድር ኢሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጽአና ጌርና ምስኡ ክንዕረቕ ከም ዝግብአና ይነግረና። ከምኡ ቤተ ክርስትያን ከም ሰውነት ክርስቶስ ህያው ግዙፍ ኅላዌ አብ መንጎና ከምዘሎ እትገልጽ ምዃኑ ክንርዳእ ይነግረና።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እቲ ምሁር ሕጊ ንኢየሱስ መን እዩ ብጻየይ እሉ ምስ ሓተቶ ኢየሱስ ክምልሰሉ እንከሎ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንታይ ከም ዝብል እዩ ሓቲትዎ። እዚ ኸአ አምላኽ አብ ቃሉ ከም ዝርከብ ከረድኦ ኢሉ እዩ። ንአምላኽ ምፍቃር ማለት ንቃሉ ምፍቃር እዩ። ነዚ ብዝያዳ ክገልጽ ኢሉ ናይ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳሌ አምጺእሉ። ቃል አምላኽ አብቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ሕያው ኮይኑ። ቃል አምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርእሱ እዩ፥ ንሱ ይዛረበና ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ከአ ኩሉ ጊዜ አብ ጥቓና አሎ ሓንትስ ርኢና ንኽአል እምበር።

ናይ ሎሚ ወንጌል ከመይ ኢሉ አምላኽ ብኻልእ መገዲ ምሳና ከምዘሎ እውን ይገልጸልና፥ እዚ ማለት ከአ አብ ብጻይና አብ ከማና ዝአመሰለ ሰብ ዓለቱ ሃይማኖቱ እንታይነቱ ብዘየገድስ ማለት እዩ። ከም ሕያዋይ መምህር ኩሉ ጊዜ አብኡ ክንቀርብ እንከሎና ሓንጎፋይ ኢሉ ይቕበለና አብቲ እንገብሮ ንአሽቱ ነገራት ምሳና አሎ። ንሱ አብ ቅዱስ መጽሓፍ፥ አብ ድኻታት፥ አብ ቅኑዓት፥ ጻድቃናት፥ አብ ሕሙማትን ድኹማትን አብቶም ብሰብ ዝተናዕቁ አቢሉ አብ ጥቓና አሎ። ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ አብዚአቶም ክንረኽቦ እንተ ፈተና አብኡ ክጸንሓና እዩ።

እቲ ሳምራዊ መን እዩ ሓወይ ንዝብል ድሮ ይፈልጦ ነሩ እዩ። ኩሉ ሓወይ ሓፍተይ ኢሉ ዝአምን ሰብ ከምዝነበረ አብቲ ዝገበሮ አብ ግብሪ አርእዩ። ነቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ ሓቂ ዝኾነ ነገር ድሮ ይፈልጦ ነሩ “ኵሎም ብአኡ ዝተፈጥሩ እዮም”። መበቆል ፍጥረትና ካብ ሓደ አምላኽ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ክንርኢ ከም ዝግብአና እዚ ሳምራዊ ድሮ ፈሊጥዎ አብ ምሕጋዝ ሓዉ ድሕር አይ በለን።  

ንሱ ነቶም ንክርስቶስ አብ ሕሙማት አብ ቍሱላት አብ ድኻታት ዝደልይዎ ይውክል። ከምኡ ንክርስቶስ እቲ ባዕሉ ሕያዋይ ሳምራዊ ብዝበለጸን ዝልዓለን ይውክል። ክንደክም ክንሓምም ክንጽላእን ንበይንና ክንከውን ከሎና ክሕግዘና ቀልጢፉ ይመጽእ። ካብ ቍስልናን ካብ ኩሉ ጸገማትናን ክሕውየና ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ፥ ክአልየና ከሕውየና ኢሉ ኩሉ ጊዜ አብ ጥቓና አሎ። “. . . . አምላኹ ዚቐርቦ ህዝቢ ክንደይ ዓቢ ክቡር ህዝቢ እዩ” (ዘዳግ 4፡7)።

ሕያዋይ ሳምራዊ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዝምህረና ንሱ ነቲ አይ ምዉት አይ ስሩር ዝነበረ ሰብ እሞ እቶም ካህናት ረጊጾሙ ዝከዱ ካብ ቍስሉ ብዘይትን ወይኒን ገሩ ሓጺቡ ጥራሕ አይ ኮነን አሕውይዎ፥ አብቲ ብስነ አእማራውን ስምዒትን ተጎዲኡ ዝነበረ ፍቕሪ ሓልዮት አርእይዎ፥ ፍቕሪ ኸአ ልክዕ ከምቲ ዘይትን ወይንን መዝነን ኮይኑ ክሓዊ ሓጊስዝዎ። አብ ልዕለና ክፉእ ዝገብሩ ሰባት ከምኡ ንሕና አብ ልዕሊ ካልኦት ክፉእ ክንገብር እንከሎና ንርእሶም ተጎዲኦም ከምዘለዉ ከይፈለጡ ወይ ከይፈለጥና ኢና እንገብሮ። ዝበለጸ ፈውሲ ናይ እዚ ኩሉ ፍቕሪ እዩ። ንሰባት እንተ ዘይ አፍቂርናዮም ኩሉ ጊዜ ቍሱሉት ኮይኖም እዮም ዝነብሩ ክነፍቅሮም ይግብአና። ብርግጽ ፍቕሪ ክትህብ አብ ገለ እዋን ቀሊል አይ ኮነን ግን ክነሕውዮም ወይ ክንሕግዞም እንተ ኾና ፍቕሪ ዓቢ ተራ አለዋ።

አብ ሕይወትና ምልስ ኢልና እንተ ርአና ንርእስና ንሓደ/ንቲ ብዝኾነ ምኽንያት አብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቆም ዘለዉ ካብ ዘለውዎ ከተንሥኦም ፈቲነዶ እፈልጥ። ቍስሊ ሰባት ክተሕዊ ፈቲንካ/ኪዶ ትፍለጥ/ጢ ወይ ኩሉ ጊዜ ክትሕገዝ ክግበረልካ/ኪ ኢኻ/ኺ እትደሊ። አብ ሕይወትና ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ንርአ እሞ ብርግጽ አብ ሕይወቱ/ታ አብ ሕማቕ ኩነታት ዝነበረ ሓጊዝና ንኸውን ሽዑ ክንሕግዝ ከሎና ንኢየሱስ ኢና ሓጊዝና “ካብዞም ንአሽቱ ንሓደ ዝገበርክምዎ ንአይ ገበርክምዎ” (ማቴ 25፡40) ይብለና።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር መጀመርያ ቃል አምላኽ ክነንብብን ክንርዳእን መዓልቲ መጸ ክንገብሮ ዘሎና ክንዝክር፥ ከምኡ አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ ሰናይ ነገር ክንወፍር እንከሎና አብ ጥቓና ከምዘሎ ፈሊጥና ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ አብ ምድኃን አሕዋት ክንወፍር ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተጎዲኦም ቆሲሎም ዘለዉ ዝሓውዩሉ መገዲ ክንረክብ ልብና እምነትና አብ አምላኽ ገርና ንውፈር ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

03 August 2019, 17:50