በጊመ በነፋስ ወበነጐድጓድ በጊመ በነፋስ ወበነጐድጓድ 

ሰንበት ዘነጎድጓድ ሓምለ 21 2011 ዓ.ም. (7/28/2019)

መዝሙር፡ በቀዳሚት ገብረ እግዚአብሔር ሰማየ ወምድረ ወኵሎ ፈጺሞ አዕረፈ. .“እግዚአብሔር ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ኵሉ ምስ ፈጸመ ብሰንበት አዕረፈ። ብጊዜ ማይ አይኂ እግዚአብሔር ንኖኅ እትድሕነላ መርከብ ሥራሕ ንምድሪ እንደገና ብማይ አይኂ ከየጥፍአ አነ ምሳኻ ንዘለዓለም ኪዳን ክአቱ እየ። ንምድሪ እኽላን ሣዕርን ሓጋይን ክረምትን ዘርእን ዓጺድን ክህብ እየ። ብሓቂ በረኸት እግዚአብሔር እዚ እዩ። ንሱ ነቲ ዝብሎ ቃል አይጠልምን እዩ”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ገላ 6:14-18፥፥ 2ጴጥ 2፡1-9፥ ግ.ሓ. 17፡21-ፍ፥ ሉቃ 10:1-12.17-20    ምስባክ፡ ዘያበቍል ሣዕረ ለእንስሳ ወሓመልማል ለቅኔ ዕጓለ እምሕያው፥ ከመ ያወፅእ እክለ እምድር። መዝ 104፡14-15። “ካብ ምድሪ መግቢ ምእንቲ ኺረከብ ንእንስሳ ዚኸውን ሣዕሪ ንጥቕሚ ሰብ ከአ ተኽሊ አብቆልካ”።

ካብ ሰነ 25 ክሳብ መስከረም 25 ዘመነ ክርምት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምስቲ እዋኑን ዘመኑ አሰማሚዑ ንባባትን መዝሙርን ክነስተንትን ይሕግዘና። ናይ ሎሚ ሰንበት ዘነጎድጓድ ተባሂሉ ይጸዋዕ ነጒዲ ማለት እዩ። አብ ብሉይ ኪዳን ነጒዲ ናይ አምላኽ ምምጻእ ወይ አምላኽ ምልክት ክህብ እንከሎ እዩ ዘስምዕ፥ አብ ደብረ ሲና ሙሴ ምስ አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ድምጺ ነጎዳን ግመን ተራእዩን ተሰሚዑን፥ ኢየሱስ ክጥመቕ እንከሎ ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰሚዑ ስለዚ ነጕዲ ንአምላኽ የዘኻኽር። አብ ባህልና እውን ነጉዲ ምልክት ሓይሊ አምላኽ ከም ዝኾነ ኢና ንሓስብ።

“ብሰላም ሓንቲ አይጠፍእን እዩ. . . . ኢየሱስ ሰላም የምጽአልና ሰላም ከአ ይሓድገልና” (ፕዮስ XII) እናበሉ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ XII አብ ፩ይ ውግእ ዓለም ብዓቢ ሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ አብ ፪ይ ውግእ ዓለም አብቲ ጽንኩር እዋን ልዕሊ ኹሉ ዝተሳቐዩ አቦ እዮም ነሮም። ድሕሪ ውግእ ዝሰዓበ ጸገማት ብፍላይ ምስፍሕፋሕ አልቦ እግዚአብሔር ፍልስፍና ንደቂ ሰብ ብመንፈስን ሥጋን ስለ ዘሳቐዮ ጽምአት ሰላምን ናይ ሰላም ጣዕምን ብዕሊ ዝሰበኹ አቦ እዮም ነሮም። ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን አብዚ ሰንበት ኩሉ አትኩሮና አብ አድላይነትን ጥቕሚ ሰላምን አብ ዓለም ክንገብሮ ዝግብአና ተዘኻክረና። ሎሚ ዓለምና ሰላም ርሒቕዋ ውግእ ሞት ስደት ምጭኽኻን በዚሕዋ ትህወኽ አላ። ንኹልና ልዕሊ ኹሉ ዘድልየና እንተሎ ሰላም እዩ።

ኩሉ ሰላም ስኢኑ ንሰላም ብማዕዶ ዝጥምታን ዝምነያን ኮይኑ፥ ሰላም እንተ ረኸበ ኢሉ አብ ኩሉ ይደልያ አሎ፥ እዚ ኸአ ነቲ ብርድኢት ሰብ ክግበር ዘይሕሰብ ዝነበረ በረኻታትን አጻምእ ቦታትን ባሕርታትን ሰንጢቑ ንሰላም ዝደሊ እሞ አብ መንጎ ዝተኾልፈ ማእለያ የብሉን። ሰላም አብ ኩሉ ደሊናያ ግን ጌና አይረኸብናያን። ሰላም ዝሰአነ ልቢ፥ ሓዳር፥ ቤተ ክርስትያን፥ ሃገር መለለይኡ ሕንፍሽፍሽ ዘይምቕሳን ጥልመት ምጭኽኻን. . . ወዘተ እዩ። ኦ ሰላም አበሎኺ አማዕድየ ደልየ ስኢነኪ አበይ ትርከብ ምስ መን ትርከቢ ዝብል ሕሹኽታ ሕልና ይዛረብ አሎ። “ሰላም እኃድገልኩም አሎኹ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ” (ዮሓ 14፡27) ዝበለ ኢየሱስ ሎሚ እውን ሰላም አብኡ ጥራሕ እያ እትርከብ። እምብአር ሓቀኛ ሰላም ክነስተማቕር እንኽእል አብኡ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ።

ሓደ ካብቲ ናይ ሰብ ባህርያዊ ሃረርታ ሰላማ ዝሰፈኖ ሕይወት ክነብር ምስድላይ እዩ። አብ ዘሎናዮ ዘመንን ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌን ሳይንሳዊ ፍልጠትን ዝያዳ ሰላምን ምርድዳእን ኢኻ እትጽበ እንተ ኾነ ዓለምና ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ትሕመስ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እዚ ዝሕብረና ሰላም ካብ ሰብ ዝመሃዞ ወይ ዝሓሰቦ ዘይኮነ ካብ አምላኽ እያ እትመጽእ።

አብ ትንቢት ኢሳያስ 66፡10-14 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነቱ ሰላም ከም ዘቕርበልና ንርኢ። “እንሆ ነባሪ ሃብቲ ኽህበኩም እየ ሃብቲ አሕዛብ ከአ ኸም ዘይነጽፍ ወሓዚ ርባ ናባኻትኩም ከውሕዝ እየ” (ኢሳ 66፡12)። ሰላም አምላኽ አብ ልብና ክአቱን ክውሕዝን ክመርሓናን እንተ አፍቀድና ሽዑ ክንዓግብ፥ ኩሉ ክንሕዝ ኢና ዓለምና ኸአ ዝበለጸት ክትኮነልና እያ። እምብአር ገበርትን አወጅቲ ሰላም ክንከውን ንጽዋዕ አሎና። ሰላም ካባና ብአና ናብ ካልኦት ክትፈስስ አለዋ።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ መብዝሕትና ነቲ ዝተዋህበና ሓለገት አጥፊእና ንሰላም አብ ሃብትናን አብ ኃይልናን መሰረት ገርና ክንረኽባ ንጽዕር አሎና። አብዚ ዘሎናዮ እዋን ናይ ሰብ ዋሕስ ኮይኑ ዘሎ ክንደይ ገንዘብ፥ ገዛ፥ ሃብቲ ክዳውንቲ ከምዘለዎ ተራእዩ ብእኡ እዩ ዝግመት። ሓደ Jurgen Moltmann ዝተባህለ “ሰላም ናይ ሓደ ሕጉስ ሕይወት በረኸት እያ። ናይ ሕይወት ምልአት አብ ቅድሚ ሕያው አምላኽ እያ፥ ናይ ሕይወት ምልአት አብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝርከብ ሓድሕዳዊ ርክብ እያ፥ ናይ ሕይወት ምልአት አብ ማሕበር ፍጡራት ምስ ኩሎም ካልኦት ፍጡራት እያ” ይብል። እዚኸ ካብቲ ንጉሥ ሰላም ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ዝፍልፍል።

ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፋ ንሎሚ ዝተነበትልና ምእንቲ ኹሎም ንድላይ አምላኽ ዝኽተሉ ኢሉ ሰላምን ምሕረትን ክረኽቡ ይጽሊ። “አብቶም በዛ መገዲ እዚአ ዚነብሩ ዘበሉን አብቶም ወገን አምላኽ ዝኾኑ ናይ ሓቂ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ” ይብል። እዚ ማለት ከአ እቲ አብ ልባትና፥ አብ ገዛውትናን፥ ማሕበራትና፥ ሕብረተሰብን ዓለምን ዝመጽእ ሰላም ምስ ድላይ አምላኽ ሰሚርና ክንሰርሕ ከሎና ጥራሕ እዩ። ከም ጳውሎስ ዝብሎ አብቶም ኩሎም ንክርስቶስ ዝምስክሩ አብኦም ሰላም አሎ። ስለዚ ምስ ክርስቶስ ሓጎስና ምሉእ ክኸውን ንሰላም ዝኸውን ቦታ ክንሕዝ ይግብአና።

ቅ. ጳውሎስ ክጽሊ እንከሎ “ሰላም ክርስቶስ አብ ልብኹም ይነገሥ” (ቆላ 3፡15) ይብል። ሰላም ዝሰአነ ልቢ፥ ስድራ፥ ማሕበር፥ ሕብረተሰብ፥ ሃገር ተስፋ ዝቖረጸ ወይ ዘይቅሱን ሕይወት እዩ ዘሕልፍ። ሰላም ንማሕበራትና ንቕድሚት ከም ዝስጉም ይገብር። ዝኾነ ማሕበር ንሰላም ዝቕበል ንመንፈሳውን ንዋታውን ሃብቲ ዕድል ይኸፍት። ሰላም መለክዒ ሕይወትና ገርና ክነብር እንተ ኸአልና ዋሕስ ምዕባሌን ብልጽግናን ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ክንርኢ ዝሓሸ ባይታ ፈጢርና አሎና ማለት እዩ። እዚ ማለት ግን ሰላም ስለ ዘሎና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ጽቡቕ አሎ ማለት አይ ኮነን እኳድአ በዚ ሎሚ እንርእዮ እቶም ሰላም ዘለዎም ሃገራት ብዝያዳ ካብ መገዲ አምላኽ ዝርሓቐ ክፍአት ብዝያዳ የርእዩ ስለዚ ሰላም ክብሃል እንከሎ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። ወላ እቲ አብ ውግእን ጭንቀትን ዝርከብ ሰብ ዝያዳ ሰላም ክህልዎ ይኽእል እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንባብና አብ ዓለምና ክንልአኽ ከሎና ምሳና ሒዝናዮ እንቐርብ መልእኽቲ ይነግረና “ነዚአ ቤት እዚአ ሰላም ይኹን” ዝብል ክኸውን ከም ዘለዎ ይነግረና። እዚ ህያብ ንዓለምና ክነቕርቦ ዘሎና እዩ። ኢየሱስ ዓለምና ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሰላም ከምዘድልያ አጽቢቑ ይፈልጥ እዩ፥ ነዚ ክህባ ኸአ ኩሉ ጊዜ ፍቓደኛ እዩ። ምስቲ ክርስቶስ ዝህበና ሰላም ምስኡ ንዓለምና ካብ ባህሊ ውግእን ጽልእን ናብ ሰላም ክንቅይራ ስንድዋት ክንከውን አሎና። ናይ ሰላም መሳርሕቲ ክንከውን ይጽውዓና።

አብዚ ብዝያዳ ክንሓስቦ ዘሎና እንጻወቶ ተራ አብ ሰላም ምንጋስ እዩ ብዝያዳ አብቶም ብቐረባ ምሳና ዝነብሩ ብፍላይ ስድራና ቍምስናና ሕብረተሰብናን ሃገርናን። ሰላም አብ ቤት እያ እትጅምር ሰላም እትሰንቕ ቤት ካብ ቤታ ወጺአ ሰላም ክትገብር አየጸግማን እዩ። ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን አብ መንግኦም ሰላም ምስ ዝህልዎም መጀመርያ ንርእሶም ሕጉስ ሕይወት ይነብሩ ከምኡ ንደቆም ሰላም የምህሩን ይዘርኡን። ሰላም ዝሰአኑ ሰብ ኪዳን ንርእሶም ተሳቕዮም ንደቆም ንስድርኦም ንኹሉ የሳቕዩ ስለዚ ጥዕና ስድራ ጥዕና ኩሉ እዩ። አብ ስድራታት ሰላም ክርከብ ኩልና ክንሕግዝ ክንጽሊ ግድነት እዩ። ስድራታት ክበታተና ሰላም ተሳኢኑ ቆልዑት ክሳቐዩ ሱቕ ኢልና ክንርኢ ሕልናና ከፍቅደልና የብሉን። ብርግጽ እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እቶም ክልተ ቃል ኪዳን እዩ ንሕና እውን ከም አካሎም ነቲ ዝጋገ ዘሎ ክነረድኦ ክንመኽሮ ሳዕበናት ስእነት ሰላም ንኹሉ ከም ዝጎድእ ክነርድእ ዝክአለና ክንገብር አሎና። ኢድካን አፍካን አኪብካ ሱቕ ምባል ግን እታ ስድራ ክትብተን ክትሳቐ እንከላ ዘይምሕጋዝ ሕልናዊ ሓላፍነት ነጉድል አሎና ማለት እዩ።

ሰላም ክነግስ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ፥ ነዚ አብ ግምት አእቲና ክንገብሮ ዝግብአና አሎ።

·         ጸሎት ምግባር። ሰላም ዝርከብ ካብ አምላኽ እዩ ስለዚ ምእንቲ ሰላም ክወርድ ልዕሊ ኹሉ ጸሎት ክገብር አለዎ። ብሃረርታን ትምኒትን ሰላም አይርከብን እዩ መጀመርያ ምስ አምላክ ተዓሪቕና ክንልምኖ አሎና። ሰላም ጸጋ አምላኽ እዩ ንሱ ጥራሕ እዩ ክህበና ዝኽእል ስለዚ ንለምኖ።

·         ንጽልእን ቅርሕንትን ካባና ክነርሕቕ ይግባእ። ካብ ቂምታን ጽልእን ዝርከብ ረብሓ የለን። ጽቡቕ ሓውናን ሓፍትናን ልዕሊ ዝኾነ ነገር ክንሰርዕ ክንክእል አሎና። መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ጊዜ ንሓቂ ንሰላም ዝዕድም ነገራት አይዝርግሑን እዮም ንእኡ መሰረት ገርና ሆ ክንብል እንከሎና ሰላም ካባና ትርሕቕ። ንሓውናን ሓፍትናን ብፍቕሪ ክንስዕሮም አሎና።

·         ርትዕን ሓቅን ክነግስ ምጽዓር። ንዝኾነ ሰብ ማዕረ ርኢኻ ምኽአል ከመይ ኩልና ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ዝተፈጠርና ኢና። ዓለት ሃይማኖት ወገን ሃብቲ ስእነት ክፈላልየና አይግባእን። ንሰብ ብዝገበሮ እምበር ብኻልእ መሰረት ገርና ክንፈርዶ አይግብአን ስለዚ ሓቀኛታት ክንከውን እንከሎና ሰላም ይመጽእ። ሓቂ አብ ዝርሓቖ ነጻነትን መሰልን ስለ ዝጎድል ሰላም እውን የለን ፍርሕን ምሽቕራርን እዩ ዝበዝሕ። ንሓቅን ርትዕን ክንሰብኽ ክንምስክር እምነትና ይእዝዘና።

·         ብስእነት ሰላም ዝመጽእ ጉድአት አብ ርክባትናን ዓለምናን ምምሃር። ብዙሓት ስእነት ሰላም ዘስዕቦ ጉድአትን ጸገማትን ዳርጋ ምስ ረብሓን ጥቕምን ስለ ዘተሓሕዝዎ ዳርጋ ሰላም እንተ ዘየለ ከም ዝሓልፈሎም ዝሓስቡ አለዎ። አብ ጊዜ ውግእ ዝህብትሙ ብዙሓት እዮም ከምዚኦም ዝአመሰሉ ክፉእን ጽቡቕን ጌና አይተሰቕሮምን አሎ ማለት እዩ ስለዚ አስተምሂርካ ምኽአል የድሊ።

አብ መወዳእታ ኩልና መልእክቲ ክርስቶስ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ልኡኻት ኢና። ንኹሎም እንረኽቦም “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” እናበልና አብ ሕይወቶም ክነግስ ዘለዎ ክነዘኻኽሮም። ሰላም ከም ወርቂ ክብርቲ እያ፥ ኩሉ ክደልያን ክዕቅባን ዘለዋ ፍልይቲ ህያብ አምላኽ እያ። ሰላም ንርእስኻ ጥራሕ ሒዝካያ እትነብር አይ ኮነትን ከም ሓጎስ አብ ካልኦት እውን ክትመሓላለፍ አለዋ። አባና ሰላም እንተሎ ንኻልኦት ከአ ብጽቡቕ ንጸልዎም። ስለዚ ከም ቅ. ፍራንቸስኮስ ብዓል አሲዚ ከምዚ እናበልና ንጸሊ “ኦ ጎይታይ ናይ ሰላምካ መሳርሒ ግበረኒ፥ ጽልኢ አብ ዘለዎ ፍቕሪ፥ በደል አብ ዘለዎ ይቕረታ፥ ክርክር አብ ዘለዎ ሥምረት፥ ስሕተት አብ ዘለዎ ኡነት፥ ጥርጥር አብ ዘለዎ እምነት፥ ቅብጸት አብ ዘለዎ ተስፋ፥ ሓዘን አብ ዘለዎ ሓጎስ፥ ጸልማት አብ ዘለዎ ብርሃን ከም ዘእቱ ግበረኒ” አሜን።

ሎሚ እውን ሰላም አብ ኩሉ የድልየና አሎ ብፍላይ ቤተ ክርስትያን ሃገርና ሰላም ቅሳነት ቅድስናን ከብዝሓልና ፍሉይ ጸሎት ክንገብር ይግብአና። ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ሰላሙን ምሕረቱን የውርደላና በረኸት አብዚሑ ጠለት ዝመልኦ ክራማት ሂቡ ብሩኽ መስቀል የብርቐልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

27 July 2019, 13:22