Cristiani perseguitati Cristiani perseguitati 

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ድሮ ናይ ሰላም መደብ ጸሎት እንደገና ካልእ ካህን ተቐቲሎም!

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ድሮ ናይ ሰላም መደብ ጸሎት፡ ዳግም ካልእ ናይጀርያዊ ካቶሊካዊ ካህን እንክቕተሉ፡ ኣብ ኦወሪ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ’ቲ ሃገር ዝርከቡ ኣቡናት ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ‘ሕዝቢ’ቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ክለተ ሓዊ ማለት፡ ኣብ መንጎ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን ሕጋውን ጸቕጥታት ብሓደ ወገን፡ ግህሰታት፡ ዓሊትነት ጓሶት ፉላኒ ከምኡ’ውን ካልኦት ግዳም ሓደር ተጻባእቲ በቲ ካልእ፡ ተቐርቂሮም ከዝርከቡ’ ሓቢሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ድሮ መዓልቲ ናይ ሰላም መደብ ጸሎት፡ ዝሕዝን ቅትለት ናይ ሓደ ናይጀርያዊ ካህን ከምዝተፈጸመ እንክንገር፡ እቲ ካህን ናብ ጉዳይ ዕርቂ ናይ ብሰንኪ ዓሌታውነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ’ቲ ሃገር ዝሰዓበ ግጭት እናተጓዕዘ ከሎ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።

ስም ናይ’ቶም ዝተቐትሉ ካህን ደቪድ ታንኮ ኮይኑ፡ ናብ ታኩን ዝተባህለ ዓዲ ብመኪና እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ ኣብ መንገዲ መንነቶም ዘይተፈልጡ ብረት ዝዓጠቑ ደው ኣቢሎም ብምቕታል፡ ንስግኦምን መኪናኦም ከምዝቃጸልዎም እንክንገር፡ ንሶም ኣብ መንጎ ቲቭን ጁኩንን ዝተባህሉ ሕዝብታት ንዘጋጠመ ግጭት፡ ንምሽምጋልን ብሰላም ንምዕፍን ብዝብል መደብ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ ህሞት ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ነበርቲ’ቲ ከባቢ ብዝግለጽዎ ሓሳብ መሰረት፡ እቶም ፈጸምቲ`ቲ ቅትለት፡ ገለ እኩያት ማልሻ ካብ ዓሌት ቲቭ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።

ኣቡን ናይ ሃገረ ስብከት ጃሊንጎ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሚካኤል ሃማዋ ንቕትለት ናይ ደቪድ ታንኮ ምስ ሰምዑ ኣዝዩ ከምዝደንጸዎምን፡ ሽዑ ንሽዑ ነቲ ፍጻሜ ከምዝኾነንዎን እንክፍልጡ፡ ብምልኡ`ቲ ሃገረ ስብከት ኣብ ሓዘን ከምዘሎ ሓቢሮም።

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ፖሊስ’ቲ ከባቢ ነቲ ፍጻሜ የጽንዕዎ ከምዘለዉን፡ ገበነይናታት ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ፈርዲ ከቕርቡ ከምዝኾኑን ቃል ከምዝኣተዉ እንክፍለጥ፡ ኣቡን’ቲ ከባቢ ብፁዕ ኣቡነ ሃማዋ’ውን ብወገኖም፡ ሕይወት ፈጸምቲ`ቲ ቅትለት ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ገበነይናታት ናብ ፍርዲ ክቀርቡ’ምበር፡ ዳግም ዘየድሊ ጌጋ ከፍጸም ኣይንደልን ፡ ንኸይፍጸም’ውም ክንጽሊ ኣሎና ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም ዝተቐትሉ ካህን ንዝመጽእ ዕለት 2 መስከረም እንክኸውን፡ ዕለት 3 መአስከረም ከኣ፡ ሬስኦም ኣብ ሃገረ ስብከት ጃሊንጎ ዝርከብ መቓብር ንምዕራፍ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ጳጳሳት’ቲ ሃገር ክፈርሑ ከምዘይብሎም ኣተባቢዕም

ኣብ`ቲ እቶም ጳጳሳት ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ሕዝቢ`ታ ሃገር ብጎዳእትን ሓደገይናታትን ዝኾኑ ክስተታት ይሓልፍ ከምዘሎ ብምግላጽ ‘ክትተብርዑ ኣለኩም! ኣይትፍርሑ!’ ብምባል ንሕዝቦም ከምዘጸናንዑ ተሓቢሩ።

ሽሕ`ኳ መዓልቲ መጸ፡ ካብ ንግሆ ከሳብ ምሸት ወረ ማሕረድን ቅተለትን፡ መጭወይትን ዓመጽን፡ ምግባት መሬትን ዕንወትን እንተሰማዕና፡ በዚ ከይተደሃልኩምን ከይፈራሕኩምን ብዘይተስፋ ምቁራጽ፡ ብቐዳምነት ኣብ ኣምላኽ፡ ብድሕሪኡ ከኣ ኣብ ቅዋም መንግስቲ ዝተሰረቱ፡ ሕዝባውያንን ሕጋውያንን ኣኽበርቲ ጸጥታ፡ እምነት ክምገብር ኣሎና ኢሎም።

ኣብ መንእሰያት ዝርአ ሽቅለት ኣልቦነት

ካልእ ኣብ’ቲ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ሽግር ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ መንእሰያት’ታ ሃገር ኮይኑ፡ በዚ ዝተሰከፉ ጳጳሳት ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ብዘይካ መትሮጶሊታን ርእሰ-ኤጳርቅና ኦወሪ፡ ካልኦት ኩለን ሃገረ ስብከታት ኣባ፡ ኣህያራ፡ ኦኪግወ፡ ኦርሉ ከምኡ’ውን ርእሲ ከተማ ናይ’ቲ ፈድራላዊ መንግስቲ ኣብያ ዝኾነት ኡምዋህያ፡ ኣብ ከቢድ ሽቕለት ኣልቦነት ከምዝርከቡ ገሊጾም።

ብዙሓት ካብ’ቶም ብሽቕለት ኣልቦነት ዝሽገሩ ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ሓነጽትን ከዕብዮም ዝኽእሉ ብሉጻት ሞያታትን ዘማዕብሉ፡ ኣብ ዘይረብሑን ክሳብ ንሕይወትም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ስራሓት ብምውፋር፡ ብሓጺር ግዜ ገንዘብ ከኻዕቡቱ ከምዝቃለሱ እንክሕበሩ፡ ነዚ ዝተዓዘቡ ኣቡናት’ቲ ሃገር ‘እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎኩም ርክብ ብምሕዳስ፡ ኣብ እምነትኩም ከትጸንዑን፡ ኣብ’ቲ መንጪ ኩሉ ሓይልና ዝኾነ ኣምላኽ ብምስራት፡ ነቲ ክርስትያናዊ ሕውነትን ዕርክነትን ክነብርዎ’ ምዕድኦም ለጊሶም።

መንግስቲ ንዜጋታቱ ክከላኸል ኣለዎ

ኣቡናት ናይጀርያ ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፡ ‘መንግስትን ሰበስልጣን መንግስትን፡ ብቅዋም መንግስቲ መሰረት፡ ንንፍስወከፍ ዜጋ`ቲ ሃገር ብዘይ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣፈላላይ ክከላኸልሉን ጸግዒ ክኾኑዎን ኣለውም’ እዚ ክገብር እንተዘይኪኢሉ፡ ሓድነት ናይ ሃገር ብዘይ ዋጋ ከንቱ ክምዝተርፍን፡ ከምሳዕቤኑ ከኣ ዜጋታት ሃገር ብውልቆምን ከምዝመስሎምን ንግዛእ ርእሶም ክከላኽሉ ክወጹ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም።

መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ኣስዒቦም’ውን ጳጳሳት’ቲ ሃገር ኣብ መልኽቶም፡ ንኹሎም ክርስትያን ኣብ ጸሎት ነቒሖም ብምጽላይ፡ ንሓይሊ ጸልማትን ክፍኣትን ግህሰትን ክስዕርዎ ድሕሪ ምዒዶም፡ ኣብ መወዳእታ ሎሚ ዕለት 30 ነሓሰ፡ ኣብ’ቲ ሃገረ ስብከት ሓደ ብዛዕባ ሰላም ናይ ናይጀርያ ዝግደስ ናይ ጸሎት መጽሔት ምሕታም ክጅምር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 August 2019, 19:32