2018.09.18 Kandhamal martyrs 2018.09.18 Kandhamal martyrs 

ድሕሪ’ቲ ኣሰቃቒ ሕልቂት ክርስትያን ኣብ ህንዲ፡ እምነት ዳግም ይዕንብብ!

ኣብ ሃገረ ህንዲ ዝርከቡ ክርስትያን፡ ንዝሓለፈ ሰንበት ‘መዓልቲ ካንዳህማል’ ብዝብል ስያመ፡ ንመበል 11 ዓመት ዝኽሪ ናይ’ቲ ዝበዝሑ፡ ኣብ ክልል ካንዳህማል ዝርከብ ኦዲሻ ዝተባህለ ዓዲ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ካብ ዝተፈጸሙ ግህሰታት እቲ ዝኸፍአ ግህሰት ከምዝተፈጸመላ እትፍለጥ ንምብዓል ከምዝተኣከቡ ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 25 ነሓሰ 2008ዓምፈ፡ ኣብ ካንዳሃማል ዝተባህለ ክልል ናይ ሃገረ ህንዲ፡ ንብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ናይ ሃገረ ህንዲ ዘደንጸወን ዘሰምበደን፡ ብዕለት 23 ነሓሰ 2008 ዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ስዋሚ ላክሽማናናንዳ ሳራስዋቲ ዝተባህለ ናይ ሂንዱ መራሒ ዝተሳበበ፡ ብኣኽረርቲ ተኸተልቲ ሂንዱ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዘስደምም ዘይሓልፍነታዊ ሕልቂት ከምዝተፈጸመ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንቅትለት ናይ’ቲ መራሒ ሓላፍነት ዝወስድ ማኦይስት ዝተባህለ ተቃዋሚ ሰልፊ’ቲ ሃገር ቅድሚ’ቲ ብሰንኩ ዝተሳበበ ህልቂት ተሓቢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ድሕሪ`ቲ ቅትለት ናይ’ቲ መራሒ፡ እቶም ኣኽረርቲ ሂንዱ ንኣዋርሕ ንዝቐጸሉ ነታ ሃገር ከምዘከላበትዋን፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ 100 ዝኾኑ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ’ውን ከምዝቖሰሉ እንክዝከር፡ 300 ኣብያተ-ክርስትያንን 6000 መንበሪ ገዛውቲ ከምዘዕነዉ’ሞ፡ ብሰንኩ ካኣ 50,000 ዝኣኽሉ ሕዝቢ ካብ ቤቶም እንክመዛበሉ፡ ካልኦት ውሑዳት ዘይኮኑ ሕዝቢ’ውን ናብ ጫካታት’ቲ ከባቢ ብምኻድ ከምዝተዓቖቡን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ኣደዳ ጥምየትን ኣራዊትን መንከስቲ ኣትማንን ብምዃን ከምዝሞቱ ይዝከር።

ውሑድ ዓመታት ስዒቡ፡ ናይ’ቲ ከባቢ ጓሳ ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ አቡነ ጆን ባርዋ ናይ ኩታክ-ብሁባነስዋር፡ ንድሕሪ ናይ’ቲ ሕልቂት ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪቶም፡ ኣብ ኣመንቲ ሕዝቢ’ቲ ከባቢ ዝነበረ ፍርሒ ብምጥፋእ፡ በቲ ኣብ ኣምላኾም ዘለዎም ጽኑዕ እምነት፡ ንኹሉ ዝገጥሞም ብድሆታት ክስዕሩ ከምዝኽእሉ ንምርግጋጽ ‘ንሕዝብናን ኣብያተ-ክርስትያናን፡ መንበሪ ኣባይትናኳ እንተቃጸልዎ፡ ውሽጥና ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ብምቅጻል፡ ኣብ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ዘሎና ፍቕሪ ብዝያዳ ከምዘጉላዕልዕ ጌሩና እዩ’ ከምዝበሉ ኣዘኻኺሩ።

‘ንኣምላኽ ከመስግና ብሕይወት ዝተረፋ’ እናቴ መና

እናቴ መና ላሊታ ባርዋ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ኮይነን፡ ነቶም ካብ’ቲ ፍጻሜ ብሕይወት ዝተረፉ ኣሕዋትን ኣሓትን እንክዝክራ፡ ክሳብ ሕጂ ይሳቐዩ ከምዘለዉን፡ ኮይኑ ግን እቲ ፍጻሜ ኣብ እምነቶም ክዓብዩ ከምዝገበሮምን እንከፍልጣ፡ ንሰን ኣባል ናይ ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ድንግል ማርያም (Handmaids of Mary Congregation) ኮይነን፡ ጓል ሓዎም ንብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ባርዋ’ውን ከምዝኾና ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ እንተወሓደ ብሓደ ሰብኣይ ምስ ቶማስ ቸላን ዝተባህለ ካህን ከምዝተዓመጻን እንክግለጽ፡ በቶም ዓመጽቶም ክሳውዶም ክቁረጹ እናተዳለዉ ብፖሊስ ከምዝተናገፋን ሓቢረን።

እናቴ መና ኣስዒበን፡ ነቲ ግዜ መጥቃዕቲ ዘኪረን፡ ኣብ`ቲ ግዜኡ ብመንፈስ ፍርሒ ተመሊአ ነሬ፡ ብድሕሪኡ ግን ብዘይካ ንኣምላኸይ ብምሉእ ልቢ ኢደይ ምሃብ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበረኒ ምስ ኣስተውዓልኩ፡ ኩልንትናይ ንዓኡ ብምሃብ፡ ብዘሎኒ ሓይሊ ንዕኡ ተኣዘዝኩ’ሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ካብ ኩሉ ሽግረይ ኣሕውዩ ኣንጺሑን ሓዳስ ሰብ ብምግባር፡ ትርጉም ናይ ስቅያትን ፍቕርን ኣዝዩ በሪሁለይ’ ብምባል ምስክርነተን ከምዝሃባ ተሓቢሩ።

ንእናቴ መና እምበኣር መዓልቲ ካንዳህማል ማለት ‘ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ እንቕበለሉን ብኡ እንኸብረሉን መዓልቲ’ዩ’ ኢለን።

ሽሕ’ኳ እቲ ፍጻሜ ከም መስማር ኮይኑ እንተወግአኒ፡ ንኣምላኽ ደኣ የመስግኖ’ምበር ንዕኡ እናሓሰብኩ ኣየስቆርቅርን ብምባል፡ ኣብ ዓለም ንኣምላኽ እናመስገንኩ፡ ትርጉም ዘለዎ ሕጉስ ሕይወት ክመርሕ ስንድውቲ እየ ብምባል ነቲ ኣምላኽ ብሕይወት ንኽትቅጽል ዝፈቕደን፡ ካብ ስቅያት ጸጋ ዘፈልፈለን እናመስገንኩ እነብር ኣለኹ’ ኢለን።

ዕረፍቲ ናይ ግዜ ጽድያ

ኣብ`ቲ ቦታ 20% ናይ 730,000 ዝበጽሕ ሕዝቢ ካንዳህማል ክርስትያን ከምዝኹኑን፡ እቶም ዝተረፉ 80% ከኣ ደቀባት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 20% ግን ማእከላይ ዓሌት (Low Caste) ኮይኖም፡ ክልቲኦም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ብድኽነትን፡ ድንቁርናን፡ ተነጽሎን፡ ጭቆናን ዝነብሩ ሕዝቢ ከምዝኹኑ እዮም። ብኣነባብርኦም ሕጉሳት፣ ዝበዝሐ ጸዋዕታ’ውን ኣብቶም ሕዝቢ ከምዘሎ ብጽዕነቶም እንከመልክቱ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ኣብ ህንዲ ዘለዋ ማሕበራት፡ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ካብ ክልል ካንዳህማል እዩ ኢሎም።

ዝኾነ ካብ ካንዳህማልን ኦዲሻን ዝመጽእ ኣገልጋሊ፡ ኣብ መላእ ሃገረ ህንዲ ከገልግል ሕጉስ ከምዝኾነን፡ ንጸዋዕትኡ ክነብሮ ፍርሒ ከምዘይብሉን ብእኡ ከምዝኾርዕን፡ ብዘይ ነግፈረግ ከምዝዛረቡሉን ኣፍሊጦም።

ገና ፍትሒ ንጽበ

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንግዳያት’ቲ ፍጻሜ ብመንግዲ ሕግን ፍትሕን ካሕሳ ዝረኽብሉ፡ ኣግባባት ካብ ምፍታን ዓዲ ውዒላ’ኳ እንተዘይፈለጠት፡ ኮይኑ ግን ዛጊት ዝጭበጥ ስጉምቲ ከምዘየለ ተሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2016ዓምፈ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሃገረ ህንዲ ንናይ 315 ጉዳያት ግዳያት ናይ’ቲ ግህሰት ዳግም ተጸኒዑ ንክቀርብ`ኳ እንተሕለፈ፡ ፓሊስ’ቲ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ግፍዒ ግቡእ ምክትታል ከምዘይገበሩ እንክፍለጥ፡ ብገለ ዝተገብሩ ካሕሳታት’ውን ብቤት ፍርዲ’ቲ ዓዲ ከምዘይተናእደ ተፈሊጡ።

ነዚ ዝተዓዘቡ ብጽዕነቶም፡ ነቶም ግዳያት ዝኾኑን ምንም ካሕሳ ዘይውሰዱ ሰባት ከምዝመዝገብዎም ገሊጾም።

ምኽንያት ሰማዕትነት

ብጽዕነቶም ኣስዒቦም፡ ሓደ ካህን ንጉዳይ እቶም ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ክልል ካንዳህማል ዝተቐትሉ ኣመንቲ መጽናዕቲ ክገብሩን፡ ብጥንቃቐ ክምዝግብዎን ከምዝመዘዙ እንክፍለጥ፡ እዚ ከም ቀዳማይ ደረጃ ንምኽንያት ሰማዕትነትን ቅድስናን ብሃገረ ስብከት ደረጃ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ ስዒቡ’ውን ንዝዓበየ መጽናዕቲ ንቫቲካን ዝለኣኽ’ውን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብድምጺ ንምክትታል
27 August 2019, 19:06