ኣብ ዚምባብወ ብኣውሎ ነፋስን ውሕጅን ዝፈረሰ መንገዲ ኣብ ዚምባብወ ብኣውሎ ነፋስን ውሕጅን ዝፈረሰ መንገዲ 

ቤተክርስትያን ኣብ ዚምባብወ ተከሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መልሲ ሂባ

ኣብ ዚምባብወ እትርከብ ቤተክርስትያን ምእንቲ እቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብከቢድ ጥምየት ዝሳቐዩ ዘለዉ ስድራቤታት ድምጻ ዓው ኣቢላ ንዓለም ድሕሪ ጸዊዓ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣውያት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰረቱ ካፎድ(CAFOD) ዝተባህለ ካቶሊካዊ ማሕበር ተራድኦ፣ ነቶም ኣብ’ቲ ሃገር ኣብ ሽገር ዝርከቡ ሕዝቢ ረዲአት ከምዝሰደደ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዮም - ከተማ ቫቲካን

እዚ ዓመት’ዚ ብኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ብኣውሎ ንፋስ ዝተሰነየ ብርቱዕ ድርቂ ተኸሲትሉ ዘሎን፣ ብሰንኩ ከኣ ምህርቲ ናይ’ቲ ሃገር ኣዝዩ ብምህሳዩ፣ ኣብ መላእ’ቲ ሃገር ዓቢ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ከምዘስዓበ ተፈሊጡ።

ከም ድምር ሳዕቤን ናይ’ዚ ዘይርጉእ ኩነታት፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሕዝቢ ዚምባብወ፣ ንኣደዳ ጥምየትን ዓጸቦን ተሸኒኖም ምህላዎም ወኪል’ታ ሃገር ካብ ጨንፈር ማሕበር ተራድኦ (CAFOD) ዓባይ ብሪጣንያን ክፋል መርበብ ግብረሰናይን (CARITAS) ዝኾና ቨሪቲ ጆንሶን ሓቢረን።

ናይ ቤተክርስትያን ግብረ መልሲ

እዘን ናይ ሃገር ወኪል ኣስዒበን፣ ቤተክርስትያን ዚምባብወ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ንምህዳእ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላትን፣ ብዝተፋላለዩ ዛዕባታትን፣ ብንጥፈት ትዋሳእ ከምዘላ ሓቢረን። ገለ ካብቶም ብንጥፈት ትንከሳቐሰሎም ዘላ ጉዳያት ከኣ፣ ምስ መራሕቲ ናይ ካልኦት ኣብያተክርስትያንን  መንግስትን፣ ከምኡ’ውን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ሓቢሮም ኣፍ ናይ’ቶም ኣብ ሽግር ዝርከቡ ስድራቤታት ዚምባብወ ብምዃን ንዓለም ምእዋይ ከምዝኾነ ሓቢረን። ብዘይካ’ዚ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚምባብወ ነቶም ንህሉው ኩነታት’ታ ሃገር ኣብ ምህዳእ ከብርክቱ ዝኽእሉ ኣካላት፣ ንሃገራዊ ልዝብን ምይይጥን ብምጽዋዕ ምስ ሕዝቦም ብምውህሃድ ተወዲቦም ክሰርሑ ምግባር፣ ሓደ ካብ`ቲ ቤተክርስትያን በቲ ከስተት ንዝተሃስዩ ሕዝቢ ዚምባብወ ንምርዳእ ብዕቱብ ትሰርሓሎም ዘላ ንጥፈታት ከምዝኾነ ሓቢረን።

ዕዮ ማሕበር ተራድኦ ካፎድ (KAFOD)

እዚ ካፎድ ዝተባህለ ማሕበር ተራድኦ፣ ኣካል ናይ መርበብ ግብረ-ሰናይ (CARITAS) ኮይኑ ምስ ቤተክርስያን ሓቢሩ ኣብ ሽግር ንዝርቡ ማሕበረ-ሰብ ዝረድእ ተቍዋም ከዝኾነ ናይ’ቲ ሃገር ወኪል ቫሪቲ ሓቢረን።

እዚ ተቍኣም’ዚ ምስ ካሪታስ ዝተባህለ ማሕበር ግብረሰናይ ሓብሩ፣ ኣብ ደረጃ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣብ ዘለዉ ሕብረተሰባት ወረዱ፣ ንናይ እዋናውን ዘላቕን መፍትሒ ናይ’ዚ ኣብ ሃገረ-ዚምባብወ ተኽሲቱ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ከምዝሰርሕ’ውን እተን ወኪል ኣፍሊጠን።

ንሰን፣ ነቲ ዝዕየ ዘሎ ንጥፈታት ኣመልኪተን፣ ብፍላይ ኣብ’ቲ ብኣውሎማ ንፋስ ዝተሃስየ ከባቢታት ብምንቅስቓስ፣ ነቶም ብዘይ ወላሓደ ዝተረፉ ሕዝቢ ምግቢ ብምዕዳልን፣ ንቐረብ ማይ ናይቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝቕመጡ ሕዝቢ ዘገልግል መስመር-ማይ ብምጽጋንን፣ ከምኡ’ውን ቀረብ ዘርኢ ብምዕዳል፣ ንዝቕጽል ናይ ዘርኢ ወቕቲ ስንድዋት ብምዃን ገዛእ ርእሶም ዝኽእልሉ ሃዋህው ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢረን።

እዘን ናይ ሃገር ወኪል፣ ንማሕበር ተራድኦ ካፎድ ኣመልኪተን፣ እዚ ማሕበር ኣብ ሃገረ ዚምባብወ ካብ ዝኣቱ ልዕሊ 50 ዓመት ኣቚጺሩ ከምዘሎ ብምግላጽ፣ እቶም እዚ ማሕበር ዝሰርሓሎም ከባቢታት፣ ምስ ካልኦት ብዙሕ ባህርያዊ ሃብቲ ዘይርከብዎም ቦታታት ብምንጽጻር፣ ብዙሕ ብልጫታት ከምዘመዝገበ ብምሕባር፣ ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ምስ ሕዝቢ ብምትሕብባር ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ራህያታት ክጽገኑ ከምዝገበረን፣ ብኡ መጠን`ውን ናይ’ቲ ከባቢ ምህርቲ ከመሓይሾ ከምዝኸኣለን እንክገልጻ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን፣ እኹል ቀረብ ማይ ብዘይምርካቦም፣ መሬቶም ደረቑ ከምዝተረፈን፣ ከምሳዕቤኑ`ውን ሕዝቢ`ቲ ከባቢ ንዓጸቦ ከምዝተቓልዐን ሓቢረን።

ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር

ወይዘሮ ቫሪቲ ነዚ ኣብ ዚምባብወ ተኸሰቱ ዘሎ ቅልውላው ኣመልኪተን፣ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ’ቲ ሃገር ዝርአ ዘሎ ብኣውሎማ ንፋስ ዝተሰነየ ከቢድ ደርቂ፣ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ከምዝኾነ፣ ብዓይንና ብምርኣይን ብኣካልና ብምድህሳስን እንምስክሮ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሃገረ ዚምባብወ ብርቱዕ ሙቐትን ውሑድ ዝናብን ከም ዝኽሰት ብምግባር ፣ ነቲ ልዕሊ 70% ናይ ሕዝቢ ዚምባብወ፣ ባዕሎም ብዘፍረይዎ ምህርቲ ተዓልንጊሎም ሂወቶም ዝመርሑ ዝነበሩ፣ ኣደዳ ድርቅን ጥምየትን ከምዝገበሮም ኣፍሊጠን።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 August 2019, 19:32