ኣደነት ኣደነት 

ማሕጸን ምክራይ ሞራላዊ ኣይኮነን! ህንዳዊ ካቶሊካዊ ምሁር ስነ-ጥዕና

ናይ ስነ-ጥዕና ምሁር ዝኾነ ህንዳዊ ካቶሊካዊ ዶር. ፓስኮል ካርቫሎ፣ ብዛዕባ ናይ ክራይ ማሕጸን ኣመልኪቱ ብሰኑይ ዕለት 5 ነሓሰ 2019ዓምፈ፣ ብታሕተዋይ ባይቶ ፓርላማ ናይ ሃገረ ህንዲ ዝሓለፈ ቅጥዕታት ናይ ፍቓድ፣ ሽሕ`ኳ ንውሕስነት ደቂ-ኣንስትዮን ሕጻናትን’ዩ እንተተባህለ፣ ብዓይኒ ሞራላዊ ትምህርቲ ግን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ዮናስ ስዮም - ከተማ ቫቲካን

ፓርላማ ላዕለዋይ ባይቶ ናይ ሃገረ ህንዲ፣ ነቲ ብፓርላማ ታሕተዋይ ባይቶ ናይ ሃገረ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 5 ነሓሰ ዝጸደቐ ፍቓድ ምልጋስ  መሸጣ ክራይ ማሕጸን ተቐቢሉ ከምዘተኣታተዎ ኣፍሊጡ።

ብፍላጥ ዝግበር ናይ ክራይ ማሕጸን

ብናይ 2019፣ ቅጥዕታት ፍቓድ ናይ ክራይ ማሕጸን መሰረት፣ ‘ስነምግባር ፍላጣዊ ክራይ ማሕጸን’ (ethical altruistic surrogacy) ንደቂ-ተባዕትዮ ካብ ከልል ዕድመ 23-50 እንክኸውን፣ ንደቀንስትዮ ካብ ክልል ዕድመ 26-55 ንዝኾና ፣ ከወልዱ ንዘይደልዩ ሰብ ሓዳር ነቲ ኣገባብ ክጥቀሙ ፍቃድ ዝህብ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

እቲ ቅጥዒ ወሲኹ፣ እታ ንማሕጸና ንክራይ እትህብ ኣደ፣ ቀረባ ዘመድ ናይቶም ዘርኦም ዝህቡ ተጻመድቲ ክትከውንን፣ ብዘይካ ንውሕስነት ጥዕንኣን፣ ወጻኢታት ሕክምናን ዝምልከት፣ ካልእ ትሓቶ ካሕሳ ከዘይህሉ ይገልጽ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕጊ፣ ንወጻእተይናታትን፣ ተቐመጥቲ ንዘይኮኑን፣ ናይ ህንዲ መበቆል ዘለዎምን፣ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ህንዳውያንን ኣይጠቓልልን። ካብኡ ቀጺሉ`ውን ንዘይተመርዓዉን፣ ንግብረሰዶማውያን፣ ንምርዕዋትን፣ ብሓዳር ንዘለዉ ሰብ ውሉድን’ውን ኣየጠቓልልን ዝብል ትሕዝቶ ከምዘለዎ እንክፍለጥ፣ እታ ማሕጸና እተወፊ ኣደ ከኣ፣ ሓደ ጊዜ ኣብ ሂወታ ጥራሕ ከምዝፍቀዳ ይሕብር።

እዚ ሕጊ’ዚ ብፓርላማ ታሕተዋይ ባይቶ ናይ ሃገረ ህንዲ፣ ኣብ 2018ዓምፈ ሓሊፉ’ኳ እንተነበረ፣ ብፓርላማ ላዕለዋይ ባይቶ ናይ’ቲ ሃገር ብዘይምጽዳቑ፣ ተወንዚፉ ከምዝጸንሐ ይዝከር።

ውሕስነት ደቂኣንስትዮን ሕጻናትን!፧

እቲ ነቲ ቅጥዕታት ዝነደፈ ሚኒስትሪ ጥዕናን፣ ትካል ተጣባቒ ስድራቤትን ናይ’ቲ ሃገር፣ ነቲ ጉዳይ ኣልዒሉ፣ እዚ ሓድሽ ሕጊ`ዚ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ካብ ብልሽውና ዝከላኸል፣ ነቶም በቲ መንገዲ ዝውለዱ ሕጻናት’ውን ከይተረፈ ውሑስ ናይ መሰልን ተኸላኻልነትን ኩነት ከምዝፈጥረሎም ይገልጽ።

ኣብ’ቲ ሃገር ብዝተገብረ ሓርፋፍ ገምጋም መሰረት፣ ኣስታት 2000-3000 ነዚ ጉዳይ ዘአንግዳ፣ ዘይሕጋውያን ኣብያተ-ጥዕና ኣብ’ቲ ሃገር ከምዘለዋ ክሕበር እንከሎ፣ ብውሑዳት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወጻእተይናታት፣ ኣብ’ተን ዘይሕጋውያን ኣብያተ-ጥዕና ክጥቀሙ ከምዝጸንሑን ብምግላጽ፣ ንመጻኢ ቀጻሊ ቁጽጽር ክግበረሉ ከምዘለዎ ናይ’ቲ ሃገር ምኒስተር ጥዕና ዝኾነ ዶር. ሃርሽ ቫርዳን ኣስሚርሉ።

ናይ ማሕጸን ክራይ ብሞራላዊ ትምህርቲ ቅቡል ኣይኮነን

ሽሕ’ኳ መንግስቲ ናይ ሃገረ-ህንዲ ንጉዳይ ሕጋውንት ናይ ክራይ ማሕጸን ኣመልኪቱ ብዙሕ እንተተዛረበን እንተጽደቖን፣ ብዓይኒ ሞራላዊ ትምህርቲ ግን፣ ተቐባልነት ከምዘይብሉ፣ ካቶሊካዊ ዶር. ፓስኮል ካርቫሎ ካብ ሞምባይ ሓቢሩ።

መንነት ዶር. ፓስኮል ካርቫሎ

ዶር. ፓስኮል ካቶሊካዊ ሊቅ ናይ ማይክሮ-ባዮሎጂስትን (Micro-Biologist) ኢሙዩኖሎጂስትን (Immunologist) ኮይኑ፣ ብዛዕባ  ሥርዓተ  ቲሹ ኩነት ምጽናዕ  (Tissue Culture) ፍሉይ መጽናዕቲ ዝገበረ ኣባል ናይ ንሕይወት ዝድግፍ ጳጳሳዊ ኣካደሚ ቫቲካንን (Vatican pontifical Academy for Life) ኣባል ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ናይ ቦምባይ እትርከብ፣ ንሕይወት ወድሰብ እትጣበቕ ኮሚተን (Human Life Committee) እውን ኢዩ።

ኣብ ላቦራቶሪ ምድቓል ዘይሞራላዊ’ዩ (In vitro fertilization or IVF Immoral)

ዶር. ካርቫሎ፣ ብትምህርቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መሰረት እዚ ብዛዕባ ክራይ ማሕጸን ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ሕጊ ሞራላዊ በደልን ግህሰትን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ዶር. ኣስዒቡ ነዚ ፍጻሜ’ዚ ዘይሞራላዊ ዝገብሮ ምኽንያት፣ እቶም ዘርኢ ናይ መጻምድቲ ሕክምናዊ መሳርሒታት ተሓጊዞም ካብ ንቡር ወጻኢ ኣብ ደገ ብምድቓል፣ ነቲ ድቂ ኣብ ማሕጸን ናይ ካልእ ኣደ ብምእታው ካብ ባህሪ ወጻኢ፣ ኣብኡ ክዓቢ ምግባር ፣ ዘይሕጋዊ ኣገባብን ስራሕን ዝተኸተለ ምዃኑ ሞራላዊ ኣይኮነን ክብል ገሊጹ።

ክብሪ ደቂ-ኣንስትዮ

ዶር. ኣስዒቡ ነቲ ገለ ሰባት ነዚ ስራሕ ናይ ክራይ ማሕጸን ንገለ ውላድ ዝሰኣኑ ስድራቤታት ጽቡቕ መፍትሒ’ዩ አሎም ከም ቅኑዕ ተግባር ዝርእይዎ፣ ጌጋ ኣመላኻኽታን ተግባርን ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ህንዲ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ቅርርብ ናይ ሰፊሕ ቤተ-ሰብ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ሕዝብታት፣ ብዙሓት ኣደታት ንኻልኦት ውላድ ዘይረኽቡ ወይ ዝምኸኑ ኣዝማደን ክፈርያሎም ክግድድወን ከምዝኽእሉን ከምሳዕቤኑ ድማ፣ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ማንም ናይ ክራይ ኣቅሓ ብምውራድ ንመፍረ ካልኦት ከምዘገልግላ ኮይነን ንሕይወተን ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ’ዩ ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ።

በዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያት እምበኣር፣ እዚ ዓይነት ኣገባብ መፍረ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊ ደቀ-ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ መላእ  ደቂሰባት ሞራላዊ በደል ምፍጻምን ዘይቅቡልን ከምዝኾነ እንክገልጽ፣ እዚ ኣቍዋም`ዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓሳባት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ናይቶም ሰብ ቅኑዕ ሕልና’ውን ኢዩ ክብል ገሊጹ።

ኩነታት ኣቊዋም ናይ መንግስቲ ህንዲ ኣብ’ቲ ጉዳይ ዘሰከፎ ዶር. ካርቫሎ ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ንጉዳይ ናይ ክራይ ማሕጸን ኣመልኪቱ ዘተኣታትዎ ዘሎ ሕጊ ጽቡቕ’ኳ እንተመሰለ፣ ምስ ቴክኖሎጂያዊ ምትእትታው ተጎዝጒዙ ዝመጽእ ሞራላዊ ሳዕቤናቱ ግን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ብምባል ዳግመ ግምት ክግበረሉ ተላብዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 August 2019, 19:40