ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ናይ ኣል ኣዝሃር ሸኽ ኣሕመድ ኣል ጣየብን ዝብ ኣቡ ዛቢ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ናይ ኣል ኣዝሃር ሸኽ ኣሕመድ ኣል ጣየብን ዝብ ኣቡ ዛቢ  

ንሕውነት ደቂ ሰባት ዝሰርሕ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮሚተ ኣተባብዕ! ር.ሊ.ጳ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ንዕላማ ሕውነት ደቂ ሰባት ዝበል ኣቐዲሙ ዝተኸተመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንምትግባር፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝተመዘ ኮሚተ ብምምጓስ ከምዘተባብዕዎ ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ኣል-ኣዝሃር ኣሕመድ አል-ጣይብን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት 2019ዓምፈ፡ ብዛዕባ ሕውነት ደቂሰባት ንሰላም ዓለምን፡ ሓቢርካ ምንባርን፡ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም መቐጸልታ ናቱ ሕጂ’ውን ብወገን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብትምህርቲ ናይ ምትሕብባርን መንፈስ ምክእኣልን ንክህሉ እትዓዪ ሓዳስ ኮሚተ ከምዝተመዘት ተሓቢሩ።

ሓጎስ ናይ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 26 ነሓሰ 2019ዓምፈ፡ ነቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተገብረ፡ ንሕውነት ደቂሰባት ዝሰርሕ ተግባራዊ ተበግሶ ድሕሪ ሞጒሶምን ኣመስጊኖምን፡ ከም’ዚ ዓይነት ቅዱሳት ተግባራውያን ተበግሶታት ብኻልኦት’ውን ንኽሰዓቡ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ቅድስነቶም ነዚ ሓድሽን ኣገዳስን ተበግሶ ኣመልኪቶም ‘ሽሕ’ኳ ብዙሕ ሕማቕ ነገራትን፡ ጽልእን፡ ምምቕቓልን ብመራኸቢ ብብዝሒ ይጋዋሕ እንተኾነ፡ ብሕድሕዳዊ ምፍላጥን፡ ናይ ምርድዳእ መንፈስን ተጠቒሞም ንምእመናን ናይ ዝተፈላለዩ እምነታት፡ ናብ ሕውነትን ሰላምን ዘምጽኡ፡ ዘይረኣዩን ሕቡኣትን ዝመስሉ፡ ኣብ ሓቅን ርትዕን ዝተሰረተ ሕውነትን ሰላምን ዝሓንጹ ቅኑዓትን ሓላፍነታውያንን ምንቅስቓሳት ምህላዎም ክዝንግዑ ዘይግብኦምን፡ ንቐጻሊ ተስፋ ዘስንቑ ዓበይቲ ተበግሶታት’ ከምዝኾኑ ገሊጾም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓላፊ ሕትመትን ዜናን ማተዮ ብሩኖ ሓቢሮም።

ኣብ ትምህርቲ ዘተኮረ

ፕረሲደንት ናይ ስለ-ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዝርርብ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ተቊዋም ናይ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሚግወል ኣዩሶ ጒጾት፡ ኣባል ናይ’ታ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተመዘት ኮሚተ ኮይኖም፡ ምስ ኣባል ራድዮ ቫቲካን ዝኾኑ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ፡ ነቲ ተበግሶ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ እንክዛረቡ ‘እዚ ተበግሶ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ! እቶም መማህራን’ውን ኣብ’ቲ ሕውነት ደቂ-ሰባት ዝብል ሕመረት ናይ’ቲ ሰነድ፡ ንኸተኩሩ ክሕግዞም እዩ! እዚ ከኣ ኩላትና ደቂ ሰባት፡ ንገዛእ ንርእስናን ንኻልኦትን ዕድል ብምኽፋት ትምህርቲ ከምንቐስም ጌሩ፡ ምስ ካልኦት ናይ ምርኻብ ባህልን፡ ሕውነትን፡ ሰላምን ዝፈጥር፡ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ብምኽላስ፡ ንሕውነት ኣብ ብዙሕነት ዘኣንግዳ ተቍዋማትን ዩንቨርሲቲታትን ንምሕናጽ ሓጋዚ’ዩ’ ከምዝበለ ተሓቢሩ።

ብጽዕነቶም ንዳግም ምኽላስ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ኣመልኪቶም ‘እቲ ዝወጽእ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ዓቢ ጥንቃቐ ዘድልዮ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ደረጀታት ዝግበር ለውጢ፣ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ ሰነድ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ’ ድሕሪ’ሎም፡ ‘ጠቕላሊ ኮሚተ ብወገኑ፡ ብመንገዲ ሃገራውያንን ዓለም ለኻውያንን ተቝዋማት ኮነ፡ ምስ ሃይማኖታውያንን ፖሎቲካውያንን መራሕቲ ብምውሳእ ናብ መላእ ዓለም ብፍላይ ናብ መንእሰያት ክበጽሕ ኣለዎ’ ብምባል ብምኽንያት ምምስራት ናይ’ቲ ኮሚተ፡ ንናይ ኣቡዳቢ ወዲ ዙፋናዊ ንግስነት ሸክ ሞሃመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናይሃን ኣመስጊኖም።

ሓደገይናነት ናይ ምድቓል ሃይማኖት

ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ንምትሕውዋስ ወይ ምድቓል ናይ ዝተፋላለዩ ሃይማኖታት ኣመልኪቶም፡ ገለ ካቶሊካውያን ነቲ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ኣል-ኣዝሃር ኣሕመድ አል-ጣይብን ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኸተመ ሓባራዊ ሰነድ፡ ከም መበገሲ ናብ ሓባራዊ ዝተዳቐለ ሃይማኖት ንምፍጣር ወይ ብዙሕነት ናይ ርትዓዊ ሃይማኖት ናብ ምቕባል ዝወስድ መርሓ ግብር ጌሮም ዝርድእዎ፡ ትኽክል ርድኢት ከምዘይኮነ ብምስማር እዚ ይብሉ ንሶም ‘እዚ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ሃይማኖታት ሓሳባት ብምውሳድ፡ ዝተዳቐለ ሓድሽ ሃይማኖት ንምፍጣር ወይ ማዕርነት ናይ ኩሎም ሃይማኖታት ምቕባል ዘይኮነ፡ ንኹሎም ነቶም ንኣምላኽ ዝደልዩ ኣመንቲን፡ ሃይማኖት ዘይብሎም ደለይቲ ጽቡቕን፡ ናይ ማዕርነት ኣፍልጦ ምሃብ፡ ከምዝኾነ ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ’ ድሕሪ’ሎም፡ ቀጺሎም`ውን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ይብሉ ‘ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ‘ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዝርርብ’ ብዝብል ሓሳብ፡ ብዙሕነት ኣብ ሃይማኖት ጥራሕ ከምዘይኮነ ተረዲኣ፡ ንመንነታ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወት፡ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ብምዝርራብ፡ ካብ ፍሉይነት ናይ ካልኦት ተበጊሳ፡ ንመንነታ ብዝያዳ እተስተንትነሉን እትርድኣሉን መንግዲ ከምዝኾነን፡ ብዘይካኡ’ውን ቅኑዕ ዝኾነ ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዝርርብ ከምዘይከኣልን ኣሚና፡ ከምእተኽተሎ’ ኣብሪሆም።

ብድምጺ ንምክትታል
27 August 2019, 18:46