መበል 20 ዓመት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘተ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሩሲያ መበል 20 ዓመት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘተ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሩሲያ 

መበል 20 ዓመት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘተ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሩሲያ

ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዘካየድዎ ታሪኻዊ ርክብ

ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተን ርክብን እናተመሓየሸን ብፍላይ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪኣርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተኻየደ ርክብ ኣዚዩ ጭቡጥ ከይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ዕለት ኣርባዕተ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ ዕለት ከእተመያየጥሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓበይትን ኣገደስትን ነጥብታት ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ኣብ ሩሲያ፥ እዚ እቲ ሓደ ቅዱስ ኣቦናን ርእሰ ብሔር ፑቲንን ዝመኸርሉ ነጥብ ክኸውን እንከሎ፡ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያ ብምስዳዕ ሃይማይማኖት ኣብ ኡክራራይን ገዛእ ርእሰን ናይ ምስራቕ ስርዓት ሕገ ቀኖና ዝስዕባ ናጻውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ መንበረ ጴጥሮስ ንምውሃድ ትንቀሳቐስ ብዝብል ኣብ ተስዓታት ዝነበረ ዘይምርድዳኣ ዝፈትሔ ምዕባለታት ዝተራእዮ ምዃኑ ይፍለጥ።

ታሪኻዊ ርክብ ኣብ 2016 ዓ.ም.

ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ሩሲያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ናብ ኣርባዕተ ሰበኻታት ክብ ምስ በለ ቀስ ብቐስ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን እናተመሓየሸን ብፍላይ እቲ ዝቖመ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ኰይኑ፡ ዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዘካየድዎ ታሪኻዊ ርክብን ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰነድን ስዒቡ ብሉጽ ምዕባለታት ዘርአየ ክኸውን እንክሎ፡ እዚ ናይ ሃቫና ክሌኣዊ ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ክርስቲያን ሓድነት ብዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ንናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ጳጳስ ዘመንበረ ቮሎኮላምስክ ሚጥሮፖሊታ ሂላሪዮን ኣብ ፍሪቡርግን ቪየናን ሞስካን ብዘካያድዎ ርክባት ከምእተዘከረን ዝቕጽል ርክብ ኣብ ሮማ ዝካየድ ከምዝዀነን ኣብ በዓለ ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዕለት 29 ሰነ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣትውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 30 ሕዳር ኣብ እተብዕሎ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ንምስታፍ ናብ ኢስጣምቡል ወከልታ ከምእትልኽን ብተመሳሳሊ መገዲ ነቲ ናይ ሃቫና ክሌኣዊ ርክብ ናይ ካቶሊክን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ብልኡካነን ኣቢለን በቢ ዓመቱ ዝዝክርኦ ኰይኑ ኣሎ።

ዘተ ባህላዊ ምልውዋጥን ምትሕብባርን

ኣብ ኡክራያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ-ተመሓዳሪት ቀፋሊያ ዝብል ውሳኔ ብናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ይዅንታ ምስ ተወሃቦ እዚ ውሳኔ እዚ ዘይተቐበለት ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤተ ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኮኽን ብናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ ፓትሪያክ ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበር ተልመሶስ ብፁዕ ኣቡነ ጃብ ካብ ዝምራሕ ናይ ሓባር ናይ ዘተ ድርገት ዘንሰሓበት እውን እንተዀነ፡ እዚ ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ኣየሰናኸሎን፡ ከምኡ እውን እቲ ካብ 13 ክሳብ 14 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጥርንፍ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገትን ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መድረኻት ንኣብነት ማሕበረሰብ ቦዘን ታይዘን ቅዱስ ኤጂዲዮን ሱታፌን ሓርነትን እተሰምዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምንቅስቓሳት ኣብ ዘዳልውዎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ርክባት ብምስታፍ እውን ይቕጽል ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብቲ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 6 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ገዳመ ቦዘ፥ ዛዕባ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ኣማእኪሉ ንሕይወት ኣብ ክርስቶስ ዝተጸዋዕና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓለምን ኣብ ህልው እዋንን  ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መበል 27 ዓውደ ጉባኤ ሜጥሮፖሊታ ሂላሪዮን፥ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ እዮም፡ ስለዚህ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝቕጽል ዘሎን ምዕባለታት እውን ዘርእይ ምዃኑ ጃዳ ኣኵይሊኖ የዘኻኽራ።

30 ሺሕ ሓደስቲ ኣቢያተ ክርስቲያን

ኣብ ሩሲያ ካብ 144 ሚሊዮን ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እቲ 100 ሚሊዮን ሰዓቢ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ካልኦት 20 ሚሊዮን ዝግመቱ ካብ ሩሲያ ወጻኢ ዝነብሩ ምእመናን ከምዘለውዋን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት 30 ሺሕ ሓደስቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ከምእተሓንጻ ኣኵይሊኖ ይሕብራ።

መበል 20 ዓመት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘተ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሩሲያ
10 July 2019, 17:50