ኣብ ደማስቆ ንናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ደማስቆ ንናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት 

ኣብ ደማስቆ ንናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት

ኣብ ዒራቕ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን 42 ሺሕ ኣብ ሶሪያ 26 ሺሕ ከምዘለዉን ካልኦት 55 ሺሕ ኣብ ስደት ዘለዉ ምዃኖም

ኣብ ሶሪያ ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣብ ናይ ሶሪያ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ናይ ፓትሪያክ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ቤተ ሓዋርያዊ ምሕደራ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ዩሃና ጂሓድ ባጣሕ ኣብ ዶማስቆ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ከምዝሓረዮምን፡ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኢግናጺዩስ ሳልሳይ ዮናን ናይ ሃሳከን ኒሲቢን ርእሰ ኤጳርቅና ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ደኒስ ኣንቶይነ ቻሕዳ ናይ ኣለፓ ሊቀ ጳጳስ ንኽዀኑ ብይኹንታ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ከምዝሰመይዎም ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሶሪያ ናይ ኣንጽዮኪያ ፓትሪያካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክሳውያን ዝርከብዎም ካብ 1783 ዓ.ም. ኣትሒዞም ምስ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋሃዱን ቋንቋኦምን ናይ ስሪያ ስርዓተ ኣምልዀ ዓቂቦምን ዝነብሩ ምዃኖ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ናይ ሶሪያ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደማስቆ 78 ዓመት ዕድመኦም ምኽንያት ናብ ልሂቅነ ንዘበሉ ንብፁዕ ግረጎሪዮስ ኤሊያስ ጣበ ንኽትክኡ ናይ ሶሪያ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ናይ ፓትሪያክ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ቤተ ምሕደራ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ዩሃና ጂሓድ ባጣሕ ከምዝሾመ ዝሓበሩ ጋዜጠይና ደ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ብፁዕ ኣቡነ ዩሃና ጂሓድ ባጣሕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኤፍረም ተቕዋም ካብ 2002 ክሳብ 2009 ዓ.ም. ዓቢይ ሓለቓ ከይኖም ከምዘገልገሉን፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መንፈስ ዝተመሃሩን፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ምስራቕ ስርዓት መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖና ኣብ 1998 ዓ.ም. ሊቕነት ዘመስከሩን ዕለት 19 ግንቦት 1991 ዓ.ም. ኣብ ደማስቆ ርእሰ ኤጳርቅና ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን  ናይ ቋጣና ቆሞስ ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ካብ 1992 ክሳብ 2002 ዓ.ም. ንናይ ቻርፈት ፓትሪያርክ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓለቓን ካብ 2002 ክሳብ 2009 ዓ.ም. ናይ ምስራቕ ተጠቐምቲ ቋንቋ ዓረብ ተመሃሮ ዘእንግድ ተቕዋም ቅዱስ ኤፍረም ሓለቓን ከይኖምስ ምስ ኣገልገሉ ናብ ደማስቆ ተጸዊዖም ናይ ደማስቆ ርእሰ ኤጳርቅና ርእሰ ተራዳኢ ፓትሪያርክ ኰይኖም ተሰምዮም ኣብ 2011 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሕቶ ኣጽዲቖም ኣብ ዶማስቆ ናይ ርእሰ ኤጳርቅና ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ንኽዀኑ ዝተሰምዩ ከምዝነበሩ ኣሊጦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዒራቕ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን 42 ሺሕ ኣብ ሶሪያ 26 ሺሕ ከምዘለዉን ካልኦት 55 ሺሕ ኣብ ስደት ዘለዉ ምዃኖም ዲ ቡሶሎ ናይ ሶሪያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጸብጻብ ጠቒሶም ይሕብሩ።

ኣብ ደማስቆ ንናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት

Photogallery

ኣብ ደማስቆ ንናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
12 July 2019, 17:27