2019.08.20 Mons. A. Juliasse, Pellegrinaggio a Ressano Garcia 2019.08.20 Mons. A. Juliasse, Pellegrinaggio a Ressano Garcia 

ሞዛምቢካውያን ስለ እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ር.ሊ.ጳ ኣብ ሃገሮም ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጸልዮም!

ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ዝርከቡ ካብ ርእሰ ኤጳርቅና ሞፑቱ ዝኾኑ ካቶሊክውያን፡ ናብቲ ኣብ ረሳኖ ጋርሽያ ዝርከብ መካነ ንግደት ፍልሠታ ለድንግል ማርያም ብምኻድ፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝመጽእ ወርሒ ተመዲቡ ዘሎ ምብጻሕ ናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ናብ ሃገሮም፡ ብዓወት ምእንቲ ክፍጸም ጸልዮም፡ ክብል ሀርሚንዮ ጆሰ ካብ ሞፑቱ ሞዛምቢክ ንራድዮ ቫቲካን ሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

 ብሓደ ክፋል ናይ ርእሰ ኤጳርቅና ሞፑቱ ዝኾነን፡ ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤትጽሕፈት ዝተወደበን፡ ብተሓጋጋዚ ኣቡን ናይ ርእሰ ኤጳርቅና ማፑቶ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንዮ ጁልያሰ ፈረራ ሳንድራሞ ዝተመርሐን፡ ምብጻሕ ናብ መካነ ንግደት ኣካይዶም።

እቲ ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ናብ ክልል ሞፑቱ እንክኸውን፡ ኣብ ረሳኖ ጋርሽያ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ዘሎ እምባ ዝርከብ፡ ፍልሠታ ለድንገል ማርያም ዝተባህለ መካነ ንግደት ኮይኑ፡ 80 ኪ.ሜ. ካብ ሞፑቱ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ርሒቑ ይርከብ።

እቲ ናብ’ቲ መካነ ንግደት ዝተገብረ ምብጻሕ፡ ብነዊሕን ዓሚቕን መንፈሳዊ ኣስተንትኖ ዝተሰነየን፡ ጸሎተ-መሥዋዕተ ቅዳሴ ጥርዙ ዝገበረን፡ ዓቢ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከምዝነበረ ተገሊጹ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ጉዕዞኦም፡ ብእምነቶም ክሕደሱን፡ ኣብ ጉዕዞ ሕይወቶም ብርትዐ ክረኽቡን ብዝብል ሓሳብ ኣዕሚቖም ከምዝጸለዩን እንክፍለጥ፡ ብፍላይ’ውን ምእንቲ ሰላም ዓዶም፡ ምእንቲ ዕዉት ምብጻሕ ቅድስነቶም ናብ ሃገሮምን ብፍሉይ ከምዝጸለዩን እንክፍለጥ፡ ምብጻሕ ናይ ቅዱስ ኣቦና’ውን፡ ነቲ ኣብ’ቲ ሃገር ተኽሲቱ ዘሎ ውሽታዊ ዘይምርግጋእ፡ መንፈስ ሕውነትን ምርድዳእን ኣውሪዱ ፍቕርን ሰላምን ዘዕስል ክገብሮ ጸሎቶም ከምዘዕረጉ ተገሊጹ።

ኣብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎም ክብሪ

ክቡር ኣባ ሪካርዶ ሪበሮ ሓደ ካብ’ቶም ነቲ ናይ ንግደት ጉዕዞ ዝወደቡ፣ ምስ ራድዮ ቫቲካን ብዝገበርዎ ዝርርብ መሰረት፡ እቲ ዝተገብረ መደብ፡ ምእመናን ናይ’ቲ ርእሰ ኤጳጳርቅና ክሳብ ክንደይ ዓሚቕ ፍቕርን ክብርን ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዘለዎም ዘንጸባርቕ ምስክርነት ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ተሓጋጋዚ ኣቡን ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶንዮ ጁሊያሰ ብወገኖም ነቲ ንግደት ኣመልኪቶም፡ ንራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ‘ናብ’ቲ መካነ ንግደት ቅድሚ ምብጻሕና፡ ከም’ቲ እኖ ኣምላኽን እኖናን ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ነቲ ወዳ መስቀሉ ተሰኪሙ ናብ ቀራንዮ እንክጓዓዝ ዘሕለፎ ስቅያትን ቃንዛን ዝመስከረት፡ ንሕና’ውን ብወገና ብጸሎተ-ፍኖተ መስቀል ተሰኒና፡ ስቅያትን ሞትን ክርስቶስ ከነስተንትንን ናብኡ ክንቀርብን ኣክኢሉና እዩ’ ብምባል ንዘነበሮም ዕዉት መድብ ንገደት ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ፡እቲ ብምጻሕ ናብ መካነ ንግደት ዝተሰነየ ዓሚቕ ጸሎትን ኣስተንትኖን፡ ብዓቢኡ ነቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ካብ ዕለት 4-6 መስከረም 2019 ናብ ሃገረ ሞዛምቢክ፡ ቀጺሎም’ውን ናብ ሃገረ ማዳጋስካርን ማውሪታንያን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብሰላምን ብዓወትን ንክፍጸም ዝዓለመ መደብ ጸሎት ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል
22 August 2019, 14:26