ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኤርትራ ንደገፍ ኣቡናት ጸሎትን

ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ኣደራዕ ናይ ምውራስ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላአት ምስ ኣጋጠሞም ‘ንነግር ወኢንዘብጥ - ዓቅምና ናብ ኣምላኽ ምእዋይ እዩ እሞ ኣታኣውዪና ኢሎም ካብ ዕለት 25 ሰነ 2019 ዓምፈ ክሳብ ዕለት 12 ሓምለ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ምእመናኖም ስለዚ ጉዳይ እዝን ስለሰላምን ክጾሙን ክጽልዩን ብዝኣዘዝዎን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ከኣ በብዝጥዕሞም ከምኡ ክገብሩ ብዝሓተትዎ መሠረት ጾሙን ጸሎትን ሱባኤ ቀንዮም ትማሊ ኣብ ፍጻሜ ኣብ ቅርዓት ቤተክርስትያን ተኣኪቦም ደገፍ ንካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ብዝብል ተማ ተጋቢኦም ውዒሎም።

ነቲ ውዕሎ ብዝምልከት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ንካቶሊካውያን ኤርትራውያን ዘገልግሉ ቆሞስ ደብረ ኪዳነምሕረት ፍራንክፈርት ዘሥርዓተ ግዕዝ ጥቀ ክቡር ኣባ ዳዊት ዘርአማርያም ዝሃቡና መብርሂ ይስዕብ።

መብርሂ ጥቀ ክቡር ኣባ ዳዊት ዘርአማርያም

Photogallery

ውዕሎ ቚምስና ደብረ ኪዳነምሕረት ፍራንክፈርት ዘሥርዓተ ግዕዝ ንደገፍ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
11 August 2019, 10:18