ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ  

ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ሕብረት ጉባኤ ናብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን (1962-1965 ዓ.ም.) ታሪኽ ንኸተብል ዝድርኽ እዩ

ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 29 ሓምለ 2019 ዓ.ም.፥ ቤተ ክርስቲያን ስድራ እግዚኣብሔር ኣብ ኣፍሪቃ፡ በዓለ ኢዮቤል የብዕል! ንመድሓኒዅም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣበስሩ ብዝብል መርሕ ቃል መበል 18 ሓፈሻዉ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ የካይድ ምህላዉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ምስ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ተተሓሒዙ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ህብረት ዘካይዶ መበል 18 ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 20 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ሉዋንጋ ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘበገሰን፡ ዕለት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኡጋንዳ ሰማዕታት ቅዱስ ስፍራ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብቶም ናይቲ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጵሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት መስረትቲ ዝዀኑ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ዘቶሮሮ ብፁዕ ኣቡነ ጃመስ ኦዶንጎን ናይ ሆይማ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርት ኤድዋርድ ባሃራጋተን ክሳተፉ ከምዝዀኑን፡ ብፁዕ ኣቡነ ባሃራጋተ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1969 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝፈጸምሉ  ሓደ ካብቶ 11 ካልኦት ገዳማውያን ማዕርገ ጵጵስና ካብ ኢድ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተቐብሉ እዮም።

ወርቃዊ ኢዮበል

ብዛዕባ እዚ ወርቃዊ ኢዮቤል ንምርዳእ ምስ እዚ ታሪኽ እዚ ጥልቂ ምትሕስሳር ዘለዎም ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ተክለ ሰብነት ምስትንታን የድሊ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱ ቀዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ክዀኑ እንከለዉ (ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ ዕለት 2 ነሓሰ 1969 ዓ.ም.)

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚኣ ፍሉይን ጽዑቕን ዝዀነ ተልእዀ እዮ ዘለዋ፡ ንዅሎም ደቂ’ዛ ጸሓያዊት መሬት ከም ኣደን መምህርን ቀሪባ ባህላውን እዋናውን ናይ ሕይወት ትርጉም ብምቕራብ፡ እቲ ናይ ስድራ ቤትን ማሕበረሰብኣውነትን ጥበባ ብምዕቃብ ብዛዕባ ሕድሽ ውዳቤ በርገሳዊ ማሕበራትን ሕንጸት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለዋ (ጳውሎስ ሻድሻይ)

ኣብቲ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቱ ዘሎ፡ ናይቲ ወርቃዊ ኢዮበልዩ በዓል ንእግዚኣብሔር ስለ ዘደንቅ ስርሓቱን ጸጋ ጥምቀትን ቤተ ክርስቲያኑን ብፍላይ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝተበጽሔ ኣብ ክርስቶስ ዝተሰርተ ተበጽሖታት ብጥልቂ ንምስትንታን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡

ናይ መልኣ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ሕብረት ጉባኤ ናብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን (1962-1965 ዓ.ም.) ታሪኽ ንኸተብል ዝድርኽ እዩ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሕብር መጋበርያ ከዊኖም ኣብ ብዙሕነት ባህላውን ዓሌታውን ቋንቋን ኣብ እትጥርንፍ ክፍለ ዓለም ኣብ ሓዋርያዊ ኣግልግሎት ምትሕብባር ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ሓሳብ ኣብ 1968 ዓ.ም. ብጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ፍጻሜ ካልእይ ጉባኤ ቫቲካን ጸዲቑን ነዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ንምብራኽን ይኹንታ ንኽህብሉን ናብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሎም ብፅዕና ዝኣወጅሉ ሰማእታት ኡጋንዳ ማሙጎንጎን ብፆቱን ቅዱስ ስፍራ ከም መንፈሳዊ ነጋዳይ ክበጽሑ ምዃኖም ገሊጾም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ምስ ተረኽቡ፥

ንሰማዕታትኩም ክብሪ ንኸቕርብ ኣብዚ እርከብ፡ ኣብዚ ንእግዚኣብሔር ክብርን መጐስን ንኽብሪ እቶም ሰማዕታት ቤተ ጸሎት ቆመ፡ ኣነ ንናይዚ ቤተ ጸሎት መንበረ ታቦት ክባርኽ ካብ ሮማ ክመጽእ ደለኹ፡ በዚ ድማ ነቶም ኵሎም ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ኩሉ ስፍራን ስለ ናይ ካቶሊክ እምነት ሕይወቶም ዝሰውኡ ንምኽባርን እዩ (ጳውሎስ ሻድሻይ)

ከምዝበሉ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ
22 July 2019, 17:40