ድለ

2019.07.07 ምሳሌ ዘርእን ዘራእን “ንቃል አምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል” 2019.07.07 ምሳሌ ዘርእን ዘራእን “ንቃል አምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል” 

ሰንበት ዘክረምት ሰነ 30 2011 ዓ.ም.(7/07/2019)

መዝሙር ዘክረምት፡ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም. . “ዝናም የድምጽ እሞ እንክዘንም ጥሙያት ይጸግቡ፥ ድኻታት ይሕጎሱ. . . ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓ ዝናም ድምጹ የስምዕ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡33-51፥ ያዕ. 5፡16-ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡11-21፥ ሉቃ 8፡1-22 ምስባክ፡ ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። “ ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል”። መዝ. 147፡8።

 ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ እዩ፥ ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ አምላኽ ንአና ንደቂ ሰብ ክጠቅም አብ ዝተፈላለየ እዋናት ከከም አድላይነቱ ይህበና። ኩሉ ዝተዋህበና ክነፍሪ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንጥቀም እዩ ስለዚ ንኹሉ ዝሀበ አምላኽ ክነመስግኖ ይግብአና። ማይ ሓደ ካብቲ ቀንዲ አብ ሕይወት ወዲ ሰብ ጠቓሚ እዩ፥ ሰውነትና ዝበዝሐ ትሕዝትኡ ማይ እዩ፥ ማይ ድሕሪ ዘየለ ሕይወት የለን፥ አብ አጻምእ ቦታ ዘለዉ ናይ ማይ ጥቕሚ ልዕሊ ኩሉ ይርድእዎ። አብ እምነትና ማይ ናይ ምንጻሕ ምልክት እዩ፥ አብ ጥምቀት፥ አብ ዝተፈላለየ እዋን ብማይ ጸሎት ነገራት ነንጽሕ፥ አብ ቅዳሴ አብ ወይኒ ማይ ንሕውስ፥ ካህን ናይ ምንጻሕ ምልክት ብማይ ይሕጸብ፥ ስለዚ ማይ ፍሉይ እዩ። ጊዜ ክረምቲ እምብአር ነዚን ካልእን ቀንዲ ነገራት አብ ሕይወት ወዲሰብ ዝሓዘ እዩ።

ካብ 25 ሰነ ክሳብ ቂርቆስ 19 ሓምለ ዘሎ መዝሙር ዘዘርእ፥ ዘደመና፥ ዘጊሜ ክረምት ተባሂሉ ይስመ እዚ ኸአ መምስቲ ጊዚኡ ክሰማማዕ እሞ አብኡ ተመስሪትና መንፈሳዊ ጥቕሚ ክንረኽበሉ ንማለት እዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት “ዘክረምት” ይብሃል። 

ክረምቲ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ክፍለ ዓመት ንደቂ ሰባት ፍሉይ ጥቕምን ምስ መንፈሳዊ ሕይወቶም አዛሚዶም ትርጉም ክህብዎ ዝሕግዝ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ክረምቲ ኩሉ ፍጡር ሰብ እንስሳ አታኽልቲ ሳዕሪ መሮር ኮታስ ኩሉ ዝሕደሰሉ ወቕቲ እዩ። ሓዲስ ተኽሊ ዝበቑለሉ እንስሳ ብአየት ዓቢረን ክሰብሓሉ ዝጅምራሉ መረት ሓጋይ ነሩ ቆጽላይ መሲሉ ንኽትርእዮ ደስ ዘብለካ ዝኾነሉ ወድሰብ ምሉእ ተስፋ ረኺቡ ዝዘርኣሉ እዋን ስለ ዝኾነ ናይ ተስፋ ጊዜ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ፍጡር ዝሕጎሰሉ እዋን እዩ። ደቂሰብ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ዝገብሩሉ ጊዜ እዩ። ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ የንብርዎ። ዝናም እንተ ደንጎየ አደታት አቦታት ይምህለሉ እንተ በርትዐ እውን አብ አምላኽ ይምህለሉ ንቆልዑት ከይተረፈ ተማህለሉ አምላኽ ዓቕምና ክህበና እናበልና እንልምነሉ ጊዜ እዩ። ነዚ አብ አምላኽ ቀሪብና እንልምነሉ እዋን ክንጥቀመሉ እሞ ንኣኡ ዘሓጉስ ተግባር ክህልወና ክንጽዕር ክነስተንትን እዋኑ እዩ።

ናይ ሎሚ መዝሙር ምስቲ አብ ክራማት ዝርአ ነገራት አተሓሒዙ ህያባት አምላኽ ይገልጸልና። አብ ሃገረሰብ ዝዓበና ፍሉይ ጣዕሚ ክራማት ይርድአና እንተ በልኩ ዝተጋነነ አይመስልንን። አብ ጊዜ ክራማት ኩሉ ሓምላይ ኮይኑ ክትርእዮ ንልቢ ዝማርኽ እንስሳ ክጸግባ ሰብ ብተስፋ ዘራእቱ ክርኢ ፍሉይ እዩ። ደመና ክደባኖ ምድረ ሰማይ ጸልሚቱ ነጎዳን በርቅን ከስማዕ እንከሎ አብ በረኻ ዝወዓለ ዓዲ ገጹ ይአቱ አብ ጻህያይን ሓለዋን ዝወዓለ አብታ መዕቆቢት ገዝኡ ኮይኑ ብሓንሳብ ንአና ዝኸውን ሃበና እናበለ ጸሎት ዝግበረሉ ፍሉይ እዋን እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወት እውን ክረምቲ ፍሉይ እምነት ዝግለጸሉ እዋን እዩ። ንአምላኽ ዝልመነሉ ኩሉ ካብ አምላኽ ምዃኑ ተአሚንሉ ንሰማይ ቋሕ እናበልካ አቕልለልና ዓቕምና ሃበና እናበልና እንጽልየሉ ጊዜ እዩ፥ ከምኡ ዝዘራእናዮ ክፈርየልና ብተስፋን እምነትን አብ አምላኽ ገርና እንጽልየሉ፥ ምስ አምላኽ ቅሩብ ርክብ እንገብረሉ እዋን እዩ።

ወንጌል ሉቃስ ምስ እዚ ወቕቲ ዝሰማማዕ ይነግረና። እዚ አብ ማር 4፡3-8፥ ማቴ 13፡4-8 እውን ክነንብቦ ንኽእል ኢና። እዚ ናይ ሉቃስ ወንጌል ብብዙሕ መገዲ እኳ ክንትርጉሞ ዝክአል እንተኾነ እቲ አብ ኁልቅ 11-15 ዘሎ ነቲ ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ ምስሌ ዝሃብዎ ትርጉም ይነግረና።

እቲ ዘርኢ ቃል አምላኽ ኮይኑ አብ ልቢ ደቂ ሰብ ምስሓደረ ፍረ ከፍሪ ዝድለ እዩ። እቲ ዘፍሪ መሬት አምሳል ልቢ ደቂ ሰብ እዩ። እንተ ኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ዝተዘርአ ይኹን እቲ መሬት ከምቲ ዝድለ ዘየፍሪ አሎ። ወንጌል ነዚ ክገልጽ እንከሎ ገሊኡ ጨራሩ በሊዐንኦ፥ ገሊኡ አብ ትሕቲ ገረብ በቚሉ ፀሓይ ስለ ዘይረኸበ፥ ገሊኡ አብ ሕማቕ መሬት ተዘሪኡ፥ በዚ ከፍሪ አይከአለን ይብለና። ፍረ ብባህጊ ጥራሕ አይመጽእን እዩ፥ ኩሉ እቲ ንኽፈሪ ዘድሊ ነገራት ክቕረብ አልኦ ድሕሪኡ አብ አምላኽ ንሓድጎ። 

አብ ኁልቅ 13-15 ዘሎ ነቶም ዝሰምዕዎ ከም ዘርኢ እምበር ከምቲ መረት ገሩ አየቕርቦምን በዚ ምኽንያት ከአ ኢየሱስ ነርድእቱ ናይ እቲ ምሳሌ ዓሚቕ ምስጢርን ትርጉምን ክርድኡ ይደልዮም። ድላይ ኢየሱስ ዝረአዩ ሓዋርያት አብኡ ካብቶም ሕዝቢ ቅርብ ኢሎም ንብሕቱ ምስጢር ናይ እዚ ምሳሌ ክነግሮም ሓቲቶሞ። አብ ኢሳያስ 6፡9 ዘሎ እናጠቐሰ ‘ምፍላጥ ምስጢራት መንግስቲ አምላኽ ንአኻትኩም እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፥ ንኻልኦት ግና እናረአዩ ምእንቲ ኸይርእዩ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ ብምስላ ተዛረቦም” እናበለ ትርጉም ናይ እቲ ምሳሌን ንሶም ከም አርድእቱ ክኾንዎ ዝግብኦም ክኽተልዎ ዝደልዩ መገድን ሕይወትን አብሪሁ አስተምሂርዎም። ነቲ ንሱ ዘስተምህሮም ሰሚዖም አብ ፍረ ከብጽሑ እዩ ድላዩ። 

እዚ ኢየሱስ ዘቕረቦ ምሳሌ እቲ ቃል አምላኽ አብ ልቢ ብዙሓት ከም ዝዝራእ እሞ ፍረ ክህልዎ ድላይ አምላኽ ከምዝኾነ ምሕሳብ የድሊ። ነዚ አብ ግብሪ ክነውዕል ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክንገብር ይግባእ፡

·         ዝአክል ምስንዳው የድሊ። ከምቲ መሬት ከፍሪ ምስንዳው እንገብረሉ ቃል አምላኽ አባና ሓዲሩ ፍረ ክህልዎ ልብና ክነጽሕ፥ ሕራይ ኢልና ክንቅበል፥ ክንሰምዕ፥ ጽን ኢልና ሰማዕቲ ክንከውን አሎና። ከይተሰናዶኻ ምቕራብ ጫውጫውታ አብ ዝበዝሓሉ ቃል አምላኽ ክንሰምዕ ከቢድ እዩ። ነዚ ሎሚ ዝተነበና ወንጌል ክንደናይ ሰሚዕናዮ እሞ ተረዲኡና አሎ፥ ካህን ክሰብኽ እንከሎ ክንደይ ካባና ነቲ ዝብሃል ይሰምዕዎ፥ ዝገርም እዩ ብዙሕ ጊዜ ሎሚ ስክብከት ጽቡቕ ነሩ ይብሉኻ እንታይ ኢለ እንተ በልካዮም ግን ሓንቲ ክብሉ ዘይክእሉ አለዉ። እሞ ንቃል አምላኽ ቅድሚ ምስምዑ ክንሰምዖ ዘኽእለና ባይታ ክነጣጥሕ ይግብአና። ከምቲ መረት ከፍሪ ድኹዒ ምኹስኳስ ከምኡ ምጽጋእ ምሕላው ዘድልዮ ቃል አምላኽ አባና ሓዲሩ ፍረ ክህልዎ ኸአ ንዝሓለፈ ሕይወትና ኃጢአትና ክንሳሕ፥ እቕረ ክንብሃሃል፥ አብ ልብና ዘሎ ዝኾነ ካብ አምላኽ ዘርሕቅ ክንአሊ የድልየና። ከይተሰናዶኻ ምምጻእ ክንሰምዕ አየኽእለናን እዩ።

·         ንእትሰምዖ ቃል አለሊኻ ምኽአል። ብዙሕ ዓይነት ቃል ወይ ድምጺ እዩ ዝስማዕ አብ ዓለምና። ሰይጣን እውን ዘስምዖ ቃል አልኦ እዩ። ብሕሱኽታ ይኹን ብዝስማዕን ብዝርአን ዝተነግረና ቃል ክነስተውዕለሉ አድላዪ እዩ። ንብዙሓት ሎሚ ቃል አምላኽ ዝመስል ግን ካብ ሓቅን ሕይወትን ዘርሕቖም ቃል ሰሚዖም ካብ እምነቶምን ወገኖምን ዝረሓቑ አለዉ። እቲ እትሰምዖ ቃል ካበይ ከምዝወጽእ ዘሎ ክተለሊ ክትፈልጥ አድላዪ እዩ። ቃል አምላኽ ካብ ቅ. መጽሓፍ፥ ካብ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ኢና እንረኽበ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ንአኹም ዝሰምዐ ንአይ ሰምዐ ኢልዎም እዩ። ቃል አምላኽ ክተስምዓና ሓላፍነት ዝተዋህባ ቤተ ክርስትያን እያ። አብዚ እዋና ቃል አምላኽ አነ ከም ዝደልዮ እየ ዝሰምዖ ኢሎም ንግጉይ ድምጺ ሰሚዖም ዝጠፍኡ ውሑዳት አይኮኑን ስለዚ ንእትሰምዖ ድምጺ አለሊኻ ምኽአል አድላዪ እዩ ንኢየሱስ አብ ምስዓብ።   

·          ምስማዕ ጥራሕ እኹሉ አይኮነን፥ ነቲ ዝሰማዕናዮ አብ ልብና ክነሕድሮ አሎና። ነቲ ዝሰማዕናዮ አብ ልብና ክነሕድሮ ቀለብ ነፍሲ ኮይኑ መንፈሳዊ ሓይሊ ክኾነና አለዎ። ቃል አምላኽ አብ ልቢ ወዲ ሰብ ክሓድር እንተ ኸአለ ሽዑ እዩ ምሕዳስን ምቕያርን ዝመጽእ። ነቲ ዝሰማዕካዮ አብ ግብሪ ክትነብሮ እንከሎኻ ጥራሕ እዩ ምሉእ ሓጎስ ዝሕበካ። አብ ዓለም ወረ ዘውርዩ ሰባት ነቲ ወረ ይነግርዎ እምበር ሕይወቶም አይትንክፎምን እዩ። አብ ናይ አምላኽ ነገር ከምኡ አይኮነን እቲ እትዛረቦ መጀመርያ ንስኻ ክትነብሮ የድሊ። ነቲ ዝሰማዕካዮ ንስለ ምስማዕ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ልብኻ ሓዲሩ ለውጢ ከርኢ አለዎ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ ይብለና አሎ። ሰማዕትን ተግበርትን ኮና ክነብር እንከሎና ዓለምናን ሕይወትና ክቕየር እዩ።

·         ንኽይንሰምዕ ዝኽልክለና አሊና ክንክእል አሎና። አብ ከውሊ ዘሎ ክሰምዕ ቀሊል አይኮነን። ሎሚ ከዋሊና በዚሑ አሎ። ባዕልና ብእንፈጥሮን ብኻልእ ዝመጸና ከይንሰምዕ ከዊልና ነቲ ጎዳኢና ድምፀ እናሰማዕና እንነብር ውሑዳት አይኮናን። አብ ግብሪ እንርእዮ ዘሎና ንቓል አምላኽ ከይንሰምዕ እሞ አብ ፍረ ከይነብጽሖ ዝዓግተና ብዙሕ እዩ። ካብ ድኹም ሥጋና ጀሚርና እንነብሮ ዓለምን ንብረቱን ብዓቢኡ ኸአ አቦ ሓሶት ዝኾነ ድያብሎስ ንቃል አምላኽ ከይንሰምዕ ዓንቀፍትና እዮም። አዳምን ሔዋንን ንቃል አምላኽ ምስማዕ ምስ አበዩ አብዚ ኹሉ መከራ አውሪዶምና። ሰይጣን በቲ ዝደልይዎ ፈቲንዎም። ዮናስ ነብይ ነቲ አምላኽ አብ ሰብ ንነዌ ከድካ ድሕነት ስበኸሎም ንዝበሎ ቃል አምላኽ ምስማዕ ምስ አበየ አብ ክንደይ መከራን ሽግርን ከምዝበጽሐ ቅ. መጽሓፍ ይነግረና። ሎሚ ንቃል አምላኽ ከይንሰምዕ ዝዓግተና እንታይ አሎ ኢልና ክንሓትት ጠቓሚ እዩ። ብዙሓት እነቕርቦ ምኽንያት እንተ ረአና ናይ ብሓቂ ዘጉሂ እዩ። ንቃል አምላኽ ከይሰምዕ ዓጊቱኒ ዘሎ እንታይ እዩ ኢልና ንነፍስና ንሕተት።

·         ግላዊ ድልየት አበይ ገጹ ከምዘምርሕ ዘሎ ርኢኻ ምኽአል። ድለትናን ስምዒትናን አብ ድሕነት ርእስና ዓቢ ተራ አልኦ። ሰብ ዝጉዓዞን ዝኽተሎ መገዲ ክሳብ ክርኢ ዘይክአለ ንቃል አምላኽ ክሰምዕ የጸግሞ እዩ። ብፍጥረትና ድኽመት አሎና ዝንባሌ አሎና ስለዚ ሓለዋ ርእስና ክንገብር ግድን እዩ። ልብና ስምዒትና መንፈስና ርኢና ክንክእል ከሎና ጥራሕ ኢና ነቲ ሓቅን ሕይወትን መገድን ዝኾነ ኢየሱስ እንስዕብ።

ቃል አምላኽ ክንሰምዕ እዩ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስተምህረና። እቲ አብ ልብና ዝተዘርአ ቃል አምላኽ ከከም ዓቕሙ ከፍሪ እንከሎ ጥራሕ እዩ አብ ሕይወትና ትርጉም ዝህልዎ። አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ ክፈቱለይ ቃለይ ከስምዕኩም ይብለና አሎ መድኃኔ ዓለም። ንኽይትሰምዕ ከዊሉካ ዘሎ ምቕንጣጥ የድሊ። አብ ልብኻ ጠቢቁ አይለቅቕን ኢሉ ንዘሎ ድኹም መንፈስ ሎሚ ክንስዕሮ የድሊ።

ሰሚዕካ ክትቅይር ኩላትና አብ ሕይወትና ከም እንፈልጦ ቀሊል አይኮነን። ጸጋ አምላክ የድልየና ስለዚ ንአምላኽ ክሰምዓካ ሓግዘኒ ንበሎ። አምላኽ ቃሉ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዘስምዓና ነሕዋትና ልኢኹ መልእኽቱ ይሰደልና፥ አብ ገለ እዋን ከአ በቲ ዝጓነፈና ነገራት ቃሉ የስምዕና። ነቲ ዝመጸካ መልእኽቲ ነቲ ዝተገልጸካ ርኢኻ ምኽአል የድሊ። ሎሚ እንታይ መልእክቲ አምላኽ መጺኡኒ አሎ ኢልና ክንሓትት እንተ ኸአልና አብ ሕይወትና ተሓድሶ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ክነግስ እዩ።

ብሩኽ ሰንበትን ጠለት ዝመልኦ ክራማት ይግበረልና። ንቤተ ክርስትያና በዚ ዝወርዳ ዘሎ ፈታኒ እዋን ባእሉ መንፈስ ቅዱስ ብርሃኑ ሰዲዱ የጽንዓያ። ነቶም ልቦም ሕልንኦም ዓዊሮም ጽቡቕ ንምርአይ ዘይክአሉ ኸአ ብርሃኑ ይዓድለልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

06 July 2019, 13:15