2019.06.14 ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣሲዚ 2019.06.14 ባዚሊካ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣሲዚ 

'ወገን ድኻታት ንኹን' ዝብል ትምህርቲ ብቤትጽሕፈት ሓድነት ክርስትያን ኣብ ኣሲዚ ተኻይዱ

ብቤት-ጽሕፈት ክርስትያናዊ ሓድነት ዝተሳናደወ መበል 56 ክፋል ትምህርቲ ኣብ ኣሲዚ ይካየድ ከምዘሎን፣ መሪሕ ቃል ናይ’ቲ ትምህርቲ ʽቤተክርስትያን ኣብ ሃብትን ድኽነትን ምዕቃብ ተፈጥሮን ዘለዋ ጽልዋን ኣረኣእያንʼ ዝብል ከምዝኾነ ከፍለጥ እንከሎ፣ ከርስትያናት ነቲ መሪሕ ቃል በቢወገኖም ከምዝመረጽዎ ፕረሲደንት ናይ ሓድነት ክርስትያን ዝኾነ ስቴፋኒ ገሊጹ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ድኻታት ዝብል ቃል ብውሽጥኻ ሕርኽርኽ ዝብለካ ዝውቱር ቃል ኮይኑ፣ ኣብ ታሪኽ ኩሎም ክርስትያን ዝርከብን ፣ ብሕብረተሰብኣውን ዓለምለኻውን ዓይኒ፣ ከም ፈላላዪን ናይ ሌላን ጉሌላን መግለጺ ከምዝኾኒ ይፍለጥ። ካብ’ዚ ድሕሪ ባይታ’ዚ ተበጊሱ ድማ ቤት ጽሕፈት ሓድነት ክርስትያን ነቲ ብናቶም ኣፍልጦ ዝተመስረተ ዓለማዊ ማሕበር ሓድነት ክርስትያን፣ መበል 56 ክፋል ትምህርቲ ʽብቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ ሃብትን ድኻታትን ምዕቃብ ተፈጥሮንʼ ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዶሙስ ፓቺስ ዝተባህለ ኣብ ኣሲዚ ዝርከብ ቦታ ይካየድ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ትምህርቲ’ዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ እንተጀመረ፣ ክበድን ኣድላይነትን ናይ’ቲ መሪሕ ቃል ኣዝዩ ኣገዳስን ወቕታውን  ብምዃኑ፣ ብሓደ ጊዜ ክብጻሕ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፣ ነዚ ዓመት’ዚ ኣብ ድኽነት ዘተኮረ ትምህርቲ ክኾውን ከምዝተመደበ፣ ሊቅ ናይ ንባበ መሎኮት ዝኾነ ፔትሮ ስቴፋኒ ንራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ክርስትያን ዘሎ ዝተፋላለየ ኣቚዋም

እዚ ናትና ማሕበር፣ ናይ ክርስትያን ናይ ሓድነት ማሕበር ከምዝኾነ መጠን፣ ነቲ ካብ ዝተፋላለዩ ክርስትያን ዝመጽእ ሓሳባት መሰረት ብምግባር፣ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ ንምዕባይ ከምዝኾነ ስቴፋኖ ሓቢሩ። ኣብ ናይ 2018 ዝነበረና ናይ ትምህርቲ መሪሕ ቃል ኣብ ʽሃብቲʼ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ብተመሳሳሊ ናይ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ʽድኽነትʼ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ከም ተኸተልት ክርስቶስ መጠን፣ በቢናቶም ኣረኣእያን ትመኩሮን ኣብ ድኽነት ዘለዎም ሓሳብን፣ ከመይ ክኸውን ከምዝግብኦን ኣብ ምዝርራብ ክኸውን ኢዩ ኢሉ።

ድኽነት ከም መሪሕ ወንጌላዊ ትምህርቲ

ድኽነት ዝብል ቃል ብዙሕ ጊዜ ካብ ሃብቲ ዘርሕቕ ኣሉታዊ መፍለዪ ቃል ኮይኑ’ኳ እንተተወስደ፣ ኮይኑ ግን ናይ መንፈስ ድኽነት ዝብል ናይ ወንጌል ትምህርቲ ከምእንዕዘቦ፣ ኣዝዩ ኣወንታውን ክንበር ዘልዎ ናይ ነፍስወከፍ ክርስትያን ጸዋዕታን ኮይኑ፣ ቤተክርስትያን ካብ ቅድሚ 2000 ዓመት ጀሚራ፣ ብጻዕርን ተጋድሎን ጸሎትን ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ትቃለሰሉ ዘላ ኣካል ናይ ተልእኾኣ ከምዝኾነ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ተገሊጹ።

ጎድኒ ድኻታት ምዃን ነቢያዊ ተልእኾ ኢዩ

ኣብ’ዚ ሎሚ እነካይዶ ዘሎና ትምህርቲ፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ምርጭኦም ኣብ ጎድኒ ድኻታት ከኸውን ተስፋ ይገብር። ንሳቶም ጥራሕ ዘይኮነ ቤተክርስትያና ምስ ኩላተን ቤተክርስትያናት ሓቢራ ኣብ ጎድኒ ድኻታት ደው ክብላ ክብላ ከምዘለወን ድሕሪ ሓቢሩ፣ ነዚ ዕዮ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ፣ ኮይኑ ግን ክሳብ ኣብ ደረጃ መንፈሳውያንን ዓለማውያንን ማሕበራት ወሪደን ብትብዓትን ቆራጽነትን ክዓያ፣ ሎሚ ልዕሊ ማንም ጊዜ ንቢያዊ ምስክርነት ስድልዮ እዋን ከምዝኾነ ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ሓድነት ክርስትያን ሓቢሩ።

ምዕቃብ ተፈጥሮ ሕብረተሰብኣዊ ሓላፍነት ኢዩ

ሓደ ካብ’ቲ ኣብ’ዚ ናይ’ዚ 2019 ክፋል ትምህርቲ ዝኾነ ግቡእ ምዕቃብ ተፈጥሮ፣ ምልውዋጥ ክሌማ ፣ ሕጽረት ናይ ጸዓትን ማይን ኣየርን ናይ’ዛ ዓለምና ዝብል ኣብ ዓዋዲ መልኽቲ ናይ ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ላውዳቶሲ፣ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓሳባት ከምዝተዘርበሎም ተፈሊጡ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩላትና ከም እንዕዘቦ፣ ስልጡናት ሃገራት ንሃብቲ ናይ’ዚ ዓለም ካብ መጠን ንላዕሊ፣ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ ይምዝምዝኦ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተጠቃዕትን ተሃሰይትን ናይ’ዚ ኢሞራላዊ ፍጻሜ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ድኻታት ከምዝኾኑ ብምግንዛብ፣ እዚ ዕዮ’ዚ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ከይበልካ፣ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብናይ ሓባር ጻዕርን ሓፈሻዊ ሕብረተሰብኣዊ ሓላፍነትን፣ ብዘሎና ዓቕሚ ንናይ ዓለምና ተፈጥሮ ክንዕቅቦ ይግባእ ክብል ስቴፋኒ ሓቢሩ።

ጻውዒት ንዳግም ሓድነት!

እዞም ድኽነት ምቕባል ስደተይናታት ቀታሊ ዝኾነ ሥርዓተ ቊጠባ ምኽታል ዝብሉ ሓሳባት ብዘይጥርጥር ብትምህርቲ ቅዱስ ኣቦናን ካተሊካዊት ቤተክርስትያን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ዝገበርዎ ተበግሶን ድፍኢትን ይንቀሳቀስ ምህላው ዝዝከር እዩ! ኰይኑ ግን ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ምምቕቓልን’ኳ እንተምጽአ፡ ንሱ እቲ እንኮን ቅኑዕን መንገዲ ስለዝኾነ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ንዘጋጥመን  ብድሆታት ብሓድነት ብምግጣም ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ፍልልይ ከጽብባ ኣለወን ክብል ፕረሲደንት ማሕበር ሓድነት ክርስትያን እስተፋኒ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ሓቢሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!






 

24 July 2019, 12:10