ድለ

2019.08.19 ጉባኤ ሪሚኒ  2019 2019.08.19 ጉባኤ ሪሚኒ 2019 

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ኣብ ናይ ሪሚኒ ጉባኤ ብዛዕባ መንእሰያትን መጻኢኦምን ተዛሪቦም!

ህሉው ኣመላኻኽታ መንእሰያት፡ ጉዳይ ስደተይናታት ከምኡ’ውን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካ ሃገረ ኢጣልያ ዝብሉ ዛዕባታት ገለ ካብ`ቶም ንጉባኤ ሪሚኒ ኣመልኪቶም፡ ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን፡ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ከምዝኾኑ ሉኡኽ ዜና ቫቲካን ሉካ ኮሎዲ ሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ንመንእሰያት ጉባኤ ሪሚኒ፡ ኩሉ ጸዋዕታ፡ ጸዋዕታ ፍቕሪ እዩ ይብሉ

ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ፡ ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ ንዘሎ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበረዎ ቃለ-ምልልስ ʽመንእሰያትና ልሙሳትን ናይ ትግባረ ክእለት ዘይብሎምን ኮይኖም ንከይተርፉ፡ ካብ ፍርሒ ሓራ ከነውጽኦም ኣሎናʼ ድሕሪ’ሎም ንዕለት 23 ለካቲት 2020ዓምፈ፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ስደት፡ ንኣቡናት ማእከላይ ባሕሪ ተንከፍ ዝጠርነፈ ጉባኤ ክካይድ ከምዝኾነ ንእግረ መንገዶም ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዋ ቃለ-ምልልስ ሓቢሮም።

ብፁዕነቶም እንደገና ንመንእሰያት ኣመልኪቶም፡ መንእሰያት ንዘለዎም ጸዋዕታን ህያባትን ኣለሊዮም ክኽእሉ ከንሕግዞም ኣሎና። ነፍስወከፎም ካብ ዘልኣለም ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕሩን ንፍሉይ ነገር ዝተመደቡን ምዃኖም እንተዘይፈሊጦም፡ ብሰንኪ ናትና፡ ናይ ስድራቤቶምን መማህራኖምን ሕመቕን ድኻምን ከምዝኾነ ከነስተውዕል ይግባእ፡ ቅድሚ ኩሉ ፍርሒ ንመንእሰያትና ልሙሳት ብምግባር፡ ኣብ ተግባራውያን ንጥፈታት ድኹማንት ከምዝኾኑ ስለዝገብሮም፡ ብመንገዲ መራኽቢ ብዙሓን፡ ብካልእ ንዓኣቶም ክንረኽበሉ እንኽእል መንገድታትን ብምጥቃምስ ይኹን ምስ ካልኦት ብምርኻብ ንገዛእ ርእሶም ክፈልጡሉ ዝኽእሉ ሜላታት ብምጥቃም፡ ካብ ፍርሒ ሓራ ከነውጽኦም ኣሎና ኢሎም።

ብጽዕነቶም እንካብ ራድዮ ቫቲካን ንዝቀረቦም ሕቶታት ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝስዕብ መሊሶም፥

ኣብ መጀመርያ ዝተሓተትዎ ሕቶ ʽብፁዕ ካርዲናል ባዘቲ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጣልያን፡ ኣብ ዓበይቲ ከይተረፈ ፍርሕን ዘይምዕጋብን ይርአ’ሎ፡ እዚስ ካብ ናይ ባህሊ ሽግር ዝመጸ ኢልኩም`ዶ ትሓስቡ፧ʼ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ʽእወ ብርግጽ! ናይ ባህሊ ሽግር ኣሎ፡ ብናተይ እምነት ከም መፍትሒ ናይ`ዚ ሽግር ኢለ ዝሓስቦ፡ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣቐዲሞም፡ ምቕባል፡ ምስናይ፡ ምውህሃድ ዝበልዎም ኣገደስቲ ዕዮታት፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዕድመ ንዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ገለ መብርሂ ንምጥቃስ፡ ንኣብነት ሓደስቲ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ጉዕዞ ሕይወቶም ዘሰንይዎም ካልኦት ማዮም ዝሰተዩን ብትምህርትን ተመኩሮን ዝጸገቡን ሰባት፡ መንነቶም ብዕምቆት ንምርዳእ እንተዘየሰንዮሞም፡ ነዊሕ ከይተጓዕዙ ክወድቁ ግድን ኢዩ። ደሓር’ውን ናይ ሎሚ መንእሰያት፡ ብቐሊሉ ስራሕ ክረኽቡን ዘለዎም ሂያባቶም ከማዕብሉን ከምዘይክእሉ ተረዲእና ከነሰንዮምን ምስ ኩነታት ናይ ሕይወት ክወሃሃዱ ክንሕግዞምን ይግባእ። ሓደ ካብ’ቲ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ነቒሕና ንሰርሓሉ ዘሎና`ውን ኣብ ትምህርቲ ምሃብ ኮይኑ፡ ነቲ ብሰንኪ እኹል ትምህርቲ ዘይምህላው ዝመጽእ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ኣርሒቑ፡ ብትብዓትን ርእሰ ተአማንነትን ሕይወቶም ክመርሑ ይሕግዞምʼ ብምባል መሊሶም።

ስዒቡ ዝቀረቦም ሕቶ ʽቤተክርስትያን ሃገረ ጣልያን ብዛዕባ ስደተይናታት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ኣብ ባሪ ጉባኤ ሰሪዓ’ላ ብዝዕባ ዝብል ሓሳብ እንታይ ትብሉ፧ʼ ዝብል ንምምላስ ʽብርግጽ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ባሪ ጉባኤ ኣቡናት መዲብና ኣሎና፡ ኣብ’ዚ ግዜ`ዚ ኣብ ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ ሽግር ናይቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተደሪኾም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ስደተይናታት ምዃኑ ብምእማን፡ እዚ ሽግር’ዚ ብናይ-ውልቂ ወይ ብውሑዳት ሃገራት ጽዕሪ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘይክእል፣ ብፍላይ ከኣ ሎሚ፡ ተፈጥሮኣዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምኽንያት ስደት ናይ ብዙሓት ስደተይናታት ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንዘለዉ ሽግራት ንምፍታሕ፡ ሎሚ ልዕሊ ማንም ግዜ፡ ምስካልኦት ሓቢርካ ንዘሎ ሽግር ክትቃለስ ዝጠልብ ጊዜ ከም ዘሎና ተረዲእና፡ ምስ ካባና ዝተፈልየ ካልእ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ዘለዎም ናይ ሃገራት ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃ ጳጳሳትን ካልኦትን ኮይና፡ንጉዳይ ናይ ንስቪላዊ ሕብረተሰብ ዘካተተ ብጉዳይ ስደተይናታት ክንጋባእ ኢናʼ ብምባል ንዝቀረበሎም ሕቶ መልሲ ሂቦም።

ቀጺሉ ዝሰዓበ ሕቶ ʽካብ ገማግም ባሕሪ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ናብ’ቲ ዝግበር ጉባኤ ብምምጻእ ዝሳተፉ ኣቡናት፡ ብዛዕባ ካብ መበቆል ዓዶም ዝመጹ ስደተይናታት ዝርኢን ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም ኣተሓሕዛን ከቕርቡ ድዮም፧ʼ ዝብል ነበረ። ብፁዕነቶም ምስ ሓደ ኣቡን ዘዕለልዎ ጉዳይ ዘኪሮም ʽንስደተይናታት ኣብ ምቕባል ኣተኲርኩም ትሰርሕሉ ምኽንያት፡ ስደተይናታት ስለዘገድስኹም ኢኹም፡ ከም’ቲ ንዓኻትኩም ዘገድስኹም ንዓና’ውን የገድሱና እዮም፡ ከም’ቲ ካብኻትኩም ብሉጻት ሰባት ናብ ስዊዘርላንድን፡ ጀርመንን፡ ደኒማርክን ዝኸዱ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ካብ ክልል ኡምብርያ ናይ ሃገረ ጣልያን ጥራሕ ልዕሊ 30 ሽሕ ብሉጻት ሰባት ዝሓሸ ዕድላት ንምርካብ ከምዝኽድዎምʼ ብምሕባር ጉዳይ ስደተይናታት ካብ ኣብ ማያዊ ክፍሊ ዝግበር ናይ ሕይወት ኣድሕን ንጥፈታት ጀሚርካ ሓባራዊ ዕዮ ዝሓትት ፍታሕ ዘድልዮ ሽግር እዩ፡ ብምባል መሊሶም።

ራብዓይ ዝቐረበሎም ሕቶ ʽመዕጸዊ ናይ’ቲ ኣብ ባሪ ዝግበር ጉባኤ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ድዩ ክግበር፧ʼ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ʽእወ! ቅድስነቶም ባዕሎም እዮም ክዓጽውዎ፡ ኮይኑ ግን ዛዕባ ናይ’ቲ ዝግበር ጉባኤ፡ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ʽሽግር ስደት ብዓይኒ መለኮታዊ ትምህርቲʼ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ናፖሊ ቅድሚ ሕጂ ጉባኤ ከምዝተኻየደ ብምግልጽ፡ እቲ ዳግም በቲ ዛዕባ ከነካይዶ ንሓስቦ ዘሎና፡ ንኣተገባብራ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ጉባኤ ዝዓለመም እዩʼ ብምባል መሊሶም።

ኣብ መወዳእታ ንጉዳይ ፖሎቲካ ናይ ሃገረ ጣልያን ብዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ከኣ ʽቤተክርስትያን ዓዲ ጥልያን፡ ንሃገረ ኢጣልያ እንታይ ዘሕጉስ ነገር ክትህባ ትኽእል፧ʼ ንዝብል ኮይኑ፡ ብፁዕነቶም ʽሎሚ ንሃገረ ኢጣልያ ዝህቦ ዘሕጉስ ነገር እምበኣር፡ ከም’ቲ ኣቐዲመ ብመዓልቲ በዓል ፍልሠታ ለድንግል ማርያም ዝበልክዎ፡ ሕጂ’ውን ደጊመ፡ ኣብ ፓርላማ ናይ ሃገረ ጣልያን እምነት ክንገብር ኣሎናʼ ብምባል ቃለምልልሶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 August 2019, 18:42