ኣብያተ ክርስትያን ሃገረ ግብጺ ኣብያተ ክርስትያን ሃገረ ግብጺ 

ግብጺ ን1100 ብዘይ ሕጊ ዝተሓንጸ ኣብያተ-ክርስትያን ሕጋውነት ክለብስ ፈቒዳ

ሃገረ ግብጺ ነቲ ብዘይ ብቑዕ ሕጋዊ መስርሕ ምኽታል ኣብ ሃገራ ንዝተሓንጸ ኣብያተ-ክርስትያን ሕጋውነት ንምልባስ፣ ን88 ካብተን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ሓጺር ጊዜ ሕጋውነት ናይ ምልባስ መስርሕ ውጥን ብምስልሳል ሕጋውያን ከምዝኾና ኣፍሊጣ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ነቲ ቅድሚ 3 ዓመት ብፓርላማ ሃገረ ግብጺ ዝጸደቐ ናይ ምሕናጽን ምትሓዝን ኣብያተ ኣምልኾ ተኸቲሉ ናይ 1,109 ኣብያተ-ክርስትያን ምሕናጽ፣ብናይቲ ዓዲ ኣድሆክ ዝተባህለ ኮሚተ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት መዓልታት ጥራሕ፣ 88 ዝበጽሑ ናይ ኮፕቲክ ኣብያተ-ክርስትያን ናብ ሕጋውያን ከምዝተሰጋገራ ፊደስ ናይ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ወኪል ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ።

ብፕረሲደንታዊ ኣዋጅ ተፈቒዱ

መብዛሕትአን እተን ኣብያተ-ክርስትያን ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተላ፣ ቅድሚ 2016ዓምፈ ዝተሓነጻ ኮይነን፣ ብናይ 1934 ዝወጸ ሕጊ መሰረት፣ ኣብያተ-ኣምልኾ ብ10 ሕግታት ተቐይዶም ክሕነጹ ዝሕብር እንክኸውን፣ ገለ ካብቶም ሕግታት ኣብ ጥቓ ቤት-ትምህርቲ፣ ጥቓ መትረባት፣ ጥቓ ሕንጻ መንግስቲ፣ ጥቓ መንገዲ ባቡር ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ መንበሪ ከባቢታት ከይሕነጹ ዝኽልክል ከምዝነበረ እንክዝከር፣ ንምጅማር ሓድሽ ሕንጻ ናይ ኣብያተ-ክርስትያን ብዝምልከት፣ ብፍቓድ ናይ ፕረሲደንታዊ ኣዋጅ ጥራሕ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

ንጉዳይ ግብራዊ ተፈጻምነት ናይቲ ሕጊ ብዝምልከት፣ ምእመናን ክርስትያን ብብዝሒ ኣብ ዘይርከብዎ ኣከባቢ፣ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ሃገረ ግብጺ ኣብያተ-ክርስትያን ምሕናጽ ብሕጊ ክልኩል ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

ምሕናጽን ምምጻእን

መብዛሕትኡ ጊዜ ተቐመጥቲ ደቀባት ማሕበረ ክርስትያን ነቲ ናይ 1934 ሕጊ ብምጉሳይ፣ ብዘይ ናይ መንግስቲ ፍቓድ፣ ኣብያተ-ክርስትያን ይሓንጹ ከምዝነበሩ እንክፍለጥ፣ ገለ እስላማውያን ጉጅለታት፣ ንዘይሕጋውነቱ ብምስባብ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕትን ግህሰታትን ከካይዱ ከምዝጸንሑ ይዝከር።

ነዚ ነገር’ዚ ንምህዳእ፣ መንግስቲ ግብጺ ኣብ 2014ዓምፈ፣ ነቲ ጉዳይ ዘማእክል ቅዋም ብምንዳፍ፣ ፓርላማ ናይ’ቲ ሃገር ንናይ 1934 ሕጊ ምሕናጽ ኣብያተ ኣምልኾ ዘሓድስ ኣብ ዓንቀጽ 325 ብምቕማጥ፣ ማሕበረ-ሰብ ክርስትያን ብናጽነት እምነቶም ዝገልጽሉ ሕጋዊ ውሕስነት ከምዝተገብረሎም ይፍለጥ።

ኣብያተ-ኣምልኾ

ስዒቡ’ውን ብዕለት 30 ነሓሰ 2016ዓምፈ፣ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ንግቡእ ሕንጸት ኣብያተ-ክርስትያን ዝምርምር ሕጋዊ ኮሚተ ብምጥያስ፣ ነቶም 10% ናይ 95 ሚልዮን ሕዝቢግብጺ ዝኾኑ፣ ዝበዝሑ ተኸተልቲ ኦርቶዶግሳዊት ቤተክርስትያን ዝሓነጽዎ ኣብያተ-ክርስትያን ግቡእ መስርዑ ብምትሓዝን ብምስትኽኻልን ምእመናኖም ብዘይፍርሕን ምክልባትን ስርዓተ-ኣምልኽኦም ክፍጽሙ ዘኽእሎም ሕጋዊ ሃዋህው ንምፍጣር ተሰሪሕሉን ይስራሓሉን ከምሰዘሎ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 August 2019, 18:23