2019.08.18 meeting Rimini messa 2019.08.18 meeting Rimini messa 

ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ ንዘሎ ጉባኤ ሠናይ ምንዮተይ እገልጽ! ር.ሊ.ጳ.

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ ዘሎ ምሕዝነታዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ንዘለዉ ሰላምታ ብምቕራብ ድሕሪ ሞጒሶም፣ ነቶም ኣብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ዓለም ብዝተፋላለዩ ሽግራት ብምሕላፍ፣ ሕይወት ከቢድዎም ንዘለዉ፡ ገጽ ናይ`ቲ ፈቃርን መሓርን ጎይታ ክርእዩ ሓግዝዎም ክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝኮኑ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፔቶሮ ፓሮሊን፡ ንቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ወኪሎም፡ ናብ’ቶም ካብ ዕለት 18-24 ነሓሰ 2019ዓምፈ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ሃገረ ጣልያን እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ፡ ኣብ መንጎ ተኸተልቲ ናይ ዝተፋላለዩ እምነታት ዝኾኑ ሕዝብታት፡ ምሕዝነትን ሰላምን ንምስፋን ዝዓለመ ጉባኤ ይካየድ ከምዘሎ እንክፍለጥ፡ ናብ’ቲ ሎሚ ዘመን ንመበል 40 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ መልእኽቲ ሰዲዶም።

ሓቀይና ምስሊ 

ቀንዲ ዛዕባ ናይ’ቲ ጉባኤ ‘ስምካ\ኪ ካብ’ቲ ኣቶኲርካ\ኪ ዝጠመትካዮ\ክዮ ምስሊ ኢዩ ተወሲዱ!’ ብዝብል ካብ ግጥማዊ ስነ-ጽሑፍ ናይ ር.ሊ.ጳ.ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወስደ መሪሕ ሓሳብ ዝተመርሐ እንክኸውን፡ ነቲ ክርስቶስ መስቀሉ ተሰኪሙ ናብ ቀራንዮ እና ተጓዕዘ እንከሎ ፡ቅድስቲ ቨሮኒካ ንገጽ ኢየሱስ ብጨርቂ ምስ ደረዘት ምስሊ ገጽ ኢየሱስ ኣብ’ቲ ጨርቂ ዝተረፈ ዘዘኻኽርን ዘመልክትን ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ቅድስነቶም ብመሰረት እቲ ኣብ ጨርቂ ዝተረፈ፡ ብቋንቋ ላቲን ካብ ‘Vera icona’ ትርጉሙ ‘ሓቀይና ምስሊ’ ዝብል ዝወጸ ናይ ቨሮኒካ ስም ኣመልኪቶም፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ጉባኤ ብሓቂ ናይ ሕድሕዳዊ ሓቀይና ምስሎም ዘንጸባርቕሉን፡ ብሓባር ዝዓብይሉን ቅዱስ ጊዜ ክኾነሎም፡ ሰናይ ምንዮቶም ከምዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም።  

 ሕይወት ዝኸበዶም

ብፁዕ ካርድናል ፓሮሊን ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ሓሳብ ኣመልኪቶም ‘እቲ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ሕይወቱ ዘወፈየልና፡ ነቲ ዘይድገምን ፍሉይን ዝኾነ ናይ ነፍስወከፍና ምስሊ ንምዕቃብ`ውን ከምዝኾነ ክዝንጋዕ የብሉን’፡ ብምባል ኣብ’ዚ ግዜና፡ ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ናይ ኲናትን ጥምየትን ዘለዎ ቦታታት ዝመጹ ውልቃውያን ስደተይናታት፡ ቁጽሪ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ከም ማንም ፍጡር ወዲ ኣዳም፡ ገጽን ኣስማትን ታሪኽን ዘለዎም ከምዝኾኑ ተረዲእና፡ መሰሎም ክንሕልወሎምን ሓገዝና ከነበርክተሎምን ይግባእ ኢሎም።

ህሉው ኩነታት ዓለምና ዘሰከፎም ብጽዕነቶም ኣስዒቦም፡ ምስ’ቲ ኣብ ፈቐድኡ ገኒኑ ዘሎ ናይ ‘ተጠቂምካ ደርቢ’ ዝብል ሕማቕ ባህሊ ብምሕዋስ፡ ነቶም ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥሩ’ሞ፡ ብሰንኪ ሽግርን ድኽነትን ዝተነጸሉን ሕዝቢ፡ ሰብኣዊ ክብሮም ብምግሃስ ክንጥቀመሎም ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእስና ኣባታቶም ብምርኣይ ጎደልኦም ክንምልእ ይግባእ ኢሎም።

ዳግም ገዛእ ርእስና ነለሊ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንምስሊ ገዛእ ርእስና ኣመልኪቶም፡ ኣብ ዓለም፡ ንገዛእ ርእስና ኣብ ፍርሒን፡ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ስደትን ብምእታው፡ ንሓቀይና ምስልና ዘጥፋእና ሰባት ውሑዳት ከምዘይኮና ብምግላጽ፡ እቲ እንኮ መፍትሒ እምበኣር፡ ናብ’ቲ ‘ሓድሽ ኣዒንቲ ሂቡ፡ ሓቀይና ምስልና ከርእየና ዝኽእል ገጽ ክርስቶስ ኣተኲርና ክንጥምት ምስ እንኽእል ጥራሕ ኢዩ’ ብምባል ሓቀይና ምስልና ንክርስቶስ ኣተኲርና ካብ ምጥማት ከምዝርከብ ሓቢሮምና።

ብፁዕነቶም ኣብ መወዳእታ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ናይ’ዚ ግዜና ሕዝቢ ንሓቀይና ምስሎም ከለልዩ ዝሕግዞም ተስፋ ከምዘድልዮም ብምግላጽ፡ ‘እዚ ተስፋ’ዚ ክዉን ዝኸውን እምበኣር፡ ምስሊ ናይ’ቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ኣብ ገጽና ምስ ዘንጸባረቕ እዩ’ ብምባል ሓሳቦም ደምዲሞም።  

ብድምጺ ንምክትታል

 

 

19 August 2019, 16:13